ብተስፋኣለም በርሀ (ጋዜጠኛ)

10-04-19

berhetesfalem@gmail.com

መበቆል ተኽሊ በለስ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፣ ማእከላይን ደቡብን ሜክሲኮ ከም ዝኾነ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ መላአ ዓለም ከም ዝተዘርገሐ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። በለስ ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ትግራይ ዝለዓለ ቁጠባዊ ረብሓ ዘለዎ ፍትው ተኽሊ እዩ፡፡ እዚ ተኽሊ ናብ ሃገርና መዓዝን ብኸመይን ከምዝኣተወ ኣብዚ ዓውዲ መፅናዕቲ ዘካይዱ ሰብ ሞያ ነናይ ባዕሎም መረዳእታ የቐምጡ እዮም፡፡ ኣቀማምጣ መሬት ትግራይን ኤርትራን ብፍላይ ድማ ከባብታት ዓጋመ ጎቦታት ዝበዝሖ፣ ፀዳፋን ንድርቂ ብቐሊሉ ዝቃላዕን ከዝኾነ ዝተዓዘቡ ሚስዮናዊ ኣቡነ ያዕቆብ ብ1840ታት ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ኣብ ከባቢ ዓሊተና ከም ዝተኸልዎ መፅናዕታት ይገልፁ። ቀፂሉ ንምርባሕን ምችውነትን፣ ንድርቂ ዘለዎ ተፀዋርነት፣ ኣገዳስነት ቁጠባዊ ረብሓ ሰብን እንስሳን ስለዝተረድኡ ድማ ናብ ከባቢ ዓድግራት ጎልዓ፣ ሰገነይቲ ማለት ‘ውን ኤርትራ ክስፋሕፋሕ ከምዝገበሩ ኣብ መፅሓፍ “ታሪኽ ዘበናዊ ትምህርቲ  ኢትዮጵያን ምዕባለታቱን” ተሰኒዱ ይርከብ፡፡ ብተወሳኺ  መፅናዕቲ Cactus Pear (Opuntia ficus-indica L.) in Tigray, North Ethiopia:History, potential and challenges (Review paper) by Shushay welderufael abrha Adigrat University, ከምዚ ብምባል ይገልፅ፡፡

“…planted one cladode in Alitena (Erob), the second cladode planted in Golea (Ganta-afeshum) and the third cladode planted in Lehe (Eritrea).”…

እቶት ሕርሻ እንትቕንስ “ኣኸዛ ክንክይ እንከሎ” በለስ ንምግብነት ኣዚዩ ተደላዪ ብምንባሩ ነዚ ዕድል ንምጥቃም ካብ ከባቢታት ስመጃና፣ ብዘት ሰበያን ካልኦት ከባቢታትን ናብ በለስ ዘለዎ ከባቢ ዓሊተና የምርሑ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። ኣብተን ዝተጠቐሳ ከባብታት ንነዊሕ ዘበናት ገልዑ ንእንስሳት ምግብነት ፍረኡ ድማ ንሰባት ዝለዓለ ቁጠባዊ ኣገልግሎት ሂቡን ኣብ ምሃብ ይርከብን።

በለስ ኣብዚ  እዋን ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ኤርትራ ከምኡ’ውን ትግራይ ተሰፋሕፊሑ ዓብዪ ቁጠባዊ ረብሓ ኣብ ምሃብ ዝርከብ ተኽሊ እዩ። ኣብቶም ዝተጠቐሱ ከባቢታት ሽዱሽተ ዓይነታት በለስ ዘለዎም እንትኾኑ ንሳቶም ድማ ኣሻዂ ሕብሪ ኣራንሺ “Thorny Orange”፣ ለማፅ ሕብሪ ኣራንሺ “Spineless Orange”፣ ኣሻዂ ፃዕዳ “Thorny White”፣ ለማጽ ፃዕዳ “Spineless White”፣ ኣሻዂ ቀይሕን “Thorny Red” ለማፅ ድሙቕ ቀይሕን “Spineless Deep Red” እዮም። መፅናዕታት ከም ዘመላኽትዎ ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ትግራይ እቲ 70 ሽሕ ሄክታር መሬት ብተኽሊ በለስ ዝተሸፈነ ከምዝኾነ የረጋግፁ። (helvetas field assessment results,2012).

ስእሊ፤ ፍርያት ተኽሊ በለስ

ተኽሊ በለስ መብዛሕቲኡ ግዘ ብምትካል ዝፈሪ እንትኸውን ፍሪኡ ብዝምገቡ እንስሳትን ኣዕዋፍን እውን መስርሕ ብታነ ዘርኢ የካይድ እዩ። ኣብ ምክልኻል ፍግረ መሬትን ምውሳኽ ልሙዕነት ሓመድን ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ ተኽሊ በለስ፣ መዕቈቢ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳም ኮይኑ እውን ዘገልግል እዩ። ብተወሳኺ ዕምባባ ተኸሊ በለስ ሓደ ካብ ምሩፃት ምግቢ ንህቢ እዩ። ካብ ዕምባባኡ ዝምገብ ንህቢ ድማ ብዓይነቱ ብሉፅ ምህርቲ መዓር ከምዝህብ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ መፍረ ንህብን መዓርን ዝነጥፉ ሓረስቶት የረጋግፁ። ከምኡ እውን ገልዑን ጉንዱን ጥሒንካ ኣብ ግዘ ሓጋይ ሓረስቶት ምስ ሓሰርን ዱርቋን እናሓወሱ ንምግቢ እንስሳት ይጥቀምሉ እዮም።

ሓረስቶት ዓመት መፀ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ግራት በለሶም ዝረኸብዎ ፍርያት ንርእሶም ኰይኖም ብመልክዕ መሸጣ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዕዳጋ ብምልኣኽ ምንጪ ኣታዊ ይረኽቡ እዮም። ተኽሊ በለስ መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝፈርን ዝበስልን ኣዝዩ ተባሃጊን ምቁር ፍርያት እዩ፡፡ ፍርያት በለስ ንኽትበልዖ ዝያዳ መቐረቱ ዝፍለጠካ ድሕሪ ዝናብ ምውቅዑ ወይ ድማ ንጉሆ መሬት ገና ብዝሑሉ ምስ እትረኽቦ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዘ ምብላዑ ፉሉይ መዓዛ ስለ ዝህልዎ በሊዕካ ኣይትፀግቦን።

ተኽሊ በለስ ብዘይካ ንምግቢ ሰብን እንስሳን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጥቕምታት እውን ኣለዎ። ንኣብነት ብመልክዕ ፅማቝን ማልማላታን ተዳልዩ ዝበለጸ ምግብን መስተን ሰብ ከምዝኾነ ይግለፅ። ከምኡ እውን ልዕሊ 90 ሚእታዊ ትሕዝቶ በለስ ማይ እንትኸውን ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ንዘሎ መጠን ስብሒ “ኮሎስትሮል” ኣብ ምንካይ እውን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብር መፅናዕትታት ይሕብሩ። ብተመሳሳሊ ካብ ሕማም ድርቀትን ሕማም ጭዋዳታትን ዝከላኸል እንትኸውን ንዓቕሚ ምፅዋር ሕማማትን ንምስራሕ መድሓኒት ኢንሱሊንን “ሕማም ሽኮርያ” ከምዝጠቅም መፅናዕታት የገንዝቡ።

ኣብዚ ዓውዲ ዝተኻየዱ መፅናዕታት ከምዝሕብርዎ ፍርያት በለስ ኣርባዕተ መሰረታዊ ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎ የረጋግፁ፡፡ እቲ ሓደ ምስ ዕለታዊ ኣመጋግባና ተዛሚዱ ዝስመዐና ስምዒት ምቅፃል ሰብነት፣ ናይ ምጥፋእ ወይ ናምዝሓል ተኽእሎ ኣለዎ፡፡ እቲ ካልኣይ በለስ ብኣንቲኦክሲዳንትስ ዝሃፍተመ እንትኸውን ኣብ ውሽጡ ብሸሞንተ ዓይነት "ፍላቮኖይድስ" ዝተብሃሉ ንጥረ ነገራት ዘለዎ እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ሰብነትና ዝፍጠር ዘየድሊ ውህሉል ስብሒ ንምክልኻል ዘኽእል እዩ፡፡ ሳልሳይ ረብሓ በለስ ኣዝዩ ፅቡቕ ፍልፍል ካሎሪ ከምዘለዎ ይግለፅ፡፡ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ኩባያ ፍረ በለስ ልዕሊ 61 ካሎሪ ዝርከብ እንትኸውን ሓሙሽተ ነጥቢ ኣርባዕተ ፋይበር፣ ኣዝዩ ትሑት ስብሒ፣ 328 ሚሊ ግራም ፖታሽየም፣ 127 ሚሊ ግራም ማግኒዝየም፣ ቫይታሚን ኤ፣ ፎሊክ ኣሲድ ወይ ፎሌት “መድሓኒት ዋሕዲ ደም” ከምኡ እውን ብርክት ዝብሉ ዓይነታት ቫይታሚን ቢ ኣብ ውሽጡ ሒዙ ይርከብ፡፡

እቲ  ራብዓይ ረብሓ ልዑል ሃፍቲ ቫይታሚን ሲ ከምዘለዎ ይሕበር፡፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኩባያ ፅማቕ ፍረ በለስ ልዕሊ 21 ሚሊ ግራም ትሕዝቶ ቫይታሚን ሲ ኣለዎ፡፡ ብተወሳኺ በለስ ንምግብነት ዝጥቀሙ ሰባት ኣብ ውሽጡ ብዝርከብ ትሕዝቶ ቫይታሚን ሲ ዓቕሚ ምክልኻል  ተፈጥሮ ሕማም ከምዘለዎ ተረጋጊፁ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ በለስ ዝርከብ "ኮላጅን" ዝተብሃለ ንጥረ ነገር ንጥዕና ቆርበት፣ ንጉልበት መገጣጠሚ ዓፅምን ምንቅስቓስ ዋህዮ ሰብነትናን ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ካብ መርበብ ሓበሬታ lives trong.com ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡ በለስ፣ ቴክኖሎጂ እናሰፍሐ ብዝኸደ ቁፅሪ እቲ ውልዶ ገልዑን ፍረኡን ተቐሚሙ ብመልክዕ ፅሟቕ ክስራሕን ንካልኦት ምግብታት ክዉዕል ዝኽእል ኣዝዩ ጠቓሚ ምግቢ እዩ። ንኩለ መዳይ ረብሓ ተኽሊ በለስ ዝተረደኡ  ሙሁራን ድማ (Green Gold) ማለት ‘ውን ሓምለዋይ ወርቂ ብምባል  ይገልጽዎ

ፍርያት በለስ ምስ በሰለ ፍሪኡ ቀሪፍካ ዝብላዕ ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣፍልጦ ቴክኖሎጂ ብዝተሓወሶ ኣገባብ ምስ እንጥቀመሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ተዳልዩን ንምግቢ ሰብን እንስሳትን እውን ዝውዕል ተኽሊ እዩ። እንተኾነ ሰሕብረተሰብና ካብ ዕለታዊ ምግቡ ሓሊፉ ናብ ዘላቒ ፍልፍል ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያር ዘኽእል ስራሕቲ ከይተሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ፡፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብ1992 ዓ/ም ኣብ ከተማ ደውሃን ብሓገዝ “ፕሮጀክት ኣዳ” ፍረን ገልዕን በለስ ብመልክዕ ፅሟቕ፣ ማልማላታ፣ ጥብስን ብሽኩትን ብማሕበር ብዝተወደባ ደቂ ኣንስትዮ እናፍረየ ናብ ዕዳጋታት ዓዲ ግራትን መቐለን ንብምቕራብ ፈተነታት ዋላ እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ፀገም ምትእስሳር ዕዳጋ ስርሑ ጠጠው ከብል ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ድማ ብ 2008 ዓ/ም ብሓገዝ ትካል ልምዓት ኢንዳስትሪ ሑቡራት መንግስታት “UNIDO” “ፋብሪካ በለስ ዓጋመ ”ተጣይሹ እዩ፡፡

እዚ ፋብሪካ ከም ፅሟቕን ማልማላታን ዝበሉ ውፅኢት ተኽሊ በለስ ብምፍራይ ናብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮፓን ሰደድ ንምግባር ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ ዝርከብ እዩ፡፡ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ምፍራይ እንትሰጋገር ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ኣርባዕተ ቶን በለስ ዓቕሚ ምጥሓን ዘለዎ እንትኸውን ውሽጢ ፍሬኡ ድማ ንመመላኽዒ ዝውዕል ዘይቲ ንምፍራይ ዘኽእል እዩ፡፡ እቲ ትካል ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዘኽእል መረጋገፂ "ፅቡቕ ተግባር ሕርሻ" ምስክር ወረቐት እንትርከብ ሓደ ኪሎ በለስ ብኣርባዕተ ዶላር ንምሻጥ ትልሚ ኣለዎ፡፡ ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምህርቲ በለስ ንምዕባይ ንሓረስቶት ሓገዝ ብምግባርን ምርምር ብምክያድን ዝሓሸ ዓሌት በለስ ብምቕራብ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ ከምኡ እውን ውዱእ ምህርቲ በለስ ናብ ዕዳጋ ዓለም ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ዕግበት በለስ ውሽጢ ዓዲ ንምምላእ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዘሎ ስራሕ መካየዲ ፋብሪካ በለስ ዓጋመን መተሓባበሪ ኢንስቲትዩት በለስ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን ኣይተ የማነ ካሕሳይ ይገልፁ፡፡

Full Website