Back to Front Page

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝሓንፀፀቶ ስትራተጂክ ትልሚ ንምዕዋት ኩሉ ትግራዋይ ክሓብር ይግባእ ተባሂሉ

ላዕለዎት ኣመራርሓ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ንዝርከቡ ተጋሩ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2012 ዓ.ም ኣመልኪቶም ሰናይ ትምኒቶም ብምግላፅ ኣብ 2011 ዓ/ም ዝነበሩ ኣፈፃፅማ መደባትን ን2012 ዓ/ም ክፍፀሙ ዝተትሓዙ መደባትን ኣመልኪቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልልና ኣብ ዝሃብዎ ጋዚጣዊ መግለፂ ካብ ዞባ ክሳብ ወረዳ ስሩዓት ሰራሕተኛታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይኖም ዝሰርሑሉ ከምኡ‘ውን ክልተ ምክትል ፈፀምቲ ዳይሬክተራትን ብምውሳኽ ዝተገበረ ምትዕርራይን ኣወዳድባ ምፍጣርን ቐዳማይ ዓመት ትግበራ ስትራጂክ ትልሚ 2011-2013 ዓ/ም ብምፍፃምን ኣቢሉ ሰፊሕ ዝኾነ ህዝባዊ ምንቕናቕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ።

ከም መብርሂ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ በጀት 2011 ዓ/ም መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ብዓወት ብምዝዛም ንህልው ኩነታት ትግራይን መነባብሮ ህዝቢ ትግራይን ብዕምቆት ብምግጋም ህዝብና ካብ መዓሙቕ ድኽነት ሓራ ንምውፃእ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ብኣግባቡ ንምፍፃም ስትራጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ዝፀደቐ እንትኸውን ሓዱሽ ኣመራርሓ ቦርድ ብዘቐመጦ ኣንፈት እቲ ትልሚ ክዓሙቕን ናብ መላእ ኣባልን ደጋፍን ማልት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ኣቢሉ ክሰርፅን በዚ ኣቢሉ ህዝቢ ደገፉ ክገብርን ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ዓመተ 2011 መበል 30 ዓመት ምስረታ ማልት ምስ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ ብምትእስሳር ብዕውት መንገዲ ብምብዓል ኣብቲ ብዓል ዝተሳተፉ ኣባላት ዳያስፖራ ተጋሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 23 ወረዳታት ትግራይ ዝሃነፀቶም ትካላት ልምዓት ዑደት ብምክያድ ንቐፃሊ ኣብ ዝሳለጡ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ጥዕናን ዝበለፀ ስራሕ ክሰርሑ ዘኽእል ፅቡቕ ምልዕዓል ዝፈጠረ ምንባሩ ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም እዮም ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትን ኣዲስ ኣበባን ጥራሕ ስሩዕ ሰራሕተኛ ዝነበራ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ብዝተወሰነ ውሳነ መሰረት ቐፀልቲ መደባት ብኣግባቡ ንምዕዋት ህዝቢ በቲ ዝድለ ኣንፈት ንምውዳብን ንምልዕዓልን ኣብ ኩለን ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ መዓልታዊ መደባት ማልት ዝፍፅም ስሩዓት ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ክልተ ምክትል ፈፀምቲ ዳይሬክተራትን ክህልው ተገይሩ እዩ።

ማልት 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ኣባላት ክህልውዋ ተተሊሙ 72 ሚኢታዊ ማለት ‘ውን ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ንፁር ኣባል ሒዛ ትንቀሳቐስ ኣላ። ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከብ ኣባልን ደጋፍን ማልት ድማ ኣብታ ዝነብረላ ዓዲ ብዘሎ ሸርፊ ገንዘብ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ዶላር፣ ዩሮ፣ ፓውንድን ሪያልን ናብ ማልት ኣታዊ ብምግባር፣ ካብ ቢዝነስ ንልምዓት ከምኡ‘ውን ካብ ኣባላትን ደገፍትን ዓምለኸ ትካላት ተራድኦን ልዕሊ ብር 185 ሚልዮን ሃፍቲ ብምእካብ ኣብ 2010 ዓ/ም ተጀሚረን ዝነበራ ኦ ክፍሊ፣ ቐዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብምዝዛም ህዝቢ ዝጥቀመለን ዕድል ዝተፈጠረ ኮይኑ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም እቲ ተጀሚሮ ዘሎ ስራሕ ብምጥንኻር ዝሐሸ ኣፈፃፅማ መደብ ንምርኣይ ክስራሕ እዩ ድማ ኢሎም ዶ/ር ታደለ ሓጎስ።

ምክትል ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ፀጋዝኣብ ሰለሞን ብወገኖም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ዝነበራ ምድላው ምዕራፍ ትግራይ ዘላቶ ብርኪ ዕብየት ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ቁመና ኣበየናይ ብርኪ ከምዘሎ ብምድህሳስ ዘለው ፀገማት ከመይ ክፍትሑ ከምዘለዎም ብዝግባእ ብምፍታሽ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፆም።

ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዝገበሩዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ እተን ሲሶ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተሃነፃ እየን። እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን ልዕሊ 3 ሽሕ ዳስ ኣብያተ ትምህርቲ ምህላወን፣ ዝውሃብ ትምህርቲ ፅሬቱ ዝሓለወ ከምዘይኮነን ብዕሊ ብምርዳእ ማልት ኣብ 2011 ዓ/ም ካብ ዝሓንፀፀቶ ስትራተጂክ ትልሚ ኣብ ክሊ ምእላይ እዞም ፀገማት ዓሊማ ትሰርሕ ከምዝሓገየት ኣብሪሆም።

ኣብ 2012 ዓ/ም ዳስ ናብ ምዕሩይ መምሃሪ ክፍሊ ንምቕያር፣ ህንፀት ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ምምላእ ናውቲ ትምህርትን፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት መርኣያ ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ፣ ህንፀት ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ወሰንቲ ዝኾኑ ሶፍት ፕሮግራማት ናብ ግብሪ ንምውዓል፣ ትካላት ጥዕና ንምህናፅን ናውቲ ሕክምና ንምምላእን ዝዓለሙ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ወሲኾም ዝገለፁ ኣይተ ፀጋዝኣብ ብቐፃልነት ስርዓት ግልፅነትን ተኣማንነትን ስራሕቲ ማልት ንምስፋን ክስራሕ አዩ ኢሎም።

ምኽትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር ብግዲኦም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 2012 ዓ/ም ካብ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ዝተቐድሑ መደባት ብምሓዝ ብሕትመት፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ፣ ማሕበራዊ ሚድያን ብኣወዳድባ ማልትን ኣቢሎም ብዝግበሩ ምልዕዓላት ኩሉ ትግራዋይ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምግባር፣ ካብ ትካላት ትእምት፣ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝለዓለ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈረ ነጋዳይ ኣባል ማልት ብምግባርን ካብ መዓልታዊ ኣታዊኦም ንማልት ዝሕግዝሉ ቁመና ንምፍጣር ዝዓለሙ ስራሕቲ ምልዕዓል ከምዝካየድ ኣረዲኦም።

ሐዚ ካብ ተጠቀምቲ ቢራ ይእከብ ዘሎ 25 ሳንቲም ካብ ሓደ ጥርሙዝ ቢራ ናብ ሓደ ብር ንምዕባይ፣ 12 ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ሕድሕደን ሂበነኦ ዘለዋ 1000 ሜትር ካሬ መሬት ብቶምቦላ ሎቶሪ ብምሻጥ ዝእከብ ገንዘብ፣ ካብ መስከረም ክሳብ የካቲት ዝካየዱ ቴሌቶናትን ከምኡ‘ውን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብር ትግራዋይ ዝሳተፈሉ ጎፈንድሚን ኣቢሉ ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ዝእከበሉ ባይታ‘ውን ክፍጠር እዩ ኢሎም ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር።

Full Website