ፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ብምትሕብባር ትገብሮ ዘላ ሓገዝ፤ ኩለ መዳያዊ ስብእናን ዓቕምን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ግደ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ኣብ ዝርከባ 15 ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 110 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም ተሓፃቢ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት፣ ሳሙና፣ ማንዋላትን ከምኡ’ውን ንመጠናኸሪ ክለብ ደቂ ኣንስትዮ መበገሲ ዝኸውን 450 ሽሕ ብር ኣረኪባ።

Full Website