Back to Front Page

ቀደሙ ምሳና ዘይነበሩ ሰባት ሕዚ እንተ ኾብለሉ ክገርመና ኣይግባእን

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

09-26-21

ዓላማ ናይ ፅሑፍ፥ ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ብፍላይ ተፅዕኖ ናይ ምፍጣር ዕድልን ኣጋጣሚን ዘለዎም ሰባት ውልቀ ረብሓኦም ንምሕላውን ምስሳንን፣ ሞትን ጥፍኣን ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ዓቢይ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ስራሕቶምን ኣስማቶምን ንምፍላጥ፣ ክብርን ዝናን ንምትራፍ፣ ኢሉ ድማ ተፈጥሯዊ ውልቀ ድኽመታቶም ንምድዕዓስ ዓሊሞም ብሃበ ተረኽበ ዘንፀባርቕዎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሰይጣናዊ ጠቐነታት ንጊዜኡ ተሰሚዑን ተዋዓዊዑን ከም ዐፍራ ካብ ምብናን ሓሊፉ ሃለዋትን ደሕንነትን ዓዱን ነፍሱን ዋሕስ ንምግባር ዝፀመደ ህዝቢ ትግራይ ወይከ ሸብረኽ ከም ዘየብሎ ንምዝኽኻር ዝተዳለወ ሓፂር ጽሑፍ ‘ዩ።

መእተዊ፥ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝሩግ መዓልቲ ዝወዓለ ሰብ “ዓለም ትሸዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ” እናበለ ከዕረምርምን ዓፅዓፅ ክብልን ምርኣይን ምስማዕን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ለንዘበን ሓድሽ ዝኾነ ነገር ግን አሎ። ብፍላይ ምስ ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተተሓሒዙ ህይወት ደቂ ሰባት ሓድሽ ኣንፈት ኣብ ምትሓዝ ዓቢይ ፅልዋን ተፅዕኖን እናሕደሩ ዝመፁ ዘለዉ ናይ ሆሊውድ ካብ ሓቂ ዝረሓቂ ናይ ብልጭልጭ ህይወት፣ ከምኡ ድማ፥ ኣብ ርእሲ ሕማመን ሰሙን ፅግዕ ከም ዝብልዎ ኣብ ርእሲ ድኻም ተፈጥሮ ደቂ ሰባት ላምባ እናነስነሰ ዝርከብ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ዩ። እዞም ክልተ ነገራት እዚኣቶም ደቂ ሰባት ኣብ ባዕሎም ኣብ ርዕሶም ዘለዎም እምነትን ኣተሓሳስባን ከይተረፈ ብኣመዛኒኡ ሕማቕ ብዝበሃል መልክዑ ሚዛናዊነትን ምኽንያታዊነት ዝጎደሎ ርኢቶ ንኽህልዎም ኣብ ምግባር፣ ሥነ ልቦና ደቂ ሰባት ከም ብሓድሽ ኣብ ምቕራፅ ዘይነዓቕ ግደ ሒዞም ይርከቡ። ሆሊውድ ሕማቕ ዝበሎ ሕማቕ፣ ፅቡቕን ሙልክዕን ዘብሎ ድማ ብተመሳሳሊ ፅቡቕ/ምልኩዕ እናተብሃለ ባህልን መነባብሮን ዓለምና ብመኖፖሊ ሸቢቡ ብምሓዝ ብውፅኢቱ ድማ ሆሊውድ ዝበሎን ዝኾኖን ንምግባርን ንምኻንን ድቃስ ለይቲ ሓሪምዋ እትሓድር ምስኪነይቲ ነፍሲ ቁፅሪ ፈጣሪ ይቚፀሮ። ትዊተር፣ ፌስ ቡክ፣ ዩቲዩብ ዘኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብተመሳሳሊ፥ ኣብ ምልዋጥ ናብራ ደቂ ሰባት ዝተፃወቶ ዕዙዝ ኣውንታዊ ሚና ከም ዘሎ ኾይኑ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ምዝራግ፣ ምርግጋዕ ኣብ ምስኣን፣ ኣብ ምርባሽ፣ ህይወት ብሓፈሻ ትርጉም ኣልባ ኣብ ምግባር ዓቢይ ሚና እናተፃወተ ዝርከብ መድረኽ ‘ዩ።

ህውከትን ዕግርግርን ዘይብሉ፣ ዝተረጋገዐ፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ህይወት ንምንባር ናብራይ ይኣኽለኒ! ዝብል ናይ ህይወት መርህ ተሰዊርዎም ብተቓራኒ፥ ሆሊውድ ዝኾኖን ዝበሎን ብምኻንን ንምግባርን ማለት እውን ህይወት ማለት ብቦሌ ብባሌ ኢልካ ተፈላጥነት ምርካብ ‘ዩ! ዝብል ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሰይጣናዊ እምነትን ኣተሓሳስባን ዝገዝኦምን ዝዓብለሎምን ሰባት ክንዲ ድልየቱ ፅቡቕ ክበሃል ዝኽእል ናብራ ይሃልዎም ፅቡቕ ናብራ ኣለኒ ኢሎም ስለ ዘይሓስቡ እታ ካብ ሆሊውድ ዝሰምዕዋን ዝረኣይዋን ናይ ብልጭልጭ ህይወት ሓቂ ንምግባርን ተፈላጥነት ንምርካብን ማዕተቦም በቲኾም ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ምግባር ኣይምለሱን። ሓሶት እናዋለድካን እናጋዋሕኻን፣ ፅልእን ቅርሕንትን እናዘራእኻን እናበተንካን፣ ሰብ እናናቖርካን እናናኸስካን እንጃራኻ ምብሳል፣ ሓቀኛ ጋዜጠኛ ናይ ፖለቲካ ምሁር ተንታኒ በታኒ እናተብሃልካ መጣቓዕቲ ምፍራይ፣ ሀብት ምፍራይን ተፈላጥነት ምርካብን ልሙድ ኣብ ዝኾነላ ዓለም እና ንነብር ዘለና። እቲ ሕቶ፥ ከምዚ ዝበሉ ምሕልኻ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኣብ ማእኸልና እንትቦቕሉ መፍትሒኡ እንታይ ክከውን ይግባእ? ዝብል ‘ዩ።

ብዝተፈላላዩ ኣጋጣሚታት፥ ረብሓ ትግራይ፣ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ፣ ረብሓታትና እናተብሃለ ክንገርን ክፀሓፍን ምንባብን ምስማዕን ዝተለመደ እዩ። እቲ ሕቶ፥ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? ስለ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣልዒልና ክንምጉትን መትከል ክንሕዝን ከለና ኣብ ከመይ ዝበለ መሰረት ደው ኢልና እዩ? ስለ ረብሓ ትግራይ ህዝቢ ትግራይን ማእኸል ጌርና ክንዛረብ ከለና መረዳእታና እንታይ ዩ? ረብሓ ትግራይ ናይ ሰላም ናይ ልምዓት ናይ ዲሞክራሲ ወዘተ እናተብሃለ ዝወሃብ ትንተናን ዝንጸባረቑ ኣተሓሳስባታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ስጡም መሰረት ቱንቢ ሓልዮ ዝንደቕ መንደቕ ድኣምበር መሰረት ኣይኮነን። ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ማለት እንታይ ማለት እዩ? ተባሂሉ ንዝለዓል ሕቶ ንምምላስ ግን ብቐዳምነት ብመነፀር ሀገራዊ ኣተሓሳስባን ትርጋመን ‘ረብሓ’ ማለት ባዕሉ እንታይ ማለት ዩ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። ረብሓ ትግራይ ብዓውዲ ህልው ኩነታት ናይቲ ኸባቢን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን እንትትርጎም፥ ረብሓ ትግራይ ማለት ናይ መወዳእታ ሸቶ፣ ዓላማን ተልዕኾን ህዝቢ ትግራይ ሓፂርን ግልፂን ብዝኾነ ቋንቋ ጥሙር መረዳእታ/መልሲ ምርካብ ወይ ምሃብ ምኽኣል ‘ዩ። ብኻሊእ ኣገላልፃ፥ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ማለት ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡን ደህንነቱን ክብሩን መንነቱን ሓልዩ ከም ህዝቢ ምንባር ምኽኣል እዩ። እቲ ዝተረፈ ኹሉ በቲ ዝተቐመጠ ሓፂርን ግልጽን ትርጉም ረብሓ ትግራይ ሚዛን ዝምዘን ‘ዩ። ምኽንያቱም፥ ናይ ልምዓትን ናይ ቁጠባን ማዕረ ተጠቃሚነት ይኹን ናይ ፍትሕን ናይ ዲሞክራሲን ሕቶ ህልውናናን ድሕንነትን፣ ክብርናን መንነትናን ውሑስ ምስ ንገብርን ነረጋገጽን ብሕጊ ኣግባብ ብቐጻልነት እነልዕሎምን እንጠልቦምን ሕቶታት ዝኾኑ። ብምኻኑ ድማ፥ ምሰፅነቱኻ ኣብ መቓብር ኴንኻ ዝኽበር ናይ ልምዓት ይኹን ናይ ኢኮኖሚ ማዕረ ተጠቃሚ ናይ ምኻን ሕቶ ክህልው ስለ ዝይኽእል ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ክበሃል ከሎ ነፍሲ ወከፍና ንፁር ዝኾነ ምልከታን እምነትን ክንሕዝን ክህልወናን ኣለዎ። ተዘየለ ግን፥ ህልውናኻ ባዕሉ ከም ፈውሲ ዓሶ ዝመሮም መድሓርሓርቲ ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ሰፊሮም ዝህቡኻ ጥረ ስንዳይ ቆሊኻ ድዩ ጥሒንካ እናቖርጠምካ ንኽትነብር ኣብ ርእስኻ ምፍራድ ‘ያ ትኸውን። እዚኣ ንኸይትኸውን ግን፥ ንፅናሕ ንኺድ ሕድሕድ ትግራዋይ ታሪኽና፣ ባህልናን መንነትናን ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ሎሚ ቀቲሎም ናብ ገደል ዝወርወሩናን ፃዕዳ ላንባ ነስኒሶም ዘንደዱናን ናይ ሰብ ፍጥረት ዘይብሎም ፀላእት ሓሳብን እምነትን ኣፅፊፍና ምፍላጥ፣ ዓላማናን ሽቶታትናን ኣነፂርና መቃለሲ መሳርዕትና ‘ውን ኣጥቢቕና ክንሕዝ ይግባእ።

ሰብ ዓላማና ኢና ፀኒዕና ድማ ደው ክንብል ይግባእ

ኣነ ከም ሓደ ውልቀ ሰብ መሪሒነት መራሕቲ ህወሓት ብዝምልከት ሳዕቤኑ ብዘየገደስ ብዝብል ሸለልተንነት ኣብዚ ሓዚ ሰዓት ሕድሕድና ከዋቕዕ፣ ከራፅን፣ ከባልዕን፣ ከናኽስን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ነቶም ናይቲ ትምክሕቲ ሓይልታት በትሪ ኾይኑ ክጠቅም ዝኽእል ዝመሰለኒ ሓሳብ ብዝመረፅኩዎ ቋንቋ ብቲዊተር ድዩ በዩቲብ ንኸይፅሕፍን ከይዛረብን በይዛኻ ተለመን ኢሉ ኣብ እግረይ ወዲቑ ደው ዘበለኒ፣ ዝተማህፀነኒን ብልመና ዝሓዘኒን ሰብ የለን። እቲ ሓቂ፥ ሰብ ክበሃል ከሎ ሰላምን ልምዓትን ለውጥን ዕቤትን ንምምፃእ ‘ዩ ሓርቢትዎ ዘሎምበር (ወረቐት ዘይኮነ ዝተሞከረ ፍልጠትን ጥበብን ስለ ዝሓትት) ድኣምበር ንሕማቕ ዓለማ ኣብ ፌስቡክን ቲዊተርን ተሰኽቲትካ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓዊ ምንዳድ፣ ፅልእን ቅርሕንትን ምፍጣር፣ መራሒ ህውከትን ዕግርግርን ብምኻን ሰባት ነንባዕሎም ክባልዑን ክቃተሉን ምግባር ሰብ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ እንተሓሲብሉን እንተነቒሉን ምድሪ ምስ ወግሓት ብቐሊሉ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ‘ዩ። እዚኣ ንምግባር ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘይብሉ ዕሉል ደንቆሮ ምኻን ጥራሕ ‘ያ ትሓትት።

ለንዘበን ካብ ርእሲ መራሕቲ ህወሓት ንኽትወርድ ዝገበረካ ምክንያት ድኣ እንታይ ‘ዩ? ተባሂሉ ንዝለዓል ጥያቔ ግን መልሱ፥ እቲ 4 ታሕሳስ 2020 ዓ/ም ብዓመፅቲ፣ ዘረፍትን ቀተልቲ ነፍስን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ ናይ ታሪኽ ሓተላ ዝኾኑ ዕጡቓትን ሚኒሻታትን ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸምዎ ንሰማዒ እዝኒ ዘደንፅውን ዘስካሕክሕን ግፍዕን በደልን፣ ብኣውርኡ፥ ዘርእናን ታሪኽናን ከም ዘየለን ዘይነበረን ገይሮም ንምድምሳስን ንምንጻትን ዝወዓልዎን ዝፈፀምዎን ሰይጣናዊ ድርጊት ኩሉ ኣብ ርእሰይ ከም ዝተገበረት፣ ዝተፈጸመትን ዝወዓለትን ‘ያ ኢለ ስለ ዝኣምን ‘ዩ። ንምኻኑ ድማ ኣብዚ ሓዚ ሰዓት እዚ እምነተይ ክልውጥ፣ ከናግዕን ከዛብዕን ይትረፍ ኣብ ሕቶ ውሽጢ ከእትው ዝኽእል ዝኾነ ይኩን ኩነታት የለን ክህልውን ‘ውን ኣይኽእልን። እዚ ማለት ግን ዕንቅፋታት የለውን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ እቶም መራሕቲ ዝተፈላላያ አማራፂ ውድባት ትግራይ ክገልጽዎ ዝቐነዩ ልቢ ዝሰብር ሓደ ሓደ ነገራት አለዉ ‘ዮም። ሕማቕ ተግባር ምስራሕ ኣመል ኮይንዋም ሓድ ሓደ ሰባት ናብ ኣመሎም ተመሊሶም እንታይ ይገብሩን ይሰርሑን ከም ዘለዉ ኩልና ንርእን ንሰምዕን ኣለና። ኮይኑ ግና ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ብቐዳምነት፥ በዓል ኣመል ናብ ዝኸዶ የብሉን ብዝብል፤ ብምቕፃል፥ እዞም እንሪኦምን እንሰምዖምን ዘለና ውሽጣዊ ችግራት ብምርድዳእ ክፍትሑ ዝኽእሉ ነጥብታት ‘ዩም ዝብል እምነት ስለ ዘሎ ድኣምበር ገበርቲ እከያት እታ ተቐሚጠምዋ ዘላ ወንበር ሓዊ ኾይና ንኽትበልዖም ካብ ዝኾነ ይኩን ጊዜ ብዝሓሸ መልክዑ ድቃስ ለይቲ ስኢኖም ንኽሓድሩ ምግባር ዘይከኣል ኮኑ ኣይኮን። ቁርፅ ብዝበለ አገላልፃ፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ገጢምዎ ንዘሎ መዓትን መከራን መዓተይ ‘ዩ ኢሉ ዝተቐበለ ትግራዋይ መዘራረቢ/ት ዓለም ለኸ ሚድያታት ብምኻን ዓለም ለኸ ተፈላጥነት ከጎናፅፈኒ ዝኽእል ዕድል እነሆ ብኢደ እግሩ መፂለይ አሎ ብዝብል ስንኩል ሒሳብ ሞትን ጥፍኣትን ህዝቢ ትግራይ ከም ዓቢይ ዕድል ብምጥቃም ክሳዱ ኣየንውሕን። ዝወዓላ ‘ውን ተተረኺቡ ቀደሙ ብዓላማ ዘይመስለና ምሳና ዘይነበረ ሰብ ጥራሕ ‘ዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ገደል ይእተው፤ መዘራረቢ/ት ዓለም ለኸ ሚድያታት ብምኻን ዓለም ለኸ ተፈላጥነት ከጎናፅፈኒ ዝኽእል ተግባር ንምፍፃም ሰዓቱ ሕዚ ‘ዩ፤ ብሕልመይ ከተረፈ ንዓመታት ዝምነዮ ዝነበርኩ ዕድልን አጋጣምን ድማ እነሆ ብኢደ እግሩ መፂለይ አሎ ተባሂሉ ሞትን ጥፍኣትን ህዝቢ ትግራይ ከም መሰላል ብምጥቃም ኣብ ቁስልና ዕንጨይቲ ዝሰድድ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ናህና ዝበልናዮም ሰባት ኣንፃርና ተሰሊፎም ፍቓዶም ተገበሩ ከደናግፀናን ከሰናብደና የብሉን። እዚ ማለት ግን፥ መራሕቲ ዝተፈላለያ አማራፂ ውድባት ትግራይ ህልው ኩነታት ነባር መሪሕነት ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ ዝሃብዎ ዘለዉ መብርሂታት ከም ዘይተሓዋወሰና ተስፋ እገብር። ኣብ ማእኸል ህዝቦም ኮይኖም ዝቃለሱን ዘድምፁን ዘለዉ፣ ኣብዚ ሓዚ ሰዓት ካብቲ ነባር መሪሕነት ዝበፅሖም ዘሎ ወፅዓን ማህሰይትን ህዝቢ ትግራይ ክሰምዓና ይግባእ ብዝብል ቅኑዕ መንፈስ ስሩዕን ግቡእን ብዝኾነ መንገዲ ድምፆም ዘስምዑ ዘለዉ ውድባትን መራሕቲ ውድባትን መረረት ክተሓዋወሰና የብሉን። መራሕቲ እተን ኣማራፂ ውድባት ትግራይ የልዕልዎ ዘለው ሕቶ ብፅሞና ክንሰምዖ ኣለና፤ እቲ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ ኮይኑ ተረኺብናዮ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓቂ ሒዝና ገበርቲ እከያት ክንቃለሶምን ክነቃብፆምን ይግባእ።

ብግፍዒ ደፊእና ነፅድፎ ሓውና ኣይሃሉ ድኣምበር “ወራጅ” ኢሉ ዝተዳመፀ ሰብ ይውረድ

ሃላዋትናን ድሕንነትን፣ ክብርናን መንነትናን ውሑስ ንምግባር ዘለና እኹላት ኢና። ናይ ትግራዋይ ናይ ቃልሲ መንፈስ፥ እገለ ስለ ዝጠለማና እገሊት ከምዚ ስለ ዝበለት ተባሂሉ ዝሰዓርን ዝደሃል መንፈስ ኣይኮነን። ኣይኮነንዶ ሓንቲ ጋዜጠኛ ሕልማ ኣካፊላ ተባሂሉ ክንደሃል ይትረፍ፥ እልፍ አእላፋት ሰራዊት መሪሖም ዝኣትዉን ዝወፁን፣ ሰብ ስረ ተባሂሎም ዝፍለጡ፣ ካሊእ ይትረፍ አስማቶም እንትፅራሕ በዓል ሻዕቢያ ኣብ ዝኣትውኡ የስእንወን ዝነበሩ ሰብ ድርብ ታሪኽ ጀነራላትና ‘ውን ጠሊሞምና ስዒርና እምበር ኣይተስዓርናን። ህልውናን ድሕንነትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ነቓዕ ክንፈጥር ከም ዘይብልና፣ ዘለና ዓቕሚ ኩሉ ፀንቂቕና ክንጥቀም ከም ዝግባእ ኣየታሓትትን፤ እዚ ማለት ግን ተረፍ መረፍ ምእራይ ዝለመዱ፣ ሰብ ዝበልዓሉ ሸሓነ ምልማጽ ልማድ ዝኾኖም ሰባት ከም እንቁላሊሕ ክንሕብሕቦምን ክንከናኸኖምን አለና ማለት ኣይኮነን። ክንድቲ ዝድለን ዝግበኣናን ዓወት ንኽንሓፍስ ግድን ክንፀሪ ዝግበኣና እንተ ኾይኑ ንኽንፀሪ ግድን ‘ዩ። እዚኣ ክንገብር ከለና ድማ ሰጋእ ክንብል የብልናን። ብግፍዒ ደፊእና ነፅድፎ ሓውና/ሓፍትና ኣይሃሉ ድኣምበር “ወራጅ” ኢሉ ዝተዳመፀ ሰብ ይውረድ። ርግፅ፥ ከምዚ ዝበለ ሕመቕ ዘንፀላለዎ፣ ሓልዮት ወገኑ ዘይብሉ፣ ስቃይን ሕማምን ህዝቡ ዘይስቆራሮ መጥፍኢ ዓዲ ዝኾነ ሰብ ከይጠጠዓ ደሪቑ ንኽተርፍ ተግባራዊ ክንገብሮ እንኽእል ክልተ መማረፂ ኣለና። እቲ ሓደ፥ ግቡእ ዝኾነ ዘየዳግም መልሲ ብምሃብ መላኽዒ ኣፉ ክሕዝ ምግባር ‘ዩ፥ “ዐመፀኛታት፣ ለፍለፍቲ፣ መታለልቲ ዝኾኑ ብዝሓት ሰባት ስለ ዘለዉ ብፍላይ ድማ ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ዘይግባእ እናመሃሩ ኣባይቲ ገላባብጡ ኣፎም ክሕዙ ምግባር ግቡእ ‘ዩ” ከም ዘበሎ ( ቲቶ 1 ፥11)። እታ ኻልኣይቲ ድማ ቅንጥብ ኣቢልካ ኣውፂኻ ምድርባይን ከም ዘይናትካ ምርኣይን ‘ያ፥ “ንመላገጺ ስጎጎ ጎይቂ ክወጽእ ‘ዩ ባእስን ፀርፍን ከኣ ክውዳእ ‘ዩ” ከም ዘበሎ (ምሳሌ 22፥10)።

እቲ ሓቂ፥ ሓደ ሰብ ‘ውን ይኹን ብዝፍለየና ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል፣ ክንዲ ሺሕ ኮይኑ ከንበዓና፣ ክብትነናን ከፈራርሰናን ዝኽእል ንሕና ዝቐበርናያ ሓቂ ሃልያ ንሱ ንሳ ሒዙ ደው እንተይሉ ጥራሕ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ፥ ሓቂ ዝሓዘ ህዝቢ ክሽርሸርን ክስዕርን ዝኽእል ዓፍራ ከም ዘየለ ክበርሃልና ኣልዎ። ክሰብሩና፣ ከንበርክኹናን ታሪኽናን ዘርእን ፈፂሞም ከጽንቱና ዝመፁ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሳላ ስጡም ሓድነትናን ስሙር ቃልስናን ሰበርናዮም እምበር ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ወይ ድማ ጀነራል ዮሓንስ ገብረመስቀል ምሳና ስለ ዘየለዉ ከምቲ ፀላእትና ዝሓለምዎ ተሴርና ኣይተረፍናን። ከምቲ ቕድም ኢለ ዝጠቐስክዎ፥ እታ ምኹብላል ተኾነት ፀኒሓ እያ። ገሊዖም ኣቐዲሞም፣ ፍርቖም ድሒሮም፣ ሓደ ሓዲኦም ሕዚ፣ ገና ብሕዚ ናይ ምኹብላል ሓሳብ ዘለዎ ሰብ እንተሃልዩ ‘ውን ሒዝና ኣይንሕዞን መንገዲ ጨርቂ ይግበረሉ/ላ። ህዝቢ ትግራይ ሓመዱ አራጊፉ ዳግም ከም ህዝቢ ደው ዝበለ በዓል ዋና ስጡም ዓላማን መትከልን ምኻኑ ድኣ ምበር ብቑፅሪ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ከም ዘይኮነ ንኹልና ግልፂ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ተኾነ፥ ሽርሕን ተንኮለን ዘይፈትሖ፣ ኣኽላብ ብዝነብሑ ቑፅሪ ድንብርፅ ዘይብል፣ ፅንዓትን ራእይን ዘለዎ፣ ህዝቡን ዓዱን ኣብ ልቡ ተሸኪሙ ዝኸይድ፣ ውሑድን መሪርን ተቓላሳይ ህዝቢ ‘ዩ ዝድለ። ወለዲ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ አጽንዕ! ከም ዝበልዎ ክንዲ ዝወሰደ ጊዜ ይውሰድ ንዘይተርፍ ዓወት ንጽናዕ። ህዝቢ ትግራይ ንኽብሩን ንመንነቱን ፈተኽ ዘይብል መሪር ተቓላሳይ ህዝቢ ‘ዩ ክበሃል ከሎ፥ ማዕረ እቶም ጎረባብትና ህዝብታት መልሓሶም ክሳብ ዝደርቕ ዘስምዕዎ ጭርሖን ፈኸራን ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ንኽብሩን ንመንነቱን ዋጋ ዕዳጋ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ‘ዩ ክበሃል ከሎ፥ ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ሕስረትን ውርደትን ዝሽከም ማእገር ዘይብሉ ወያነ ‘ዩ ማለት ከም ዝኾነ ክነስምረሉ ይግባእ።

Full Website