(መቀለ) 5-7-19 - መንግስቲ ክልል ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀርፅረሎም ዘሎ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ንምእላይ፤ ከምኡ እውን ስሉጥ ምዕባለ ንምርግጋፅን ዓሊሙ መሓውር መንግስቲ ካብ ጣቢያ ምቕያር ከምዝጀመረ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብርሚካኤል ኣፍሊጦም፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልልናን ሃገርና ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኩለመዳይ ፀገማት ነባሪ ህዝቢ ብቐረባ ንምፍታሕ ካብ ጣቢያ ጀሚሩ ብሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ዝተመሃረ ሓይልሰብን ኣቢሉ ሓዱሽ መሓውር መንግስቲ ይቕየር ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ነዚ እውን ህዝቢ እተን ጣቢያታት ባዕሉ ከመሓድርዎ ዝኽእሉ ዝተመሃሩ መናእሰያት ብምምልማል ስልጠና ክወስዱ ከምዝተገበረ እውን ሓቢሮም፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ምሉእ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዘይነበረ ቀዋሚ ምምሕዳር ጣቢያ ብምጥያሽ ምሉእ መዓልቲ ንህዝቢ ግልጋሎት ዝህቡ ኣባላት ምምሕዳር ከምዝተመደቡ ኣፍሊጦም፡፡

ኣስዒቦም እውን “ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ወረዳ ኣማሓዳሪ ናብ ጣቢያ ከይዱ ኣይሕምዙቖን፤ ኣየፈራርሕን ኣየጓጥጥን” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ቅድሚ ሕዚ “ህዝቢ ትግራይ ንዝሸሞ እዩ ክሰግድ ዝውዕል” ዝብል ቅርታ ከምዘብቅዕ ኣገንዚቦም፡፡ እቶም ኣማሓደርቲ መናእሰያት ብትደረጃ ትምህርቶም ካብ ዲፕሎማ ንላዕሊ ኮይኖም ኣብ ሰለስተ ዞባታት ጥራይ 75 ሚኢታዊ ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎም ከምዝተመደቡ ዝጠቐሱ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ኣብዘን ጣቢያታት ዝነፍዑ መናእሰያት ድማ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ክዓብዩ ዕድል ስለዘለዎም ደርጃ ብደረጃ ኣብ ወረዳ፣ ዞባን ክልልን ዘለው ኣመሓደርቲ ብምትካእ ንምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ብመሰረቱ ከምዝቕይርዎ ኣረዲኦም፡፡ እዞም ኣማሓደርቲ መናእሰያት ንዓሰርተ መዓልቲ ስልጠና ዝተወሃቦምን ምእንቲ ተሞክሮ ክረኽቡ እውን ዝተወሰኑ ነባራት ኣማሓደርቲ ምስኦም ዝሰርሑ ኮይኖም፤ ዛጊድ ካብቶም ዝሰልጠኑ ድማ ዝተወሰኑ ናብ ስራሕ ዝኣተው ከምዘለው ሓቢሮም፡፡ እዚ ሓዱሽ ምምሕዳር ጣቢያ ካብ ኣብ ክልል ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ጣቢያ ዘሎ ሕብረተሰብ እናተኸታተለ ብኣንፃር ዝተረኸበ ፅቡቕ ስራሕን ጉድለትን ዝፍትሽ ሓደ ጉጅለ ተጣይሹ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፡፡ ነዚ ኣሰራርሓ ንምሕጋዝ ድማ ኣብ ሕድሕድ ጣቢያ ቴክሎጂ ኢንፎርሜሽን ከምዝተኣታቶ ገሊፆም፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዝተጀመረ ቅኑዕ፣ ውፉይን  መገልገሊ ህዝቢ ዝኾነ ሰራሕተኛ ሒዝካ ኣብ እዋኑ ስሉጥ ውሳነን ግልጋሎትን ረኺቡ ክኸድ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ንጠቕላላ ልምዓት ትግራይ ኣዝዩ ዘሳልጥ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ “በዚ ጅማሮ’ዚ መንግስቲ ንምዕራይ ንሰርሕ ዘለና” ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፤ ቅድሚ ኩሉ ብትኹረት ዝረአ ጉዳይ ጥርዓናት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡  ምኽንያት እዚ እውን ሰብ ኣብ ጥርዓን እናወዓለ ብዙሕ ገንዘብ፣ ግዜን ጉልበትን ይጠፍእ ስለዘሎ፤ ከምኡ እውን ሰብ ካብ ስርሑን ልምዓትን ይተኣጓጎል  ስለዘሎ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡  ትግራዋይ ምምሕዳራዊ ጥርዓን እናሓዘ ብዝረብሕን ዘይረብሕን ብህልኽ ተለዓዒሉ ክሳብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኸደ ክሳብ 13 ብርኪ እናተጎዓዘ ጊዚኡ የባኽን ከምዘሎ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስሓበሩ፤ ነዚ ንፍታሕ ጥርዓን በዓል ጉዳይ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ብርኪ ውሳነ ረኺቡ ክዓርፍ ከምዝስረሓሉ ኣረጋጊፆም፡፡

http://woyengazeta.org/wp-content/uploads/2019/05/58857974_439621100175942_7298562420014841856_n-696x386.png ብዘይካ እዚ “ለብዘበን ኣብ ጣብያ ብኹለ መዳይ ርኡይ ለውጢ ነምፅእ ኢልና ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና” ክብሉ ዝሓበሩ ዶ/ር ደብረፅዮን፤  ህዝቢ ኣብ ምምሕዳር ጣቢያታት ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ክረክብ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ብተመሳሳሊ ትግራይ ከመይ ኢላ እንተተወደበት ዝበለፀ ትለምዕ? ዝብል ብነፃ ግልጋሎት ምሁራን ተጋሩ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣወዳድባ ዞባን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዳርጋ ተዛዚሙ ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣፍሊጦም፡፡ እዚ መፅናዕቲ እውን “ንትግራይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣብ ሓይሊ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከመይ ንቕይራ?” ብዝብል መበገሲ ሓሳብ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም፡፡ ብተወሳኺ ኩሉን ፀገማት ብምፅናዕን መፍትሒ ብምቕማጥን ትግራይ ዝበለፀ ከመይ ብምዕባለ ክትግስግስ ትኽእል? ዝብል ንቕድሚት ዝወስድ ሓሳባት ከምዝቐረቡ ሓቢሮም፡፡

ብሓፈሻ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ምእንቲ ክጠናኸር ፈለማ ውሑስ ሰላም ክረጋግፅ ኣለዎ” ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፤ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅብቑ ኩነታት እኳ እንተሃለወ ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ሓድነትና ዝሽርሽሩ ምልክታት ይረኣዩ ከምዘለው ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ብከባቢያውነትን ገለ ስምዒት ዝፈጥሩ ሓደሽቲ ኣጀንዳታት እናፈጠሩ ብቕርሺ ዝተዓደጉ ባንዳታት ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ሓቢሮም፤ ነዚኦም ድማ ህዝቢ ትግራይ እናተኸታተለ ውዲቶም ከምዘፍሽሎም እምነቶም ገሊፆም፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን “ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ምንጪ ኩሎም ፀገማት ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዮም” እናበልካ ዝግበር ጠቐነ ሕዚ እውን ከምዘይዛረየን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎን ዶ/ር ደብረፅዮን ኣመልኪቶም፡፡ ሓይልታት ትምክሕትን ፅግዕተኛ ምብስባስን ምንጪ ፀገማት ባዕሎም ሓቒፎሞ እናሃለው ብግልባጡ ንተጋሩ ምውንጃል ድማ መርኣያ እቲ  ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና ዘይተስተኻኸለን ምዃኑ ገሊፆም፤ ትርጉሙ ሕዚ እውን ፀላእትና ሕዚ እውን ከምዘይገድፉና ተረዲእና ሰላምና ተጠንቂቕና ክንሕሉ ዝዕድመና ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡ ነዚ ድማ መሓውር ፀጥታና ኣናጠናኸርና ህዝብና እናሳተፍና ክንረባረብ ክምዝግባእ ኣረዲኦም፡፡

ብኻልእ ገፅ “ትግራዋይ ኣብ መንግስቲ ፌዴራል በቲ ዝነበሮ ልዕልነት ስልጣን ተጠቒሙ ኣብ ልምዓት ፍልይ ተረባሒ ኮይኑ እዩ” ብዝብል ምስምስ መንግስቲ ፌዴራል ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ናይ ባቡር ይኹን ካልኦት ህንፀት መሰረት ልምዓት ጠጠው ምባሉ ዘሕዝን ተግባር ምዃኑ ዘፍለጡ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፤ ነዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ፍልጠቱ፣ ጉልበቱን ገንዘቡን አዋዲዱ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ልምዓት ዝገብሮ ምርብራብ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብዝሃብዎ መብርሂ፤ ኣብዚ እዋን ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታት “ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ መንግስቲ ፌዴራል እምበር ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣይተቐበሎን” እናበሉ ዝነዝሕዎ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ውፅእ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡ ኣስዒቦም እውን፤ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓፁ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እምበር፤  ከምቲ ንሶም ዝብልዎ “ወያነ” ኣይኮነን ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ሕዚ እውን በሪ ትግራይ ንኤርትራውያን ክፍቲ ከምዝኾነ ብምሕባር ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ብሰላም ክነብር፣ ሰሪሑ ድኽነት ክኣሊን ክምዕብልን ድልየቱ ከምዝኾነ ደጊሞም አረጋጊፆም፡፡ ሰላም ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ክምለስ ህወሓት ኣቐዲሙ ኢህወዴግ ንዝመርሖ ፌዴራል መንግስትን ይሓትት ከምዝነበረን ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ ክልቲኦም ሃገራት ብዝገበርዎ ስምምዕ ብፍላይ ርክብ ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ዶባቶም ምስተኸፈቱ ከምዝተወሓዋወሱ ይፍለጥ፡፡

Full Website