==============================

ፍሉጣትን ግዱሳትን ኣርቲስታት ተጋሩ ንቕዱስ ዕላማ ስራሕቲ ልምዓት ማልት ብምድጋፍ ንቖልዑ ኣሸንዳ ትግራይ ብምውካል ብዓል ዓሸንዳ “በብገዛና ኾይንና ብዓል ኣሸንዳ ንልምዓት ዓድና ነብዕሎ”ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምኻድ ጎና ጎኒ ምክልኻል ሕማም ቫይረስ ኮረና ኣሸንዳ እንዳበላ ማልት ኣብ

ኣሕዳሪ ዘይኾና ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ንግልጋሎት ብቑዕ ምግባር፣ ኣሕዳሪ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ሐዚ ካብዘለዎ ብርኪ ኣዝዩ ናብዝሓሸ ብርኪ ምስግጋርን ካልኦት ዋኒናትን ብምትላም እነሆ ኣብ ውዕይ ምሽብሻብ ትርከብ።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥን ወፃኢ ዓድን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ፆታን ዕድመን እንከፈለየ መርአያ ሓድነትን ሕብረትን ዝኾነት ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ እተሳልጦም ንዘላ ገዝፍቲ ፕሮጀክታት ንምዕዋት ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብገንዘብን ናውትን እናሓገዘ ይርከብ።

ኣሽንዳ ካብቶም ሕለገት ክብርታትን መግለፂ ሓድነትን፣ልግሲ፣ሓልዮትን ምሕዝነትን ዝግለፀሉ ባህላውን ሃይማኖታዊን ብዓል እዩ። ይኹን ' ምበር ብምኽንያት ምኽሳት ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ብዓል ኣሸንዳ 2012 . ም በቲ ዝተለመደ ድሙቕ ስነ ስርዓት ኣከባብራ ኣሸንዳ ከምዘይብዓል ይፍለጥ።

ኮይኑ ግና ኩርዓት ኩላትና ዝኾና አሓትና ኣርቲስታት ተጋሩ ዕላማ ማሕበረን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምድጋፍ ከክንዲ ቆልዑ ኣሸንዳ ትግራይ እቲ ብዓል ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምኻድ ብምብዓል ከባቢ ሄር ናእደኦም ዝገለፁ እንትኾኑ ብሽም ብዓል ኣሸንዳ ወፈያ ንዝገበሩ ትካላት’ውን ብሽም ማልትን ተጠቃሚ ህዝቢ ትግራይን ምስጋንኦም ብምግላፅ ርሑስ ብዓል ኣሸንዳ ንክኾነልና ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ተመንዮም።

ashenda-tda-news-0821201.jpg ashenda-tda-news-0821202.jpg

Full Website