ሎሚ ዝነበረ ትማሊ እናኾነ፣ ዘበን ሓሊፉ ዘበን እናተተክአ፣ ወለዶ ካብ ወለዶ ታሪኽን ሕድርን እናተቐባበለ እነሆ ወዲሰብ ምንቅስቓሱ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ዓለማት (ህዋ) ዘይተቐየረ ድማ ከምኡ ኢሉ ክቕፅል እዩ፡፡ ተጋሩን ከይድናን‘ውን ናይ‘ዚ ሓደ ኣካል ብምዃኑ ከምዚ ኢልና መፂእና፣ ኣብ‘ዚ ሕዚ ዘለናሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና፡፡

ማሕበራዊ ቃልስን ለውጥን ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ስለዝኾነ ድማ ሕዚ ዝኒሀናዮ መድረኽ ናይ ባዕሉ ሓይልታት ፈጢሩ ታሪኻዊ ዋሕዙ ኣብ ምፍሳስ ይርከብ፡፡ ኣብ‘ዚ መድረኽ‘ዚ እውን ከም‘ቶም ዝሓለፉ መድረኻት እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ንመዋእሉ ዝውክል ዘሎ ንጡፍን ትኩስን ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ እዩ፡፡ እቶም ካልኦት ተዋሳእቲ ድማ ንዕኡ ማእኸል ገይሮም ዝጓዓዙ ማሕበራዊ ክፋላት ምዃኖም ኣይተርፍን፡፡

መንእሰይ ትግራይ‘ውን ተፈጥሮኣዊን ባህርያዊን ውርሻ ኮይንዎ ናይ ባዕለይ መስርሕ ለውጢ ክመርሕ እየ ብምባል ናብ መድረኽ ተቐልቂሉ ኣሎ፡፡ ነቲ ዓለምና በፂሕዎ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ ድጂታል ወያነ ብዝብል ምንቅስቓስ ወሊዑ ድማ ኣብ ቃልሲ ይርከብ፡፡ ኣብ ገለገሊኡ‘ውን ነዚ ምንቅስቓስ‘ዚ ሳልሳይ ወያነ ኢሉ እንትፅውዖ ንዕዘብ፡፡ ሳልሳይ ድዩ ሻምናይ ንተመራመርቲ ታሪኽ ገዲፍካ (ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ጊዜ እዩ ወይኑ ስለዝበሃል) ንህዝባዊን ወያናይን ለውጢ ጥራሕ ቆሪፁ ምልዓሉ እኹል እዩ፡፡

እዚ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወያነ ብትኽክለኛ መንገዲ ክጓዓዝን ናብ‘ቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ዕላማ (ህንፀት ዴሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ምዕቡል ስርዓት) ምዕዋት ክበፅሕን እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ኣብ‘ዚ ዝዋሳእ ዘሎ ሓይሊ (ብፍላይ መንእሰይ) ንጉዕዝኡ ከዕንቅፉ ዝኽእሉ ሓደገኛ ኣራኣእያታትን ዝንባለታትን ኣለልዩ ብንቕሓት ክቃለሶም ይግባእ፡፡ እዚ ክበሃል ከሎ ግን ትኹረት ዝግበረሎም እዚኦም ጥራሕ እዮም ማለት ኣይኮነን፡፡ ናብ ማሕበራዊ ወያነስ ይትረፍ ካብኡ ቅልል ናብ ዝበለ ለውጢ ክትኣቱ እንተለኻ‘ውን ክትሪኦምን ክተማዓራርዮምን ዝግበአካ ብዙሓት ጉዳያት ከም ዘለዉ ርዱእ ክግበር ኣለዎ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ንናይ ሕዚ መልእኽተይ ካብ‘ዚኦም ኣብ ዝተወሰነ ናይ ኣረኣእያ ጉዳይ ኣድሂበ ቁንጥር ኣቢለ ከቕምጥ ፈቲነ ኣለኹ፡፡ እዚ ድማ ከም‘ቲ ኣብ‘ቲ ርእሲ ተቐሚጡ ዘሎ ኣየናይ እዩ ውጉዝ (ሓራም) ኣየናይ እዩኸ ቅቡል (ሓላል) ብዝብል የቕርቦ ኣለኹ፡፡ እምበኣርከስ ዘላቶ ሸው ዘበለ ጠማዕ ኣይበሃልን‘ሞ ተኸታተሉኒ፡፡

1. ህረፍ (ስስዐ) ስልጣን እቲ ዝኸፍአ ፅላለ î

ህረፍ ስልጣን ውልቀ ክብርን ማተርያላዊ ጥቕምን ናይ ምርካብ ድልየት ዘበገሶ የመና ስሱዕ ሽውሃት እዩ፡፡ ህረፍ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ዘልኣለም ምስ ስልጣን ከም ቁርዲድ ክጣበቅ ዝደሊ፣ ነታ ስልጣን ከም ርስቲ ወሲዱ ክሳብ መቓብር ኣይተላቁቁኒ ዝብል‘ዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ንስልጣን ብዝኾነ ዓይነት ዋጋ ክረኽባ ይህንጦ፣ ዋላ ንህዝቢ ናብ ሰፍ ዘይብል ሓደጋ ረኪሱ፣ ዋላ ንሃገር ሸይጡ‘ውን እንተኾነ፡፡ ስለዚ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ብዘየገድስ ናይ ሰልጣን ሽውሃቱ ከርዊ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን፡፡ ስስዐ ስልጣን ዘጥቀዖ ገዛኢ ውልቀሰብ ወይ ሓይሊ ፀረ-ለውጥን ምዕባለን ዝኾነሉ ኩነታት ኣብ ዓለምና ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ፡፡ ሓደ ፈጠራ ወይ ለውጢ ንህዝብን ንዓድን ዝጠቅም ኮይኑ እናሃለወ ግን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንመንበረይ ሓደጋ እዩ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ነዚ ምዕጋት ጥራሕ እንተይኮነስ ነዚ ዝፈጠሩ ሰባት ክሳብ ምጥፋእ ዝበፅሐሉ ኣጋጣምታት ውሑድ ኣይነበረን፡፡ ብህረፍ ስልጣን ዝዓወረ ሰብ ንኽትእርሞን ክትቃለሶን ኣዚዩ መፀገማይ እዩ፡፡ ብስልጣኑ ንዝመፆ ዳርጋ ብህይወቱ ከምዝመፆ ቆፂሩ ዝኻሓነ ቂም ዝሕዘሉ፣ ሓንሳእ ምስባህረረ ዋላ እቲ ኩነታት ኣብ ዝተለወጠሉ‘ውን ሕዱር ቂም ብምሓዝ ይቕረ ምባል ዘይፈልጥ ወትሩ ሕሙም ዝኾነሉ ኩነታት ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ድልየት ስልጣን ግና ኣወንታዊ ባህርያት ከም ዘለውዎ ርዱእ ክግበር ኣለዎ፡፡ ድልየት ስልጣን ኣዎንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ዝገብሮ ቀንዲ ነገር ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣመለኻኽታ እዩ፡፡ ተቓለስቲ ውልቀሰባትን ፓርትታትን ዕላምኦም ንምትግባር ፖለቲካዊ ስልጣን ክቆፃፀሩ ይደልዩ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሮም ክስዕሩ‘ውን ይቃለሱ፡፡ ከምዚ ዝበሉ ሓይልታት ድማ ንስልጣን ከም መተግበሪ ዕላማ ጥራሕ ገይሮም ይወስድዎ፡፡ ንዕላምኦም ባዕሎምን ከምኦም ዝብሉ ሓይልታትን እንተዘይኮይኖም ማንም ክትግብረሎም ስለዘይኽእል ፖለቲካዊ ስልጣን ምዕታር ከም ሓደ ሽቶ ገይሮም ይወስድዎ፡፡ ነዚ‘ውን እዩ ህወሓት ንጨቋኒ ስርዓት ብምውዳቕ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ህዝቢ ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምቁፅፃር ዝተቃለሰ፡፡ ሓፋሽ ህዝቢ‘ውን እንተኾነ ላዕላዊ በዓልስልጣን ክኸውን ይደሊ፡፡ ንምንታይሲ ንዘበናት ኣብ ልዕሊኡ ዝተቐመጡ እምባገነናት መራሕቲ ሓሳረ-መከርኡ ስለዘብልዕዎ ነዚ ንምክልኻል ኢሉ፣ ሹመኛታቱ ንምቁፅፃር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክኸውን ይደሊ ጥራሕ እንተይኮነስ ይቃለስ‘ውን፡፡ ሰፊሕ ተርእዮን ዘተኣማምን ቀፃልነት ዘለዎን ኣይኹን’ምበር ህዝቢ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝኾነሎም ኣጋጣምታት ኣብ ዓለምና ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡

2. ባንዳነት ናይ ክሕደት ክሕደት î

ባንዳነት ንውልቀ ስልጣንን ማተርያላዊ ረብሓን ኢልካ ብረብሓ ዓድኻን ህዝብኻን ጠላዕ ምፅዋት እዩ፡፡ ብዝኾነ ዓስቢ ተዓዲግካ ምስ ፀላእቲ ወጊንካ ንስርዓት ዓድኻን ንህዝብኻን ብምጥላም ምውጋእ እዩ፡፡ ባንዳ ዓስቡ እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ዕላማ የብሉን፡፡ ዋላ‘ኳ ነዚ ሕማቕ ተግባሩ ጉልባብ ዝኾንዎ ዝተፈላለዩ መደናገሪ ነገራት ዝጥቀም እንተኾነ ብጭቡጥ ቀሊዕኻ እንትረአ ግና ባንዳ ዝበሃል ንግዚያዊ ረብሓ (ንኸብዱ) ኢሉ ረብሓ ዓድን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ውልቀሰብ ወይ ሓይሊ እዩ፡፡ ባንዳ ናይ ባዕሉ እንተይኮነስ ተዓሲቡ ናይ ካሊእ ሓይሊ ልኡኽ ዝፍፅም እዩ፡፡ ገበን ክሕደትን ጥልመትን ብግልፂ ዝረኣየሉ ተርእዮ እዩ ባንዳነት፡፡

ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻ ምቕያር፣ ሒዝካዮ ዝነበርካ መርገፂ ኣየዋፅእን እዩ ኢልካ ካሊእ እምነት ምሓዝ ግን ካብ ባንዳነት ዝተፈለዩ ጉዳያት እዮም፡፡ ሓደ ሰብ መሲሉ ኣብ ዝተርኣዮ ግዜ ዝነበሮ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ እምነት ክቕየር ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ክስተት እዩ፡፡ ወዲሰብ ኣብ ሓደ እምነት ንዘበናት ኣይፀንሐን፣ ንቕድሚት‘ውን ኣይፀንሕን፡፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ኣብ ኣረኣእይኡ ለውጥታት ምምፅኦም ዘይተርፍ ነገር እዩ፡፡ በዚ‘ውን ኣብ ኣተሓሳስባኻ ብዝረአ ለውጢን ምስ ግዜን ኩነታትን ብዝህሉ ተዛምዶን ዝመፅእ ናይ እምነት ምቕያር ብሓፈሻ ቅቡል እዩ፡፡ እቲ ዝሓዝካዮ እምነት ብኻልኦት ኣንፃር ትኽክል ይኹን ግጉይ ብዘየገድስ ሰብ ብኻልኦት ተዓሲቡ ዘይኮነስ ንቕሓት ሕልንኡ ብዝኣዘዞ መሰረት ዝመስሎ ቅዋምን እምነትን ሒዙ ምስጓሙ ባህርያዊን ቅቡልን ጉዳይ እዩ፡፡

3. በለፅ ካብ ኣድግነት ዝገደደ መንነት î

በለፅ ነገራት ግጉያት ምዃኖም እናተረዳእኻ እናሃለኻ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት በደላት እናበፅሐ እናራኣይካ፣ ብፆትካን ህዝብኻን ክረኸብዎ ዝግባእ ስኢኖም እንተፅገሙ እናተዓዘብካ፣ እቲ ኩነታት ንዓኻ ክሳብ ዘይተንከፈን ንስኻ ክሳብ ዘይጎደለካን ሪኢኻ ከም ዘይረኣኻ፣ ሰሚዕኻ ከም ዘይሰማዕኻ  ኣፅቂጥካ ምሕላፍ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ነዚ ናብ ምቅላዕን ናብ ቃልስን እንድሕር ኣትየ እታ ዘላትኒ ቦታን ጥቕምን‘ውን ክስእና ይኽእል እየ ኢልካ ብምስጋእ ዝግበር ኣፅቂጥካ ናይ ምሕላፍ ተግባር እዩ፡፡ ወይ ድማ ንቕድሚት ንእትፅበዮ ውልቀ ማተርያላዊ ረብሓን ስልጣንን ምእንታ ከይኹለፈካ ዝግበር ክሳብ ጭራኻ ምዝራግ ዘበፅሕ ተርእዮ እዩ፡፡ በዚ‘ውን ንጉልበተኛታት ንገበርትን ሓደገትን ኣሜን ኢሉ ዝቕበል መሲልካ ናይ ምሕዳር ሕማም እዩ፡፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣረኣእያ ድማ ኣብ ቃልሲ ዝፈጥሮ ዕንቅፋትን ምድኻምን ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡፡ ካብ‘ዚ ዝነቐለ በለፀኛታት ዝመልእዎ ውድብ ኣሎ እናተብሃለ ብድውሉ እዩ ዝመክኽ፡፡

እዚ ከም’ዚ ኮይኑ በለፅን ሞንጎኛ መርገፂ ምሓዝን ግን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ክልተ ሚሒር ኣረኣእያታት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን ሰባት ሞንጎኛ መርገፂ ክሕዙ ናይ ግድን እዩ፡፡ ናብ መፍትሒ ዘምርሕ እውን  ከምዚ ዝበለ መርገፂ ይኸውን፡፡ ናይ ተፈጥሮ ጉዳይ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ ርዱእ ኮይኑ፣ ናብ ማሕበራዊ ሳይንስ እንተመፂእና ድማ ምስ ምንቅስቓስ ማሕበረሰባት ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ብዝገደደ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ እዩ፡፡ ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ክስተታት ብፃዕዳ ወይ ብፀሊም ጥራሕ ክጋሃደሉ ዘይኽእሉ፣ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ተሓዋዊሶም ዝርከቡ (gray area) ኩነታት እዩ ዘጋጥም፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ንምፍታሕ ብዙሓት መማረፅታት ክትእልሽን እቲ ዝሓሸን ዝበለፀን መሪፅካ ክትወስድን ትግደድ፡፡ ስለዚ ንዘሎ ኩነታት ተረዲእኻ መማረፂ መንገዲ ምድላይ፣ ነዚ ዝምጥን ሞንጎኛ መርገፂ ምሓዝ ከም ቅቡልን ግቡእን ተገይሩ ይውሰድ፡፡

4. ሕሶትን ምጭብርባርን ርኹስ ኣመል î

ኣብ ሕሶትን ምጭብርባርን ዝነብር ሰብ እዚ ዝበሃል መትከላዊ እምነት ክህልዎ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ሕሶትን ምጭብርባርን ካብ ምንታይ ይብገሱ? ሰብ ሓቂ ተዛሪቡ፣ ብትኽክለኛ መንገዲ ተጓዒዙ ዝደልዮ ክረክብ ዘይኽእል ምዃኑ እንተፈሊጡ‘ሞ ድልየቱ ምቁፅፃር ኣብ ዘይኽእለሉ እዋን (ብምሒር ህርፋን) ናብ ሕሶትን ምጭብርባርን ከም ዝድፋእ ልሙድ ተርእዮ እዩ፡፡ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ኣቕሪብካ ካብ ተሓታትነት ትድሕን፣ ኣብ ዘይዓቕምኻ ኣብ ስልጣን ክትነብር፣ ናብ ዝለዓለ ደረጃን ስልጣንን ክትድይብ፣ ኣብዘይ ቦታኻ ክትምደብ ወዘተ… ምድላይ ብተደጋጋሚ ተራእዩ፡፡ ኣብ ክንዲ ብቕንዕና ሰሪሕኻ ኣጭበርቢርካ ዝለዓለ መኽሰብ ክትረክብ ብምድላይ ዝግበሩ ሃተምተማት ቀለልቲ ኣይኮኑን፡፡ ከምኡ‘ውን ዘይግበአካ ጥቕሚ ንክትረክብ ኢልካ ሓሲኻ ምምስካር እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ እዩ፡፡

ንዝፀላእኻዮ ሰብ ብግቡእ መንገዲ ክትረትዖን ክትስዕሮን እንተዘይኪኢልካ ድማ ብሓሶት ምፅላም፣ ሽሙን ዘይሽሙን ምልካይ ይረአ፡፡ ኣብ ሰባት ብዝሓደረካ ቅንኢ፣ ወይ ወዲ ሓወቦይ ኢልካ ንዝተመናቐኻዮ ሓሲኻ ምፅላም፣ ሓሲኻ ንስድራ ብምብኣስ ክሳብ ሓዳር ክብተን ምግባር ዝኸይድ ነውራም ተግባራት ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ሓሳዊን መጭበርበርን ፖለቲከኛ ምስዝህሉ እዩ፡፡ እቲ ካብ ፖለቲከኛታት ወፃእ ዘሎ ዘስዕቦ ጥፍኣት ቀሊል‘ኳ ዝበሃል እንተዘይኮነ እዚ ናይ ፖለቲከኛታት ምጭብርባር ግን ንህዝቢ ናብ ቅልውላው ዘእቱ ኢሉ እውን ዓዲ ክሳብ ምፍራስ ዝኸይድ ሳዕቤን የስዕብ፡፡

በቲ ኻልእ ገፅ ግን ይትረፍ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ካሊእ መዳይ ህይወት‘ውን ምትዕፅፃፍ ምግባር ብጣዕሚ ኣድላይ ኣምር እዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ምትዕፅፃፍ ድማ ኣብ ክሊ መትከላዊ እምነት ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣረኣእያታትካ፣ መርገፅታትካ ምስ ግዜን ኩነታትን ተጠዓዒሞም ክጓዓዙ ክትገብር ኣለካ፡፡ ዓለምና ኣዚዩ ሕልኽላኽ ዝመልኣ ስለዝኾነት ፍፁማዊ ሓቂ (Absolute truth) ዝበሃል ነገር ብጣዕሚ መፀገማይ እዩ፡፡ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ይኹን ካሊእ ዓለማዊ ከይዲ ዝሰርሕ ዘሎ’ውን ተነፃፃሪ ሓቂ (Relative truth) ዝበሃል ኣምር እዩ፡፡ ሓቂ ንበይና ብጥሪኣ ጥራሕ ተወሲዳ ብዜካ ነዚኣ ከውሕጥ ዝኽእል ቅመም ብዙሕ ተምፅኦ ለውጢ የለን፡፡ ሓቂ ተተግቢራ ውፅኢት ከምተምፅእ እንተኾይና ውሕሉልነት ትደሊ እያ፡፡ ኣብ’ዚ ኢድ እግሪ እንድሕር ዘይብልካ ኣብ’ዛ ዘለናላ ዓለም ሓቂ ጥራሕ ሒዝካ ንምዕዋት መፀገማይ ኮይኑ ኣሎ፡፡

5. ቅንኣት መንሽሮ ምዕባለ î

ቅንኣት ናይ ካልኦት ሰባት ዕብየት፣ ፅቡቕ ዕድል፣ ታሕጓስ፣ ውፅኢት ቃሕ ዘይብለካ ምዃን እዩ፡፡ ናይ ካልኦት ፅቡቕ ነገርን ኩነታትን ኣባኻ ኣሉታዊ ስሚዒት ዘሕድር እንተኾይኑ እዩ፡፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ቅንኢ ዝሓደሮ ሰብ ነታ ቅንኢ ዘሕደረትሉ ነገረ ከጥፍእ ድቃስ ኣይወስዶን፡፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሳሪሃ-ማሪሃ ዝሰርሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቶም ዝቐንአሎም ሰባት ክሳብ ምጥፋእ ዝኸይድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ኣይብልን፡፡ ቀናእ ሰብ ሰባት ልዕል እንትብሉ ንሱ ዝወረደ ገይሩ ይወስድ፡፡ ካልኦት ሰባት ዝናን ተቐባልነትን እንትረኽቡ ንሱ ዝናኣሰን ዝተናሸወን ይመስሎ፡፡ ሰባት ሓደሽቲ ምህዞታት፣ ፈጠራታት ሒዞም እንትቕልቐሉ ንምንታይ በለፁኒ ኢሉ ከተዓናቕፎም፣ ክዓግቶምን ከዳኽሞምን ይፅዕር፡፡ በዚ‘ውን ንሓደሽቲ ፈጠራታትን ንምዕባለን ዘይምቹ ዓንቃፊ ኮይኑይርከብ፡፡ ኣብ‘ዛ ዓለም ተወዳዳሪካ ምንባር ስለዘይኾነሉ ድማ ካብኡ ውፅእ ንዝበለ፣ ንዘበለፆ ብኣሽሙር ወዘተ… ከናሹ ይውዕል፡፡ ይበልፀኒ እዩ ንዝበሎ ውልቀሰብ ይኹን ሓይሊ ካብ ዓይኑ ክገልሰሉ፣ እንተተኻኢሉ‘ውን ክጠፍኣሉ ይምነ ጥራሕ ዘይኮነስ ድቃስ‘ውን ይስእን:: ኣላን የላን እትበሃል ሓይሉ ምእንተ‘ዚ የጥፍእ፡፡

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ግና ጥዒና ዘለዎ ቅንኢ‘ውን ኣየተስኣነን፡፡ እዚ ድማ ብልሙድ ኣበሃህላ መንፈሳዊ ቅንኢ ኢልና እነቐምጦ እዩ፡፡ ቅኑዓትን ናይ ዕላማ ሰባትን ብዝራኣይዎ ፅቡቕ ነገር መንፈሳዊ ቅንኢ ይሓድሮም፡፡ ነቲ ነዚ ፅቡቕ ነገር ዝሰርሐ ውልቀሰብ ይኹን ሓይሊ ኣዝዮም ይፈትውዎን ምሒር የድንቐዎን፡፡ ካብ‘ዚ ዘተልዓለ ድማ ንዑኡ ክመስሉ፣ ናሃቱ ቅዲ ክሕዙ ይፍትኑ፡፡ ንሶም‘ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ክሰርሑ ወይ ካብኡ ንላዕሊ‘ውን በሊፆም ክርከቡ ላዕልን ታሕቲን ይብሉ፡፡ እዚ ድማ ንውድድርን ስሉጥ ምዕባለን ባይታ ዝፈጥር ይኸውን፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ መንፈስን ኣረኣእያን ኣብ ዘለሉ ማሕበረሰብ ድማ ፈጠራታትን ምህዞታትን ከም ቅንጥሻራ ፈኻሕኻሕ ዝብሉሉ ይኸውን ፡፡

6. ጃምላዊ ፍረጃ ናብ ዝኸሓነ ፅልኢ የምርሕ î

ሰባት ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ፈሊጦም (ፖለቲካዊ ወዘተ… መኽሰብ ንምርካብ ኢሎም) ንዝኾነ ዘጋጠመ ክስተት ብጃምላ እንትፍርጁ ንዕዘብ፡፡ እዚ ብኽልተ መልክዕ ክግለፅ ዝኽእል እዩ፤ ብጃምላ ምውዳስ ወይ ብጃምላ  ምኹናን፡፡ ብሓደ ገፅ ካብ ናትካ ዘርኢ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ከባቢ ወዘተ…ሕመቕ እንትፍጠር ምክልኻልን ምፉኻስን ይረአ፡፡ ካብ ናሃተይ እትብሎ ፅቡቕ ዝተሰርሐ ነገር ናይ ዘርእኻ፣ ናይ ብሄርካ፣ ናይ ሃይማኖትካ፣ ናይ ከባቢኻ ወዘተ… ኩሉ ከምኡ ከምዝኾነ ገይርካ ምቕራብ ይዝውተር፡፡ ብኻሊእ ገፅ ድማ ናይ ካሊእ ዘርኢ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ከባቢ ወዘተ… ብውልቀ ሰባት ዝተሰርሐ ፅቡቕ ነገር ከም ናይ ውልቀ ወሲድካን ብዙሕ ትርጉም እንተይሃብካን ብኣንፃሩ ድኽመት እንተጋጠም ግና ናይ ኩሉ ኣምሲልካ ምቕራብን ናይ ኩሉ ጌርካ ምውሳድን ይረአ፡፡

ከምዚ ኢሉ ዝመፀ ኣመዛዝና ናብ ፖለቲካ እንትሰግር ድማ ንውዳበታትን ንፓርትታትን ብዓንዲ መመዘኒአን እንተይኮነስ ውልቀሰባት ብዝሰርሕዎ ነገራት ብጃምላ ፈሪጅካ ናብ ምቕማጥ የምርሕ፡፡ ናይ ውልቀ ሰባት ጥንካረን ድኽመትን ካብ ናይ ውዳበኦም ኣጠቃላሊ ኩነታት ፈሊኻ ዘይምርኣይ የጋጥም፡፡ ካብ‘ዚ ዝነቐለ‘ውን ናብ ብጃምላ ምክልኻል ይኹን ምጥቃዕ ዘእቱ ኩነታት ብተደጋጋሚ እንትፍጠር ይረአ፡፡ ኣረኣእያ ጃምላዊ ፍረጃ ብገንኡ እንድሕር ዘይተስተኻኺሉ ከይዱ ከይዱ ናብ ከም ምጥፋእ ዘርኢ ዝኣመሰሉ ኣረመንያዊ ገበናት ዘምርሕ ሓደገኛ ኣረኣእያ እዩ፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ስነ-ኣእሙሮ ህፃናትን መናእሰይን ሰሪፁ ሕዱር ፅልኣት እናፈጠረ ዳሕራይ መእለዪ ዘይብሉ ሓደገኛ ኪሳራታት ከስዕብ ዝኽእል እዩ፡፡ እዚ ካብ ምኽንያታውነት ዝወፀ ጃምላዊ ፍረጃ ንትምክሕቲ፣ ፀቢብነት፣ መኽረራይነት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ከይዱ ከይዱ ድማ ብዕንወት ሃገርን ህልቀት ህዝብን ክሽረፍ ዝኽእል እዩ፡፡

እዚ እንትበሃል ግና ጃምላዊ ከይኸውን ኢልካ ናይ ዕስለ ኣተሓሳስባ ሱቅ ኢልካ ምርኣይ ማለት ኣይኮነን፡፡ ውልቀሰብ ብዝኣበሰ ናብ ዘርኢ፣ ከባቢን ሃይማኖትን ክጣበቕ የብሉን ማለት ዳኣ‘ምበር ብዕስለ ዝፍፀሙ ግጉያት ነገራት ሸለል ኢልካ ምርኣይ ማለት’ውን ኣይኮነን፡፡ ጌጋታት ብውልቀሰብ ይፈፀሙ፣ ብብዙሓት (ብሓፋሽ) ካብ ጌጋታት ምዃኖም ዓዲ ኣይውዕሉን፡፡ የግዳስ ጌጋታት ብሓፋሽ እንትፍፀሙ ሳዕቤኖም ክንዲ ፈፀምቶም ገዚፍ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ፡፡ ንጌጋታት ኣትሪርካ ምቅላስ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ክግበር ዘለዎ ግቡእ ነገር እዩ፡፡ ብፍላይ ተቓለስቲ ሓይልታት ካብ በለፅን ህዝበኛነትን ወፂኦም ትኽክለኛ መንገዲ ከትሕዙ፣ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ተሪሮም ክቃለሱ ኣለዎም፡፡ ምእንተ‘ዚ እውን ዝኾነ ዋጋ (መስዋእቲ) ንምኽፋል ድልዋት ክኾኑ ይግባእ፡፡ ዋላ‘ኳ ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ኩነታት ሆይሆይታ ዝጠሓለሉ እዋን ንምእላዩ ዘፀግም እንተኾነ ዘይሩ ዘይሩ ዝተጋገየ ሓፋሽ‘ውን ካብ ተሞክሮኡ ምምሃሩን ናብ‘ቲ ትኽክለኛ መንገዲ ምምፅኡን ዘይተርፍ እዩ፡፡

7. መጠቓለሊ፡-

እዞም ኣብ ሕድሕድ ነጥቢ ዝረኣይናዮም ክልተ ኣረእያታትታት ኩልሻዕ ኣብ‘ቲ ሕብረተሰብን ኣብ ውዳበታቱን ዘለዉ እዮም፡፡ ክልቲኦም ኣረኣእያታት ብሓባር ተሳንዮም ብሰላም ክነብሩ ስለዘይኽእሉ ድማ እቲ ሓደ ኣረኣእያ ነቲ ካሊእ ተፃራሪኡ ስዒሩ ልዕልነት ከረጋገፅ ስለዘለዎ እዞም ኣረኣእያታት ብሰባት ተወኪሎም ኩልሻዕ ኣብ ፍሕፍሕ ዝነብሩ እዮም፡፡ በዚ‘ውን ናይ ሕብረተሰብ ይኹን ናይ ውዳበታት ምንቅስቓስ በብወቕቱ ኣብ ጥዒናዶ ኣሎ የለን ንዝብል ጉዳይ ኣየናይ ኣረኣእያ እዩ ልዕልነት ሒዙ ዘሎ ዝብል ዝውስኖ ይኸውን፡፡

ብፍላይ ናይ‘ቲ ውጉዝ ኣረኣእያ መበገሲ ውልቀ ድልየትን ረብሓን ጥራሕ ስለዝኸውን ብዙሕ ግዜ በቲ ሓፋሽ ተቐባልነት ስለዘይረክብ፣ ነዚ ውልቀ ሽውሃት ንምምላእ ውልቀሰባት ካብ ቁፅሮም ንላዕሊ ሓይሊ ምእንታ ክፈጥሩ ዝተፈላለዩ መንገድታትን ውዳበታትን ከምዘጥቀሙ ርዱአ ጥራሕ እንተይኮነስ ታሪኽ ጉዕዞ ወዲሰብ ዘረጋግፆ ሓቂ እዩ፡፡ በዚ‘ውን ሰባት ነዘን ውልቀ ረብሓታትናን ድልየታትናን የማልኣ እየን ዝብልወን ኣረኣእያታት ናብ ተግባር ንምሽራፍ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ጥቐመኒ-ክጠቕመካ መርበብ (ኔትዎርክ) ክዝርግሑ ይግደዱ፡፡ በዚ መርበብ‘ዚ ኣቢሎም ንቲ ሓፋሽ ብምድንጋርን ዓፊኖም ብምሓዝን ንውልቀ ረብሐኦም እንትረባረቡ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዮም እዮም፡፡ ሎሚ ሎሚ ድማ ብምዕባለ ቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ነዚ ተግባር‘ዚ ከም ዋና መሳርሒ እንትጥቀሙ ብግልፂ ይረአ ኣሎ፡፡

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ፀገማት ንብዙሓት ቃልስታት ገና እንተይጀመሩ ክቑፀዩ፣ ምስዳር ዝጀመሩ‘ውን ሰንደልደል ኢሎም ክወድቁ፣ መዓት ፈተናታት ሓሊፎም ናብ ዓወት ዝበፅሑ ድማ ኣብ ከይዲ በስቢሶም ናይ መወዳአታ ውፅኢቶም ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ ዝገበራ እየን፡፡ ብሚልዮናት ዝቑፀር ናይ ህዝብታት መስዋእቲ በለል ክተርፍ‘ውን   ገይረን፡፡ ነዚ ዝገልፅ ናይ ዓለምና ኣብነታት ድማ ብርክት ዘበለ ኮይኑ ይርከብ፡፡

ኣባና‘ውን እቲ መስተንክራዊ ታሪኽ እናሰርሐ ዝመፀ ውድብ ህወሓት ኣብ ከይዲ በዘን ዝተጠቐሳ መብዛሕተአን ዘንባዕ ኣረኣእያታት እናተለኸፈ፣ ውሽጡ ቁንቁነ እናበዝሖ ብድውሉ እንተሎ ሮኽመሽ ክብለሉ ዝኽእል ኩነታት ዳርጋ ተፈጢሩ ነይሩ፡፡ ብኽንደይ መስዋእትነት ዝዓተሮም መሰረታዊ ዓወታት ብፀሓይ ቀትሪ ካብ ኢዱ ዝምንጠለሉ፣ ካብ ዝለዓለ ብራኸ ኣንከራርዩ ታሕቲ ዝወረደሉ ኩነታት በፂሑ፡፡ ንህዝቢ መሪሑ ክንደይ ዓቐበት ዝወፀ ውድብ፣ ከቢድ ፀልማት ጋሊሁ ዝቐንጠጠ ውድብ ሎሚ ናይ ምምራሕ ዓቕሙ ተሰንኪሉ ኣብ ጓጓ ህዝቢ ኮይኑ ህልውንኡ ዳግም ንምርግጋፅ ኣብ ተንከርከር ይርከብ፡፡

ብደረጃ ኢህኣዴግ እንትረአ ድማ እቲ ኣዚዩ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ናይ’ቲ ግንባር በተን ዝተጠቐሳ ኩለን ግጉያት ኣራኣእያታት ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ተኣዚኹን ተጨማሊቑን፣ ወያናይ ልምዓታዊ ልጓሙ በጢሱ ናብ ደንበ ፀረ-ህዝቢ ተፀንቢሩ ይርከብ፡፡ ካብ’ዚ ዝነቐለ እቲ ሕዚ ልዕልነት ረኺቡ ዘሎ ሓዱሽ ኣመራርሓ ጨና ወያናይ ዴሞክራሲ ካብ’ቲ ግንባር ሓጢጡ ንምድርባይ ሕርዲግ ይብል ኣሎ፡፡ በዚ’ውን ሃገርና ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ናብ ዘይትፈልጥ ፖለቲካዊ፣ ኤኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ኣትያ ኣላ፡፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይተርኣየን ተደፊሩ ዘይፈልጥን ላዕላውነታ ሕዚ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወረደሉ፣ ናይ ፖሊሲ ነፃነታ ተጋሂሱ ብናይ ወፃኢ ሓይልታት ዝዝወረሉ ኩነታት ጋህዲ ኮይኑ ይረአ፡፡ እዚ ዘስዓቦ ማእለያ ዘይብሉ ፀገማት ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተሸኪሙዎ ኣሎ፡፡ ናይ ዘበናት ጭቆናን ውርደትን ቀንጢጣ ሓዱሽ ምዕራፍ ነፃነትን ዕብየትን ብምኽፋት ቁመናኣ ምቕያርን ተሰማዕነታ ምዕባይን ጀሚራ ዝነበረት ሃገር፣ ሎሚ ጉዕዞኣ ከም ሽንቲ ጊመል ንድሕሪት ተመሊሱ፣ ሃላዋታ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ሞትን ምፍንቓልን ህዝብታታ ዕለታዊ ተርእዮ ዝኾነሉ ግዜ በፂሕና ኣለና፡፡

Full Website