ኣነ ንህዝበይ - ሰሜን ካሊፎርንያ

ካብ መዳለዊት ኮሚቴ ዝተውሃበ መግለፂ

ሳን ሆዜ, ካሊፎርንያ, ሕዳር 4, 2012 ዓ/ም:- ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ንህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግዜ እዩ ኔሩ:: ትምክሕተኛታትን ሚድያታቶምን ከምኡ 'ውን ሰበስልጣናት ናይቲ ሀዚ ዘሎ ፌደራል መግስቲን ንተጋሩ ከፅልምዎምን ሽሞም ከጥፍእዎምን ፀኒሖም እዮም:: ናይ ኩሉም ፀገማት እታ ሃገር ፈጠርትን ተቓወምቲ ለውጢን ተጋሩ እዮም ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ብምፍጣር ተጋሩ ብኻልኦት ህዝብታት ክፅልኡን ርእሶም ከድንኑን ቀፃሊ ዘመተ ተጌሩ እዩ::

ብምኽንያት ናይቲ ዘመተ ፅልኢ ድማ ብዙሓት ተጋሩ ግዳይ  ምፍንቓል, ቅትለትን ስራሕ ስእነትን ኮይኖም እዮም:: ናብ 120,000 ዝፅግዑ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ንብረቶም ራሕሪሖም ሂወቶም ንምድሓን ናብ ዓዶም ትግራይ ክመፁ ተገዲዶም እዮም:: ብዞም ዝተጠቐሱ ምኽንያታትን ካልኦትን ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ስራሕ ስእነት መናእሰይን ሓፈሻዊ ኢኮነሚያዊ ፅዕንቶን ወሲኹ ይርከብ::

ነዚ ኢኮነምያዊ ፀቕጢ ንምቅላል  ህዝብና አብዝገበሮ ፃዊዒት ሓገዝ, ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ነበርቲ ሰሜን ካሊፎርኒያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁፅርን ወነን መልሲ ክህቡ ክኢሎም ኣለው::

ኣብ ትግራይ ብዕውት መንፈስ ዝጀመረ ከምኡ 'ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝቐፀለ ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ  ብዝተፈጠረ  ርሱን ሓቦ, ንሕና 'ውን ሓድነትና ምስ ህዝብና ንምርኣይ ብዕለት ሕዳር 6, 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሳን ሆዜ ዕውት ዝኾነ ናይ ገንዘብ መታኣኻኸቢ ፕሮግራም ኣካይድና ኣለና::

እቱ ዝተኻየድ ወፍሪ ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ፍሉይ ዝገብሮ, ካብ ዓብይ ክሳብ ንእሽተይ መላእ ማሕበረሰብና ዝተሳተፈሉ ምኻኑ እዩ:: እዚ ናይ ገንዘብ ወፈያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዳር 6 ከባቢ $130,000.00 ቃል ተኣትዩ, መብዛሕትኡ 'ውን አብቲ ዕለት ክእከብ ኪኢሉ እዩ::ብሓፈሻ ከባቢ 300 አባላት ማሕበረሰብና ተሳቲፎም::

ካብቲ ዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብተወሳኺ, እቲ ኹነታት ኣብ ከባቢና  ፍሉይ ዝኾነ ናይ ሕብረትን ድልውነትን መንፈስ ንኽፈጥር ኣኽኢሉ እዩ:: እዚ ናይ ሕብረትን ድልውነትን መንፈስ ኣብ ከባቢና ብዙሕ ንኽንሰርሕ ዘኽእል ዕቑር ዓቕሚ ከምዘሎ መርኣያ ኾይኑ እዩ:: ብሓቂ ኣብ ወፃኢ ባዕሉ ዝኽኣለን ዘላቅነት ዘለዎን ማሕበረሰብ ምፍጣር ኣብ ትግራይና ንዘሎ ህዝብና ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዘየጠራጥር እዩ::

እቲ ውሩይ ተሓላቒ መሰል ደቂ ሰባት ዝነበረ ኣሜሪካዊ ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ ከም ዝበሎ  "ሓቀኛ ባህሪ ናይ ሓደ ህዝቢ ግልፂ ዝኸውን አብ እዋን ፈተናን ፀገምን እዩ"::  ስለዝኾነ, አብ ሰሜን ካሊፎርኒያን ከምእውን ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ተጋሩ ሎሚ 'ውን ከም ትማሊ ኣብ ህዝብና ንዝበፅሕ ፈተና ንምምካት አብ ጎኑ ጠጠው ኢልና ኣለና::

መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣነ ንህዝበይ ሰሜን ካሊፎርኒያ ካብ ማሕበረሰብና ዝተበርከተ ወፈያን ድጋፍን ካብ ግምትና ንላዕሊ ብምኻኑ ዝፈጠረልና ታሕኋስ ዝልዓለ እዩ:: ነዚ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ዕውት ንምግባር አብዝተገበረ ወፍሪ ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም አባላት ማሕበረሰብናን ፈተውቲ ህዝብናን ብሽም ህዝቢ ትግራይ ካብ ልብና ክነመስግነኩም ንፈቱ::

ኣርቲስት ተመስገን ዘገየ ምስ አባላት ባንዱ ከምኡ 'ውን ዲጄ ግርማይ እቲ ምሸት ፍሉይ ድምቀት ስለዝፈጠርሉ ካብ ልቢ ክነምስግኖም ንፈቱ

A group of people in a room

Description automatically generated A group of people in a room

Description automatically generated

Full Website