(ንሕና መስዋእቲ ብምኽፋል ንኢትዮጵያ ክነድሕና ይግባእ ዝብል ፍኖተ-ካርታ Road mapየለን፣ ከምኡ ዝበለ መራሒ ውድብውን የለን)

ህዳሴ ኢትዮጵያ

ነሓሰ 24፣ 2011 ዓ.ም.

እቲ ፍኖተ-ካርታ Road map ህወሓት ይኹን እቲ ብመራሕቲ ህወሓት ዝተብሃለ ንፁር እዩ፡፡ እሱውን ናይ ትግራይ ደሕንነት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ደሕንነት ተፈሊዩ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ስርዓት፣ ፍትሓዊ ስርዓት እንተሊዩ ትግራይ ትጥቀም፤ ሕማቕን ፀረ ህዝቢ ስርዓት እንተሊዩ ድማ ትግራይ ትጉዳእ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ድማ ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ካብ ቀደሙ ዝነበረ መትከል ህወሓት መትከል ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ነዚ ፍኖተ-ካርታ Road map ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ስራሕ ፈፃሚትን ሓላፊ ቤ/ፅ ህወሓትብኣብነት ኣደጊፉ እንትገልፅ ኣብ 80ታት ተጋዳላይ ትግራይ ምእንቲ ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎቦታት ጉናን ኣብ ኣምሓራን መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ኣብሪሁ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ኣብዝገበሮ መሪር ቃልሲ ኣሻሓት ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ ከፊሉ እዩ፡፡ እዚ እንትኸፍል ግን ንህዝቢ ኣምሓራ ወይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኢሉ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ እንተኢልና ንደሕንነት ህዝቢ ትግራይንከምኡውን ንምዕቃብ ዓዎታትቃልሲ ህዝቢ ትግራዋይ ኢሉ እዩ፡፡ እዚ እንትበሃል ግን እቲ ውፅኢት መስዋእቲ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝብታት ኢትዮጵያውን ኤርትራን ጠቒሙ፡፡ እቲ መስዋእቲ እንተዘይኽፈል ነይሩ ግን ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋላውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ተፃዒኑ ዝነበረ ወፅዓ ምቐፀለ፡፡ ዋላኳ ህዝቢ ኤርትራ ደርጊ ከይዱሉ ካሊእ ወዲ ዓዱ ደርጊ እንተ መፆ፣ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግንሳላ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝረኣናዮ ለውጢ ኣይምረኣናዮን ነይርና፡፡

ከምዚ ሐዚ ኣብ ገለ ገለ ኣክቲቪስታት ዝሸራሸር ዘሎ ሓሳባት ማለትውን ተጋሩ በቃ ይኣለና ንቤንትና ክንኮን ይግባእ፣ ናፃ መንግስቲ ትግራይ ክንምስርት ኣለና፡፡ እዚ ኹሉ መስዋእቲ ከፊልና ዴሞክራሲ ዘይፍለጠላ ሃገር ናይ ዴሞክራሲ ጨና ክቋደሱ ገይርና፣ ተረሲዖምን ተዋሪዶምን ዝነበሩ ብሄር ብሄረሰባት ናብ ኣደባባይ ክወፁ ጌርና ብቋንቋኦም ክዛረቡ ጌርና፣ ሐዚግን ትግራዋይ ከም ፀላኢ ተቖፂሩ ክሽቑረር ተገይሩ፣ ክባረር ተገይሩ ስለዚ በቃ ይኣኽለና ዝብሉ መናእሰይ ይበራኸቱ ኣለዉ፡፡

ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ከም ተጋሩ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ንምውፃእ ከመይ እንተገበርና ይሓይሽ ብዝብል ሕቶ ቀሪቡ ክልተ መማረፂ መልሲ ተዋሂቡ፡፡ እቲ ሓደ በቃ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ይሐሸና ዝብል እንትውን እቲ ካልኣይ መማረፂ ምፍላይ ፍታሕ ክኾን ኣይኽእልን ብቓልሲ ምስ ህዝቢታት ሃaርና ኮይንና ክንፈትሖ ይግባእ ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ሕቶ ናብ 8512 ሰባት ዝበፅሐ እንትኸውን 1377 ሰባት ጥራሕ ድምፂ ሂቦም፡፡ ካብቶም ድምፂ ዝሃቡ 597 ሰባት ወይከዓ 43% ድምፆም ዝሓብኡ እንትኾኑ፣ እቶም 780 ወይ ከዓ 57% ግን ድምፆም ንህዝቢ ግልፂ ገይሮም፡፡ እቲ ውፅኢት እንትረአ ካብዞም 780 ወገናት እቶም 485 ሰባት ወይከዓ 62% ትግራዋይ ንበይኑ ክንፀል ወይ ናይ ባዕሉ ነፃ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ እንትብል፣ እቲ ዝተረፈ 295 ሰባት ወይከዓ 38% ግን ምንፃል ወይከዓ ምፍታሕ ፍታሕ ክኾን ኣይኽእልን ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይና ብቓልሲ ክንፈትሖ ይግባእ ኢሉ፡፡ እዚ ብጭቡጥ ኣብ ትግራዋይ ዘሎ ነፀብራቕ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብቲ መንእሰይን ኣብቲ ዝተምሃረ ዝበሃልን ትግራዋይ ዝረአ ሓቂ እዩ፡፡

እዚ ዘይበሃል ኮይኑ ኣይኮነን ትኽክል እዩ ዝበሃል እዩ፡፡ እዚ ዝብሉውን ረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘጨነቖም እምበር ንትግራይ ስለ ዘይግደሱ ኣይኮኑን፡፡ ስለዚ ከምኡ ምባሎም ነውሪ የብሉን፡፡ ግን ድማ ብኣንፃር ስትራቴጂካዊ ረብሓ ትግራይ ክረአ ከሎ ካብምንፃል ዝሐሸ ካሊእ መማረፀ ኸ የለን ድዩ ዝብል ሕቶ ግን ምምላስ የድሊ፡፡ ከምዚ ዓይነት ርኢቶ ሎሚ ጥራሕ ዝተልዓለ ኣይኮነን፤ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲውን ተላዒሉ ነይሩ፡፡

· ኣብ መጀመርታ 1980ታት

ቀደም ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ እውን እንተኾነ ብመንእሰይ ትግራይ፣ ብተጋዳላይ ትግራይ፣ ተላዒሉ እዩ ነይሩ፡፡ ዋላኳ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣይሃሉ እምበር እቲ ኩነታት ግን ኣብ62% ን 38% ጥራሕ ዝተሓፀረ ኣይኾንን፣ ብጣዕሚ ሰፊሕ ኣፈላላይ ምንባሩ ካብ ዘርእዩ ሓደ እቲ ተጋዳላይ ዝወሰዶም ዱፋዕ ገደፍካ ናይ ምምለስ ስጉምቲ እዮ፡፡ እሱውን ደርጊ ድሕሪ ናይ 14 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ካብ ትግራይ ተፀራሪጉ ምስ ወፀ፤ ተጋዳላይ ትግራይ ዘቕረቦ ሕቶ ንሕና ብፅሒትና ተዋፂና ኣለና፣ ደርጊ ንትግራዋይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝውፅዕ ዘሎ እቲ ካሊእ ውፁዕ ህዝብታት ኢትየዮጵያ ውን እጃሙ ገበርክት ይግባእ፡፡ እቲ ዝበዝሕ ቃልሲ ንሕና ተሸኪምናዮ ኢና ንደርጊውን ኣብ እፋፌት ግብኣተ ሞቱ ኣብፂሕናዮ አለና፤ ስለዚ ንርብርብ ኣለና መብረ የድልየና እዩ ኢሉ ሓቲቱ፤ ዋላውን ቀሊል ዘይበሃል ተጋዳላይ ካብ ቅድመ ግንባር ተመሊሱ ዓዱ ኣትዩ፡፡ ፈሪሑ ኣይተመለሰን፣ ኣብዚ ኣብፂሕና ዝተረፈ ካልኦት ህዝብታት ይመልእዎ፤ እንተ ንሕና ዶብና ኣፅኒዕና ውራይ ትግራይና ንግበር ዝብል እዩ ነይሩ፡፡

እዚውን ዘይበሃል ኮይኑ ኣይኮነን፡፡ ትኽክል እዩ ናይ ህዝቢ ኢትዮያ ሸኽሚ ንምንታይ ትግራዋይ በይኑ ይሽከሞ፣ ካልኦት ህዝብታት ውን ንምንታይ ዘየብርዩና ዝብሉ ሕቶታት ትኽክለኛ ፍትሓዊ ሕቶ እዩ፡፡ ግን ድማ ብኣንፃር ስትራቴጂካዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብምርኣይ ካሊእ መማረፂ የለን ድዩ? ዝብል ሕቶ ግን ምምላስ የድሊ፡፡ እስቲ ዝርዝር ኣቢልና ንርኣዮ፡-

ትግራዋይ ምናልባት ንደርጊ ፀራሪግና ካብ ትግራይ ኣውፂእናዮ ኣለና ስለዚ በቃ ከምቲ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ኣብ 1982 ዓ.ም. እውን ናይ ባዕልትና መንግስቲ ንመስርት እንተንብል ነይርና እሞ ድማ ተቐባልነት ረኺቡ መንግስትነት እንተንምስርት ነይርና ሐዚ ትግራይ ኣበይ ምበፅሐት? ገሊኡ ብፍላይ ድማ ናይ ምንፃልን ናፃ ሃገር ናይምዃንዝድግፉ፣ ትግራይና ምማዕበለት ሲንጋፖር ወይ ድማ ታይዋን ምኾነትክብሉ ይኽእሉ፤ ገሊኡ ድማ ኣብ ከቢድ ብርሰት ምሃሎና ክብሉ ይኾኑ፡፡

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሽዑ /1982 ዓ.ም/ ዝነበረ ሓቂ ግን ምይይጥ ብስፍሓት ኣብ መላእ ትግራይ ተኻይዱ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ገባር ትግራዋይ ብሓፈሻ ኩሉ ትግራዋይ ተመያይጡ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ህወሓት ዘቕረበቶ ፍኖተ-ካርታ Road map ወይከዓ ደሕንነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብ ናይ ሃገርና ኢትዮጵያ ደሕንነት ተፈሊዩ ኣይረኣይን፣ ሐዚ ንደርጊ ኣብ ኣፍደገ ሞት ኣብፂሕና ካልኦት ህዝብታት ይመልእዎ ኢልና እንተተመሊስና ዓዎትና ውሑስ ኣይኾንን፣ ፅባሕ ሓይሉ ኣጠናኺሩ፣ ኣፅዋር ሸማሚቱ፣ ነፈርቲ ዐዳዲጉ ትግራይና እንደገና ናይ ዓውደኲናት ሜዳ ክገብራን ህዝብና ክበርስን እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ኣብ ኣፍደገ ዓዎት ዝበፅሐ ቃልስና ንካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ሒዝና መሊእና ነቃብፆ ናይ ህዝቢ ትግራይ ደሕንነት ንበይኑ ውሑስ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ዝብል ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ ህዝቢ ኣሚኑ፣ ዝተመለሱ ተጋደልቲ ደቁ ጥራሕ ዘይኮነስ ወሲኹ-ወሳሲኹ ኣጋዲሉ ባዕሉውን ዓሲሉ ናይ ደርጊ ግብኣተ መሬት ጉንበት 20፣ 1983 ዓ.ም. ተረጋጊፁ፡፡ ስለዚ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ፍኖተ-ካርታ Road map ዝነበረን ሎሚውን ዘሎ መርገፂ ማለትውን ናይ ትግራይ ደሕንነት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ደሕንነት ተፈሊዩ ዝረአ ኣይኮነን ዝብል እዩ፡፡ ሐዚውን ትኽክለኛን ክኾን ዝግበኦን እየ፡፡

· ሀዚ ኣብ 2010ታት

ትግራዋይ እዛኹላ መስዋእቲ ከፊሉ ዓዲ ክንዲዘቕነዐ እዚ ዶ ምተፈደየ? ንዝብል ሕቶ ከም ተጋሩ ዝተፈለየ መልሲ ከምዘይህልወና ፍሉጥ እዩ፡፡ ግን ድማ መን እዩ እዚ ዝፈድየና ዘሎ? ኣብዚ ክንፈላለ ንኽእል፡፡ እቲ ትኽክለኛ መልሲ ግን ህዝቢ ኣምሓራ፣ ህዝቢ አሮሚያ፣ ወይ ድማ ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ገሊኦም ብሽም ህዝቢ ዝሽቅጡ ትምክሕትን ፀበብትን እንትኾኑ ገሊኦም ድማ ዝተደናገሩን እዮም፡፡ ትግራዋይ እንትፈናቐል፣ እንትጭፍጨፍ፣ እንትዝረፍ፣ እንትጎሳቖል እቲ ህዝቢ እንታይ ይገብር ከምዝነበረ ይፍለጥ እዩ፡፡ ግን ድማ ኣመራርሓ እንትበላሾ፣ ልዕልነት ሕጊ ዘኽብር መንግስቲ ወይ ውድብ እንትዳኸም ጎብለል ኮይኑ ዝወፅእ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዝወፅእ እቲ ዝተወደበ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ /ትምክሕቲ ወይ ፀቢብ/ ብምዃኑ ኣብ ህዝቢ ትግራይ መዓትፀገማትእንትበፅሕ ሪኢናዮ፡፡ እቲ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ ወይከዓ ካሊእ ህዝቢ ኣብተጋሩ ኣሓቱ ዝበፅሕ ዝነበረ ሽግር ክከላኸል ዝፈተነ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዝፈረሰ ስርዓት፣ ሓያል ኮይኑ ዝወፅእ እቲ ዝተወደበ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ብምዃኑ ክከላኸለሉ ኣይ ከኣለን፡፡ እቲ ህዝቢ ክገብራ ዝኽእ ነገር እንተሃለወት በቃ ንተጋሩ ሓቢእካ ምፅናሕ፣ ደቆም ምስ ደቕኻ ምሕዋስ፣ ክንዲ ዝኸኣሎ ንብረቱ ምህዳም እያ ነይራ፡፡

እዚ ናይ ጥፍኣት ሐይሊ ድማ ሐዚ ዝተፈጠረ ኣይኮነን፡፡ ቀደም እውን ነይሩ፡፡ ብፍላይ ቅድሚ ኢህወዴግ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ዝተወደበ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መንግስትነት ስልጣን ሒዙ ንህዝብታት ሃገርና ንልዕሊ 100 ዓመታት ሰንሰን ኣቢሉዎም፡፡ ብመሪር ብረታዊ ቓልሲ ድማ ተደምሲሱ፡፡ ኮይኑ ግና ካብ ስልጣን ተወጊዱ እምበር እቲ ኣተሳስባ ኣይተቐበረን ነይሩ፡፡ ብምዃኑውን ካብቲን ካብዚን እናተኣኻኸበ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ መፀለሚ ዘመተ እናገበረ ፀኒሑ እዩ፡፡ ግን ድማ ነዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ዝምክት ዝተወደበ መንግስታዊ ስልጣን ዝጨበጠ ሓይሊ ስለዝነበረ ናይ ህዝቢ ድጋፍእውን ስለዝነበሮ ምንቅስቓስ ትምክሕትን ፀበብትን ካብ መፀለምታ ዝሓለፈ ከምዚ ሀዚ ገጢሙና ዘሎ ዝኸፍአ ፀገም ኣይነበረን፡፡ ሐዚግን እቲ ስልጣን መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ብሓፈሻ ናብ ሕመቕ ስለዝኣተወ፣ ስለዝበስበሰ፣ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግፅ ኣይከኣለን፤ ኣብገሊኡ ምፍንቓልን መጥቃዕትን ድማ ብስዉር ባዕሉ ይመርሖ ኣሎ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ከረጋግፅ ኣይከኣለን፡፡

Full Website