Back to Front Page

ንጹር ፖለቲካዊ መርገጺ ኣብይ ኣህመድ

ኣብ ኢህወዴግን ብኢህወዴግን ዓብዩ ኣንፃር ኢህወዴግ ዝኾነ

ገብረ ሥላሴ ኣርእያ

10 ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም

ብሓደ ገጽ ንቲ ግምባር ኢህወዴግ ኣብ ቁጽጽሩ ብምውዓል ጠጠው ዘብሎ ስኢኑ ዝደለዮ ናወሰነ ሰብ’ውን ናጣቐዐሉ ይቕፅል ኣሎ። ንዙይ ከም ዓብይ ዕድል ዝወሰዱ ከም ኣሜሪካን ሃገራት ኣዕራብን ድማ ኣብ ዕለታዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እዛ ሃገር ብቀጥታ ኢዶም ብምእታው ንረብሕኦም ብዝገልግል ገይሮም ናብ ዝደለዩዎ ኣንፈት ይመርሑዎ ኣለዉ። ሃገር ኣብ ሽግር ወዲቓ፣ በቢ መዓልቱ ናይ ዜጋታት ሂወት ናተቐጠፈ፣ ዜጋታት ካብ ክልል ናብ ክልል ምንቅስቓስ ኣብ ዘይኽእሉሉ ብርኪ በጺሖም፣ ደሓን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ናይዛ ሃገር ቁጠባ እውን ዛሕቲሉ እናሃለወ፣ ኢትዮጵያ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ተፈናቐልቲ ፎቖዶ በረኻ ተበቲኖም ኣብ ዘለዉሉ ኩነታት ኣብይ ኣህመድ ግን ቤተ መንግስት ንምሕዳስ ቢሊዮናት ናፍሰሰ ኣብ ዘለሉ ኩነታት ሙሁራን ኢና በሃልቲ ጽግዕተኛታት፣መንግስታዊ ዘይመንግስታዊን ሚዲያታት ገለ ዓርሰ እምነት ዘይብሎም ውድባትን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ድማ ዓይኖምን ዓሚቶም ኣእዛኖም ዓቢሶም ንሱ ዝበሎ ናደገሙ ይውዕሉ ኣለዉ ሃገር ግን ናብ ገደል ትጸድፍ ኣላ።

ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ፣ ንቲ ለውጢ ተባሂሉ ግን ኣንፈቱ ዝሰሓተ (ዝተጨወየ) ከይዲ ብምርዳእ ግልፂን ዘይግልፂን መርገፂ ሒዞም ንቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ መገዲ ጥፍኣት ኣብይ ኣህመድ ብምቅላዕ ዝቃለሱ ሓይሊታት፣ ሚዲያታትን ውልቀ ሰባት እውን ኣለዉ። ኣብይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽአሉ ዕለት ጀሚሩ ውግንንኡ ምስ መን ምዃኑ ግልፂ’ኳ እንተገበረ ኣብዚ ምድብ ዘለዉ ሓይሊታት (ብፍላይ ውድባት) እንተስ ክመሓየሽ ይኸውን ኢሎም ተስፋ ገይሮም፣ እንተስ ተወላወልቲ ድዮም ኮይኖም ዚሃር ዋንኡ ቀልጢፎም ናብ ምቅላስ ኣይኣተዉን። ይረአኹም እስቲ! እዚ ኣብ ኢህወዴግን ብኢህወዴግን ዓብዩ ኣንፃር ኢህወዴግ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ስልጣን ተቐቢሉ ኣብ ኦፊስ ዝኣተወላ መዓልቲ ብ VIP ደረጃ ናይ መጀመርታ ዑዱማት ዝገበሮም ንዶ/ር ካሣ ከበደ ሓዊሱ ፍሉጣት ናይ ደርጊ ሚኒስትራት ዝነበሩ ሰባት ምንባሮም ናራኣኻ፣ ንሕና ስልጣን ተዘይሒዝና ሃገርን ህዝብን ክነጥፍእ ኢና ዝበሉ ውድባትን ኣብ ሓደ ብሄር ምጽናት (ጀኖሳይድ) ዝኣወጁ ሚዲያታትን ኣብ ጎድኑ ከሰልፍ እናራኣኻ፣ ክልላት ናፍረሰ ናራኣኻ ኣብይ ኣህመድ ዝሓሸ ነገር ሒዙ ክመፅእ እዩ ኢልካ ምጽባይ ካብ ተመን ናይ ርግቢት እንቋቑሖ ምጽባይ ማለት እዩ። ሕልምልም እንትበሃል ድማ ስብ ንምድንጋር ዕድል ተረኺቡ።

እዞም ኣብዚ ምድብ ዘለዉ ሓይሊታት ዝሓዙዎ ተፃራሪ መርገፂ ብስለት ብዘለዎ ትንተነ ብምቕራብን ብሚዲያታት ኣቢልካ በቀፃልነት ብምቅላዕን ህዝቢ ክፈልጦ ኣብ ምግባርን ክግበር ዝነበሮ ፃዕሪ ኣዚዮም ብምድንጓዩ ኣብይ ኣህመድ ጠጠው ዝብሎ ሰብ ኣይተረኸበን። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ሽግሮም፣ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ሕገ መነግስቲ ብምጥሓስ ክልላት ብምድፋርን ብህዝቢ ዝተመረጹ ሹመኛታት ናውረደ ናቱ ዑሱባት ከሸውም እንተሎን ንቲ ፌደራል ሰርዓት ንምፍራስ ብግልጺ እንትሰርሕ ንቶም ፌደራሊስት ሓይሊታት ብእዋኑ ኣተሓባቢርካ ንምምካት ዝተገበረ ፃዕሪ ውሑዱን ኣዚዩ ዝዘንገዐ ብምዃኑ ኣብይ ኣህመድ ናይ ጥፍኣቱ ኣጀንድኡ ናብ ቀፃሊ ብርኪ ክብ ንምባል ዕድል ረኺቡ እዩ። እዚ ናተወላወለን ወይ ድማ ስልም ናበለን ኣንፃር ኣብይ ኣህመድ ጠጠው ዝበለ ናይ ፌደራሊስት ሓይሊታት ወገን ንርእሱ ጥርኑፍ ኣካይዳ ዘይፈጠረን ቀፃሊ ኣንፈቱ ዘይነጸረን ስለዝኾነ ዝገብሮም ድኽም ዝበሉ ምንቃስቓሳት ንዝርኢ ከምቲ ዝበሃል ተሸኒፉ ጸግዑ ዝሓዘ እምበር ህዝቢ ተስፋ ዝገብረሉ ሓይሊ ኮይኑ ክርአ ኣይከኣለን። ብሰንኪ መራሒኣ ዝኽተሎ ዝምቡዕ ኣካይዳ እታ ሃገር ኣቲያቶ ዘላ ኩነታትን ብእዋኑ ከቃልዕ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብይ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚ ክኸውን በቒዑስ፣ እቶም ንቃወሞ ኢና ዝብሉውን ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ተቐዳዲሞም በቢቴለቪዥኖም ኣጓዊሖምሉስ ድሮኳ ነይ መደመር ፍልስፍና ኢሉ መፅሓፍ ብምሕታም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን የባጭው ጀሚሩ።

እንታይ ይገበር

ኣብይ ኣህመድ ብዘይስኽፍታን ድፍረትን ፖለቲካዊ መርገጺኡ ንጹር ብምግባሩ ክምስገን ይግብኦ። እንተተጠቒሞሙሉስ ኣንፃሩ ጠጠው ንዝበሉ ሓይሊታት ዓብይ ዕድል እዩ። ኣብይ ብቶም ዝተጠቐሱ ምስኡ ዝወገኑ ሓይሊታት ዝተውሃቦ ኣጀንዳ እቲ ፌደራል ስርዓትን ክልላትን ኣፍሪስካ፣ ሕገ መንግስቲ ቀዲድካ ቀይርካ፣ ናይ ብሄር ውድባት ብውህደት ሽም ኣጥፊእኻ ሓንቲ ፕሬዚደንታዊ ስርዓት ዘለዋ ኣሃዳዊት ሃገር ምፍጣር እዩ። እዙይ ንምግባር ብግልጺ ተንቀሳቒሱ ብዘይስኽፍታ ድማ ይቕጽለሉ ኣሎ። እዚ ቅቡል ዘይኮነ ኣካይዳ ዝተቐናጀወ፣ ቀፃልነት ብዘለዎን ዝተወደበን ኣካይዳ ፈጢርካ ብምቅላስ ምስዓር ከምዝከኣል ጥርጥር የብሉን። ስለዚህ እቶም ካብ ልቦም ቀፃልነት ፌደራል ስርዓት ዝኣምኑ ውድባት ኩሎም ናብ ሓደ ክመፅኡን ኣጽዒቖም ክቃለሱን ምግባር የድሊ። ኣፍቲ ናይ ባዕሉ ውድብ ዘሎ ኣፈላላይ ወሳኒ በትሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። መንን ብኸመይን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ጥራይ እዩ ክሕሰበሉ ዘለዎ። ከምኡ ተዘይተገይሩ ኣብይ ኣህመድ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ንሓይሊታት ወፃኢ ብምሻጥ፣ ናይ ሃገር ሉዓላውነት ኣሕሊፉ ብምሃብን ግድብ ህዳሰ መጠኑ ብምቕናስን ብናይ ወፃኢ ሓይሊታት ተዓጂቡ ስልጣኑ ዘቐጽለሉ ኩነታት የመቻቹ ከም ዘሎ ግልጺ እዩ። ንዙይ ተረዲእኻ ቅድሚ እቲ ቀፃሊ መረጻ ምብፃሑ ተገሊፉ ክወጽእ ኣምሪርካ ምቅላስ የድሊ። እዚ ጉሒላ ሰብ ኣፍታ መረፃ እንተበጺሑ ግን ሃገራት ኣዕራብ ብዘፍስሳሉ ገንዘብ ድምጺ ብምስራቕ ኣብ ስልጣን ዝቕጽለሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ሽዑ ድማ ብስልጣን ሰኺሩ ሳዕቤኑ እንተይተርድኦ ብዝወስዶም ፖለቲካዊ ውሳነታት ንሱ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ጠ/ሚኒስተር ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብፌደራሊስት ሓይሊታ ዝግበር ቃልሲ ምእንቲ ኢትዮጵያ ንምድሓን ተባሂሉ ዘይኮነስ ምእንቲ ንቲ መስዋእቲ ተኸፊሉሉ ዝተፈጠረ ተነፃፃሪ ውሽጣዊ ሉዓላዊነት ንምድሓን ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢታት መፃኢ ዕድሎም ንምውሳን ዝግደዱሉ ኩነታት’ኳ እንተፈጢሩ እንተነኣሰ እቲ ዝነቓነቕ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ዓቂብካ ንዝዓሞቐ ፌደራሊዝምን ቁጠባዊ ዓቕሚ ክብ ንምባልን ናሰራሕኻ ምፅናሕ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ። እታ ድኽምቲ ፌደራል ስርዓት ብምህላዋ’ኳስ ከም ህዝቢ ክብርና ከይድፈር ኣብ ንግበሮ ቃልሲ ሓጋዚ ተራ ተፃዊታ ኣላ። ስለዚህ እቲ ፌደራል ስርዓት ክፈርስ ዘይኮነስ ብስሩዉን ናብ ዝዓሞቐ ፌደራላዊ ስራዓት ኣቲና ፖለቲካዊ ስልጣንን ቑጠባዊ ሓይሊን ንበይኑ ኣኪቡ ንኽልላት ዘይዕምጽ ፌደራላዊ መንግስቲ ክህሉ ተቢዕኻ ብዘይምውልዋል ምቅላስ እዩ።
Full Website