Top 10 students who registered the highest university entrance result have been awarded laptops today d uring the award ceremony held in the compound of Kallamino Special Secondary School in the presence of TDA higher officials, invited guests, stakeholders and students.

It is learnt that among the 10 awardees, 2 students were from Edaga Hamus Secondary School, while the other 8 that included 5 female students were from Kallamino Special Secondary School.

Thanks to the Tigrian Youth North America Association, it is said that the laptops given to the 10 top students were donated by the association often known doing their level best in supporting to the causes of TDA.

Also in the news...

ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንፅጉማት ተምሃሮ  ትግራይ ሓገዝ ሂቦም

ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንፅጉማት ተምሃሮ ትግራይ ሓገዝ ዝወሃብ ከባቢ 16 ሽሕ ብር ዝግመት ደፍተር ብተወካሊኦም ተጋደልትን ከየንትን ኣበበ ኣርኣያን ልጃለም ታረቀን ኣቢሎም ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣረኪቦም።

ኣብ እዋን ርክክብ ተጋዳላይን ከያኒን  ኣበበ ኣርኣያ ከምዝገለፆ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምዕብልቲ ትግራይ ንምፍጣር ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ወለዶ እተገብሮ ዘላ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንምድጋፍ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2012 ዓ.ም ብሰናይ ተግባር ንምጅማር ንሽንጉርትን ዶርሆን ካብ እነውፅኦ ወፃኢ ብምቕናስ ብሰንኪ ዓቕሚ ምንኣስ ደፍተር ክገዝኡ ንዘይኽእሉ  ደኽታማት ህፃናት ተጋሩ ንምሕጋዝ፤ ከም’ውን ተምሃሮ ብሰንኪ ሕፅረት ደፍተር ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይተርፉ ብዝብል ካብ ግዱሳት ተጋሩ ዝተኣኻኸበ ገንዘብ’ዩ ብምባል ኣብ ቀፃሊ’ውን ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ኣብ ተዓሞም ውራያት ልምዓት ግደኦም ከምዝዋፅኡ ወሲኾም ገሊፆም።

ተጋዳላይን ከያኒን ልጃለም ታረቀ ብወገኑ እቲ ሓገዝ  ንዝተፈናቐሉ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ  ዝውዕል  ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ክፍለ ከተማ የካ ዝነብሩ 77 ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ዘዋፅእዎ ምዃኑ ብምሕባር ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዘሎ የሃልው ማልት ሒዛቶ ንዘላ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት (2011 2013 ዓ.ም) ንምዕዋት ትርጉም ዘለዎ ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ብምቕራብ ንሱ’ውን ብሞይኡን ብዝተፈላለየ መገድን ክሕግዝ ከምዝኽእል ቃል ኣትዩ።

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ከየንቲ ተጋሩ ብምትሕብባር ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ኮንሰርት ሙዚቃ ብምድላው  እቶት መተኣኻኸቢ ስራሕቲ ንምስራሕ ትልሚ ሒዛ ኣብ ምሽብሻብ ከምትርከብ ጠቒሶም ከየንቲ ትግራይ ኣብዚ ሰናይ ተግባር እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ብምቕራብ ብተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ  ዝተገበረ ሓገዝ ብሽም ህፃናት ትግራይን ተጠቀምትን ኣመስጊኖም።

Full Website