Back to Front Page

ጅግንነት፣ ፅንዓትን መስተንክራዊ ዓወትን መፋጥርትናን መናብርትመናን

ብከላሊ ደሳለኝ  10-23-19

ኣብዛ ሓፃር ዕለታዊ መዘኻኸሪ ዛንታ ጅግንነትን መስተንክራዊ ዓወታትን ህዝቢ ትግራይ ንምዝርዛር ፈፂሙ ኣይከኣልን:: ካብ ቀዳሞት ደኣማታውያን ጀሚሩ ክሳብ ስልጣነ ኣኽሱም፤ ካብ ኪነ ጥበባውያን ሮሃ ክሳብ ስርሒታት ቁፊት፣ ዶግዓሊ፣ ጉንደት፣ ሰሓጢትን ዓድዋን ባዕዳውያን ወረርቲ ዲኖ ህበይ ንዝኸደነ፤ ኣንፃር ግፍዐኛ መስፍናዊ ስርዓት ወይኑ ንዘወየነን ቀንዲል ሓርነት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ውፀዓት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንዝወለዐን ህዝቢ ስርሒታቱ ንምዝንታው ብርዒ ዓቕሚ ኣይህልዋን::

እኮ ደኣስ ቅድሚ 36 ዓመታት ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እንዳ ሓደ ትግራይ ስድራ ዘጋጠመ መስተንክር ብሓፂሩ ንምዝንታው እዩ:: እቲ ስርሒት ሓንቲ ኣውቶማቲክ ዘይኮነት ጠመንጃ ዝሓዘ ተባዕ ወያናይ ምስ ሓደ ክፍሊ ሰራዊት (ማእኸላይ ካሊበር ዝተዓጠቑ ሓዊሱ ኣስታት 55 ዕጡቓት ዘለዎ) ገጢሙ ዓወት ዝዓተረሉ ዛንታ ሓሊፉ እንትዝረብ ውን ቀሊል ኣይኮነን::

ካብ ናይቲ እዋን መዋፈሪኡ ከተማ ዓዲጉዶም ተላዒሉ ንኣንፈት ምዕራብ ዝህንደድ ዘሎ ሹሾ ሰራዊት ድርግ ከም ኣመሉ ከተማ ወይም ናይ ገጠር ቁሸታት ከቃፅልን ከጋፍዕን እምበር ኣብ እንዳ ሚካኤል ደብረሓይላ እትርከብ ገዛ ሓደ ገባር ከምዘይነበረት ንምጥፋእ ዝህንደድ ዘሎ ም

ንጉሆ ደርሆ ምስነቆየ ገስጊሶም ንምጋሽ ዝወፁ ገባራት ከይሓሰብዎ ኣብ ክባ ፀላኢ ኣትዮም ተረሺኖም:: ሓገዝ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝተብሃሉ ካልኦት ወየንትን ሽግ ወየንትን ብፈለጥቲ ውሽጢ ባንዳታት እናተመርሑ ብሃንደበት ካብ ዘለውዎ ተኣርዮም ግዳይ ግፍዐኛታት ይኾኑ ከምዘለው ዛጊድ ዝስምዐት እዝኒ የላን::

እቶም ወያናይ ኣቦ ከም ናይ ኩሉ ጊዜ ልማዶም ካብ ድቃሶም እንትትስኡ ካብ ትርኣሶም ዘይትፍለ ክላሽኖም ዓቲሮም መሰስ እንትብሉ ዘይተዓደሙ ኣጋይሽ ከምዘለው ኣስተባሃሉ:: በታ ቅፅበት ድማ ናብታ ደቂሶምላ ዝነበሩ ገዛ ነታጉ ይድርበየሎም:: በዚ ሃንደበታዊ ቶኽሲ ተወሊዑ መሬት ቀውጢ ኮነት:: ብትዕቢትን ጃህራን ዝተወጠሩ መኮነናት ደርግ ካብ ዒላማ ኣፈሙዝ ተባዕ ተቓላሳይ ኣቦና ኣየምለጡን:: ኣብ ውሽጢ መደቀሲ ገዝኦም ዓሪዶም በይኖም ምስ መዳፍዕ ህልቂት ዘንጉድ ዕስለ ሰራዊት እንትፋጠጡ ምስ ምሉእ ናይ ሰዓራይነት መንፈሶም እዮም::

በዓልቲ ገዝኦም ውን እንተኾነ ደቀን ሒዘን ገዝአን ዓፅየን ዝግበር ዘሎ ኩሉ ብዓይነን እናርአያ እየን::  ኢድኪ ሃቢ ተባሂለን፣ ጅግንነትን ፅንዓትን መናብርቲ ዋዕሮታት ትግራይ ም ኑ ካብ ደርጋውያን ንላዕሊ ምስክር የለን::  ሰኣን ዕጥቂ ምበር ከመይ ከምዘፃውትኦም ባዕለን ይፈልጣ::  መዓንጥአን ኣስጢመን ድማ ንበዓል ገዝአን ኣብ ጎንኻ ኣለኹ ኣጆኻ ክብላ ምስተዳመፃ ሓሞት ግፍዐኛታት ክፈስስ ጀመረ:: ነዚ ዝስምዐ ጨካን እተን ኣደ ደቀን ሒዘን ዘለዋሉ ገዛ ብፅዑቕ ክድብደብ መምርሒ ብምሃብ ባሩድ ከም ማይ ኣብ ዝባነንን ዝባን ህፃውንቲ ደቀንን ተነስኒሱ፤ ድሕሪኡ ዝበሃል ነገር የለን፣ ደቀን ኮነ ባዕለን ዕፃ ዕሸላት ሓውዜን፣ ጭላ፣ ሽራሮ፣ ሳምረ፣ ሰቖጣን ካልኦት ከባቢታትን በፂሕዎም::

ኣብ ዝባነን ህፃን ምስሓዘላ ኣርባዕተ ጥይት ተወጊአን፣ ብሕታዊትን ሕንቁቕትን Õለን ኣብ ግንባር ዓይነን ተቐንፂላ፣ እቲ ዝሓዘልኦ ዕሸል ከይተተንከፈ ካሊእ ሰገን ወደን ተወጊኡ፤ ገዛ ምውትን ቁሱልን ኮይና:: ፀባ ጡብ ኣዲኡ ምስ ደም ኣማሲሩ ዝጠቡ ህፃንን ሞት ብርቂ Õላ ባዕላ ዝቐበፀት ወላዲትን …እሞ ድማ ኣብ መንጋጋ ጨካን ፀላኢ ኮይካ ቓልሲ፤ ንምሕሳብ ውን ይኽብድ::

ከፍቲ፣ ጠለ በጊዕን ካልኦት እንስሳትን ኣብ ደንብአን ተደብዲበን፣ ተሓሪደን ተዘሪፈን::

ኣዛዚ ኣልቦ ዝተረፈ ሰራዊት ደርግ 'ውን እንተኾነ መስዋእቲ ኣዛዚ ኣሃዲኡ ኣፍሊጡ መሪሕነት ብቀጥታ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጦር ብሬድዮ እናተውሃቦ ልኡኽትኡ ከዐውት ዘይፈንቀሎ ከውሒ የለን:: ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ልኡኽትኡ ቀፂሉሉ ወዓለ:: ፀብፃብ በብሰዓቱ ንሓለቕተቱ ብሬድዮ ይፍኑ፣ ኣንፈት ይቕበል፣ የጥቅዕ::

ፊት ንፊት ዘይኮነሉ ፀላኢ ዝባን ህድሞ ገዛ ኩዒቱ ብመድፍዕ ንምድብዳብ ወሰነ:: ምኩዓት ተጀሚሩ ነተጉቲ ዘእትዉ ነ ላት ምውፃእ ምጅማሮም ዝረኣዩ ወያናይ ናብ ዝረኣይዎ ነ ል ኣፈሙዞም ብምዛር ደርጋውያንን መታዓስብቶምን ምርፍራፍ እንትጅምሩ ካብ ራሕቒ ናይ ተኹሲ ድምፂ ይስማዕ::  ወያ ሹሾ ሰራዊት ድሕሪ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ውግእ ከም ኣመሉ ጭርኡ ደጉሉ ብዝመፀሉ ክምለስ ክኢሉ እዩ::  ኣቦ ወያነ መሪር መሰዋእቲ ከፊሎም Õሎም ተሰዊኣ፣ ባዕሎም በዓልቲ ገዝኦምን ደቆምን ቆሲሎም ቅድሚ 36 ዓመታት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ብዓወት መሰስ በሉ::

ነዚ ዝሰምዑ ህዝቢ ደብረሓይላን ተጋደልቲ ሀወሓትን እቲ ስድራ ሕክምና ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ብቃሬዛ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ብእግሪ ኣÕዒዞም ናብ ናይቲ እዋን ናይ ውድብ ናይ ሕክምና ማእኸል ተከዘ ኣብፂሖምዎም:: ሕክምንኦም ምስተኸታተሉ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰለማዊ ናብርኦም ክመርሑ ጀሚሮም::

እዚ ሓፂር ዛንታ ናይ ስድራና እዩ:: ኣቦይ ኣይተ ደሳለኝ ገብረየሱስ፣ ኣደይ ድማ ወይዘሮ ኣለፉ ገብረመስቀል ይበሃሉ:: ብህይወት ኣለው፣ ኣብ መረበቶም ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣብያ እንዳ ሚካኤል ደብረሓይላ ይነብሩ:: ዝሓለፈ ከም መፃወቲ ክለዓል እምበር ናብ ሓፋሽ ክዝንቶ ኣይደልዩን:: ንቦኽሪ ውላዶም ሓዊሱ ካብታ ዝነብሩላ ንኡሽተይ መንደር ካብ ዝተጋደሉ 24 ተጋደልቲ ኤቶም 19 መላምል ደቂ ህዝቢ ኣብ ሜዳ ትግራይ ተሪፎም:: መባእ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ኮይኖም::

እዚ ታሪኽ፣ ታሪኽ መብዛሕቲኡ ገባር ትግራይ እዩ:: ነዛ ሓፃር መዘኻኸሪ ንምፅሓፍ ካብ ጊዜ ቁልዕነተይ ጀሚሩ እናተዘንተወለይ ዝዓበኹዎ ዝኣክል ዋላ እንተይኮነ ንምስትዋስ ዝኣክል ምሽት ዝፃሕተርክዋ እያ:: ምናልባት ኣብዚ ሓቃዊ ታሪኽ ተደሪኽኹም መምሃራይን መበራባራይን ስራሕ ንምስራሕ እትደልዩ ክኢላታት ብታሕÕስ ይቕበለኩም::

ኣብ መዋእል ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይተነገረ 'ምበር ዘይተገበረ የለን::

ኣብ ታሪኽና ሓደ ክንዲ ሽሕ ዘይኮንናሉ ዳርጋ የለን፣ ግን ድማ ብዓወት ንወፅእ :: ነዚ እንትሓስብ ኩል ጊዜ ሃፀይ ዮሃንስ  ዝተልኣኸሎም ሽልካ ጣፍ ሓሚሶም ዝመለስሉ ተረኽን ስርሒት ኩናት ኣስብን ይዝክር :: ውዕሎታት ራእሲ ኣሉላ፣ ባሻይ ኣውዓሎም ብላታ ሃይለማሪያም ይኽተሉኒ፤ ወለዶታት ተሻጊሩ ድማ ፈንቅልን መዋዕልቱን ኮታስ ኩሉ ተባዕ ተቓላሳይ ህዝብና ብውሑዱ ኣእላፍ ኮይኑ ይረኣየኒ::

ጅግንነት፣ ፅንዓትን መስተንክራዊ ዓወትን ወሎዶና ክላበሶ ዝግባእ ህያው ውርሲ ትግራዋይነት ኮይኑ ክቕፅል ይግባእ:: እንተ መፃብብ መሐረኒናን መባሀሪናን እምበር መምበርከኺና ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ ንዝመፅእ ኩሉ ብንቕሓት ንዳሎ ይብል::

Full Website