Back to Front Page

ልሳነ ትግራይ

ብኣለምሰገድ ኣባይ 05-20-21

ካብቶም መለለይታት መንነት ሓደ ህዝቢ ቀንዲ ልሳን እዩ። ልሳኑ ዝጠፍኦ ህዝቢ መንነት አለዎ ንምባል የጽግም እዩ። ኣፍና ዝኽፈትናሉ ናይ ወለድና ልሳን ድማ ልሳነ ትግራይ እዩ፡፡  እንትኾነ  በቲ ዝነበረ ጸቅቲ ልሳንና ምስ ኣምሓርኛ ተሓናፊጹ ይርከብ ። ፈለማ እቲ  ሽም ልሳና “ትግሪኛ” አይኮነን። ከምቲ ንኻሎት ህዝብታት፤ከም ንእሮሞ “ጋልኛ”/”እሮሙኛ” ንናህና ልሳን ድማ “ትግርኛ” ዝበሉ እቶም ገዛእቲ ምኻኖም አየጣራጥርን። እቶም እሮሞ እቲ እተዋህቦም ሹም ደርብዮም እቲ ግቡእ ሹሞም “እሮሚፋ” ሃንጊጦም ይርከቡ። ንሕና እዉን እቲ ግቡ ሹም ልሳና “ልሳነ ትግራይ” ክንህንገጥ ይግባእ። ኣሽምባይ ዶ ንሕና “ጽዋና ልሳነ ትግራይ ፤ ጽሑፍና ኣምሓርኛ” ኾይና ዝዓበይና ተጋሩ፤ እቶም ብልሳኖም እንዳተማህሩን፤ እንዳ ጸወዩን፤ እንዳጸሓፉን ዘዓበዩ ኤሪትራዉያን ኣሕዋትና እኻ ኽም ጠብመንጃ፤ ብረት፤ መንቀሳቀሲ፤ ወHተ ሓዊሶም እንትዘረቡ ንሰመዕ፡፡ ቀደም “ቤት ማሕፉዝ”” ወይ ድማ “ቤት ማእሰርቲ” እንትባሃል፤ ሎሚ ኩሉ ሰብ “ኡሱር ቤት” እዩ ዝብለ፡፡ እዙይ ድማ ናይ ኣምሓርኛ ጸቅጢ ምልኪት እዩ። ድሒሪ ናጽነት እርትራ ንነፍሲሕር ሚኒስትር ባህሊ ባራኺ ገብረስላሰ ቃለ መሕተት ገይረሉ ነይረ። “ነ ከበደ ኣብ ኢሪ ቲቪ ረኺብካዮ ዶ? ርኸቦ” ይብlለኒ። “ከበደ?” ይብሎ። “እወ” ይብል። “ኢርትራዊ ድዩ” እብሎ። “እወ” ይብለ። “ተጋዳላይ ድዩ?” እብሎ። “እወ” ዝብለ መልሲ መስሃበኒ “ኤርትራዊ ተጋዳልይስ ከበደ?” ኢለ ተገርምኩ። “ረዘነ” ዘይገበሮ እየ! ባራኺ ንነዊሕ እዋን ኺኺር ኢሉ ምሰሓቀ “ኣይ ገዚኦሙና እንደዮም” ኢሉ መለሰ። እሞ ልሳነ ትግራይ ምስ ኣምሓሪኛ ምትሕንፋጹ ባህሪያዊ እዩ። ወረ ሳላ ቃልሲ ትግራይን ኤርትራን እምበር ልሳነ ትግራይ ሞይቱ ምሃለወ ነይሩ። እንትኾነ ብዙሕ ሓለዋን፤ ብዙሕ ጥንቃቀን የዳልዮ እዩ። ክመዉት ይኸል እዩ;። ልሳኑ ዝሞቶ ህዝቢ ድማ መንነቱ ድኽም እዩ ዝኽውን። ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመት፤ መራሕቲ ትግራይ ዝገበሩዎ ጌጋ ትካል (ኣካዳሚ) ልሳነ ትግራይ ኣጣይሹ ንልሳነ ትግራይ ግቡእ ጥንቃቀ ዘይምግባሮም እዩ። ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዝሰምዖ ዘለኹ ልሳነ ትግራይ ማዓንጣ ከብደይ ቁሩጽ እንዳ በለ ኽሽቁረርን ክሓፍርን ይገብረኒ። ኸም ኣብነት፡
Full Website