ኣማኑኤል ኣለማየሁ

መስከረም 2012

ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ መዋእል ናይ መብዘሕታአን ሃገራት ፈተና ከመይ ሃፈራዊ ምዕባለ ነምፅእ ኣዮ፡፡ ከም ሀገርና ዝበላ ብታሪኽ ብርክት ዝበለ ዘበን ዘቑፀራ ነገር ግን ርጉዕን ኣብ ምዕባለ መሰረት ዝገበረ ህንፀት ሃገር እናጀመራ እንዳፈረሰን ዝተፀገማ ዓድታት ሓያሎ ታሪኻውን እዋናዊን ፈተናታት ክሓልፋ ዘገድድን ኣብ ቅድሚኤን ንምስጋሩ ዝዕንቕፅ ሽግራት በቢእዋኑ የጋጥመን እዮ፡፡ መዋእል ናይ ወዲሰብ እንትንርኢ እንተለና ብመሰረቱ ሃገራት ክምስርት ዘገድደ መሰረታዊ ምክንያት ስስዐ ዝወልዶ ምቁፅፃር ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲ ዝዓለመ እዮ፡፡ ኣብ ታሪክ ወድሰብ ብድሌት ኣህዛበን ዝተመሰረታ ወይን ዝተመሰረተት ወላ ሓንቲ ሃገር የላን፡፡

ኩለን ሃገራት ዓለምና ዝተመሰረታ ብድሌትን ጉልበትን ገዛእቲ ( ውሽጣዊ ወይ ከዓ ባዕዳዊያን ) እምበር ህዝበን ተሓቲቱን ከመይ ክምስረታ ከመዘለወን ተሰማሚዑን ዝተፈጠራ ኣይኮናን፡፡

ድሕሪ ሓያሎ ናይ መግዛእቲ መዋእላት ግን ሰባታ ካብ ዝበፅሖም ምርር ዝበለ በደል ዝብገስ ኣብ ልዕሊ መስረቲ እተን ሀገራት ወይን ከዓ ኣተሓሳስባ ምስረታ ናይ እተን ሃገራት ብምዕማፅን ሰፊሕ ተጋድሎ ብምግባርን ዓይነትን ኣፈጣጥራ ሃገርነቶምን ብወሳነ ህዝቢ ንምዕራይ ይፍትና እየን፡፡ እዚ ፈተነ ዋላ እኳ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዝተሳኽዕ እንተዘይኮነ ከም እኒ ሲንጋፓር፣ቼክ፣ኢስቶንያ ወዘተ ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ዕግበት ሕብረተሰብን ብዘመላኽት መገዲ ህዝበ ውሳነ ብምግባርን ኣብ ተስፈአን ወሲነንን ሃገረን ኣብ ነበርተንን ዜግአንን ምዕባለን ዴሞክራሲን ኣምፂአን ይርከባ፡፡ ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ነቲ ዝተፈጠራሉ መገዲ ንድሕሪት ብምግዳፍን ወድዓዊ ናይ ዜጋታተን ፀገም ኣብ ዝፍትሕ ኣጀንዳ ብምስታፍን ናብ ህንፀት ሃገር እየን ታሰጋጊረን፡፡

ሓደን ብሕታዊን ዝበሃል ናይ ምሰረታ ሃገር ኣተሓሳሰባ ከምዘየለ ኩሉ እንኮ ናይ ሃገር ህንፀት መገዲ ዝበሃል ሓደ ዓይነት ናይ ሃገር መህንፂ ኣተሓሳስባ ( ስነ ሓሳብ ) ንኹለን ሃገራት ዓለምና ምጥቃም ኣይከኣልን፡፡ ህንፀት ሓንቲ ሃገር ብቐንዱ ኣብ ብዙሕነት ህዝባ፣ ባህልታታ፣ ደረጃ ትህቲን ዓቕሚ እቶትን፤ ኣብ ጂኮግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ፣ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ፣ ኣብ ሰላምን ብቐንዲ ድማ እትኽተሎ ናይ ሃገር ህንፀት ኣተሓሳስባን ይንጥልጠል እዮ፡፡ ኩለን ዝማዕበላ ሃገራት አብ ሓደ እዋን ልምዓታውያን መንግስታት ይውንና ኔረን እየን፡፡ እቶም ዝነበርወን ልምዓታውያን መንግስታት ገሊኦም መንግስታት ዘይ ዴሞክራሲያውያን ካብምዃኖም ንላዕሊ ፍፁም ኣረመኔታትን ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ እሞ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ እንስሳ እኳ ክፍፀም ዘስካሕክሕ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ብወራር ዝሓዝዎም ነባር ህዝቢታት ኣሜሪካ፣ኣውስትራሊያ፣ኒውዚላነድን ካናዳን ብምፍፃምን ብምጥፋእን ዝማዕበላ እንትኾና፤

Full Website