Back to Front Page

መልሲ ዘይብድሆ  በርቃዊ  ሕቶ

መጽሓፍ ኣቤል ጉዕሽ
ብተስፋ ስላሴ ገብረኣናንያ (Azmarino Hope)

መቐለ


ነዚ ክብል ዝደረኸኒ መቕርበይ ጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽ ዝጸሓፋ “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ?” እተሰምየት ማዕከን ግጥምታት ኢያ። ኣቤል ዘይሓትት ወለዶ ክብል እንከሎ ንምንታይ ዘይትሓቱ ዘይኰነስ ንምንታይ ዘይንሓትት ክብል ዝደለየ ይመስለኒ። ደሓር ከኣ ወለዶታት ዘይኰነስ ወለዶ ኢዩ ዝበለ። ወለዶታት ዝብል ቃል ሕሉፍ፣ህልዊ፣መጻኢ ዝጠምር ስለ ዝዀነ ኢዩ። ሕቶ ኣቤል ሳየነሳዊ ኢዩ እሞ ዝሓለፉ ወለዶታት ኣይወቅስን ኢዩ። ካብ ሕሉፋት ወለዶታት ብሰንኪ ዘይምሕታቶም ዝመጽኦም ሰዓብን ሳላ ዝሓተቱ ዘምጽእዎ ነጥበ መቐይሮ (turning point) ተሞክሮ ብምቕሳም ኢዩ ዝኸውን እብል።


መጻኢ ወለዶ ሰረት ወለዶ ሎሚ ክንዲ ዝዀነ ከኣ ኣብ ወለዶ ሎሚ ጐስጓስ ንምስላጥ ንመጻኢ ወለዶ ኸኣ ሕቶ ንምውራስ ብምባል ኢዩ። ንወለዶሲ ሓድጊን ሃብቲን እንበር ሕቶ ዶ ይውረስ ኢዩ ዝብል ሓታታይ ኣይክሰኣንን ኢዩ ሞ ናተይ መልሲ ድማ ወለዶ ዝሓደግካሉ ኢዩ ዚወርስ በሃላይ ኢየ። እንታይ ማለትካ ኢኻ? እወ ቅድም ቀዳድም ውርሻ ዝጸንሓካ ደኣምበር መሪጽካ ኣይትወርስን ኢኻ። ከምቲ መሪጽካ ዘይውለድ። ኩሉ ዝጸንሓካ ናይ ግድን ትወርሶ ኢኻ ማለት ከኣ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ዝጸንሓካ መሪጽካ ኢኻ እትወርስ። እቲ ሕቶ ግና ኣብቲ ወራሲ ዘይኰነ ኣብቲ ኣውራሳይ ኢዩ። እንታይ ኢየ ከውርሶ ኢሉ ክምርምር ይግባእ። ካብተን ውርሻታት ሓንቲኣ ሕቶ ስለዝዀነት ከኣ ንሕና ዘይመለስናዮም ሕቶታት መልሲ ንምንዳይ ሕቶ ክነውርሶ ኢና። ንሕና እውን ሕቶ ወሪስና ስለዝዀንና ጸረ ሕቶ ክንቃለስን ክንጽዕትን ኣለና።


ኩሉ ሕቶ ብመልሓስ ዝዝረብ ከም ዘይከውን እኣምን ኢየ። እቲ ምንታይሲ ሕልናኻ ይሓተካ ኢዩ። እንተስ ሸለል ክትብል ወይ ክትፍጽሞ እዝጊን ንስኻን ዋንኡ ግን ሰፍ ዘይብል ረዚን ሕቶ ኢዩ። ሕቶ ሕልና።


ዘይምሕታት ካብ ፍርሕን ነብሰ ምትሓትን ደሓር ከኣ ካብ ዘይምምርማር ኢዩ ዝምንጩ። ንኽትምርምር ድማ ክትረማረም ኣሎካ። ትምርምር ፣ ትሓትት ፣ ትፈልጥ በቃ እዚ ኢዩ ዑደት ሕቶ።


ኣቤል ኣብ መእተዊ ሓቲትካ ዘይምለስ ነገር ከም ዘየልቦ የተንበህ እሞ “ንሳ እታ ዓለም እንተዀነት እውን ብሕቶ እተፈጥረት ኢያ”  ይብለና። መሊሱ ኸኣ “ዘይሓትት ወለዶ ንዝዀነ ኣካል ዝውክል ኣይዀነን” ይብል። “…. እቲ ምንታይ ንዘይውክሎ ኣካል ስለ ዘይብሉ” ድማ  ይብል። ሓቂ ኢዩ ዓለም ብሕቶ ኢያ እትምዕብልን እትጥፍሽን እዚ ማለት ዓለም ኣብ ሓድሽ ሕቶ መመሊሳ ትኹላዕ ጓል ሕቶ ኢያ። ስለምንታይ ኢያ በይና ጸሓይ ኣብ ቀትሪ ነጊሳ ምሸት ዝጽልምት ኩራዝን ሽምዓን ዘይነብርዮም ኢሉ ንነብሱ ምስ ሓተተ ኢዩ ቶማስ ኢዲሰን ኣምፑል ምሂዙ ንዓለም ብኣርባዕተ መኣዝን ዘብረቓ። ክልተ ኣሕዋት አሊቨርን ራይትን ዊሊቨርን ራይትን ንምንታይ ኢና ብኣዕዋፍ፣ ረጋቢት ሕርር ኩምትር ንብል ንሕናኻ ክንፊ ዘለዋ ዑፍ ዘይንሰርሕ ስጋብ መዓስ ባይታ ባይታ ብሰማይ ከ ዘይንዕዘር ብምባል ንሕዮኦም ሳላ ዝሓተቱ እንድዮም ዓለም ካብን ናብን ኣብ ሓጺር እዋን ኪራኸብ ዝገበሩ።


ሕቶ ዝፈጠሮ ውጽኢት ምህዞ ክንደይ ኢልካ እሞ ክቚጸር።


ወለዶ ሎሚ ካብዚ ኪስቆረና ዝግብኦ ስለ ምንታይ? ኢሂ ንምንታይ? ምባል ክንለምድ ኣሎና። እዚ ከይንኸውን ንኸምዚ ከይንሳጣሕ ኢልና ንሰግእ እንተሎና ግና እቲ ንዓና ዝዝውረና ዘሎ ሓይሊ ንፍራሕ ንትባዕ ቅድሚ ምባልና ገለ ነገር ኣብ ልዕሌና ውሳኔን ብይንን ምውራዱ ሃቂኑሉ ኢዩ። መንእሰይ ሕቶ ምልዓል እንተጃጅዩ ዓበይቲ እንታይ ኪገብሩ። ደቂ ሕቶ ክነስና ካብ ሕቶ ኣይንህደም። ሰብ ዄንካ ካብ ሰብነትካ ምስ እትሃድም ወላ ካልእ ፍጡር ኣይትኹን ረቛሒ ሰብ ስለ ዘይተማልእ ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ። ኣቦታትና ክንደይ መባእ መጽዊቶም ክንደይ ሕቶ ተመሊሱሎም ኢዩ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ እነሆ ንዓና ኣውሪሶምና። ስለዚ ውርሻታትና ኣይንጸይቕ። ነቲ ስለ ምንታይ ኢኻ ከምዚ ትብል ኢሉ ዝሓተና ስለ ምንታይ ከ ኢኻ ስለ ምንታይ ከምዚ ትብል ትብለኒ ኢልና ንሕቶኡ ብሕቶ ንመልሰሉ። ማእለያ ዘይብሎም ዘይሓተትናዮም ሕቶታት ከይተመለሱ ከም ዝነበሩ ኣለዉ። እዞም ሕቶታት ጌና ስለ ዘይበጻሕናዮም ድዩ ወላሲ መልሲ ስለ ዘይብሎም ኢዮም ዘይተመለሱ። ምስቲ ገና ሓሽከት ነገራት ዘይበጻሕዮም ምህላዎም ዘይተበጽሐ ስለ ዚዀነ ጥራይ ይመስለኒ።
ከምቲ ኣቤል ዝበሎ ዓለም ብሕቶ ምፍጣራ ጥራይ ዘይዀነስ ብዘይ ሕቶ ክትነብር ከም ዘይትኽእል እሙን ኢዩ። ሕቶ ደው እንተበለ ምንባር ጠጠው ኢሉ ማለት ኢዩ።


ምንባር ማለት ባዕሉ ምሕታት ማለት ከይኰነ ኣይተርፍን ኢዩ። ተማሃሮ እንከሎና ንመምህር ብሕቶ ዘዋጥሮ ጸላኢና ኢዩ ዝነበረ። እቲ ዘስደምም ግና እቲ እንጸልኦ ተማሃራይ ብዝሓቶ ሕቶ ንሕና ንፈልጥ ምንባርና ኢዩ። ዘይምሕታትን ትም ምባልን ከም ጭውነትን ውርዙይነትን ኣብ ዝቘጸሮ ኣተዓባብያና ኣፍና ድንግል ዘረባ ክኸውን ዝምዕድ ኢዩ ዝነበረ። እንተዘይሓተትና ዓቃልን ዕጉስን ተባሂልና ንውደስ። ምስ እትሓትት ከኣ ኣንታ ነዚሲ እታ መልሓሱ ምቚራጹ ስለ እንበሃል ለፍላፊ ከይንስመ ሕቶ ንስከፍ። ኣቤል ናይዚ ጫፍ ክፍኣት ንምምላስ ዝፈተነ ይመስለኒ።

እስከ መንእሰያት ክንደይና ኢና ንዘፍቀርናያ ጓል ደፊርና እንሓትት። ገሌና እሞ ልብና ብውሽጢ ውሽጡ እናተኸኽና ዓፊንና ኢና እንሕዞ። ኣወዳት ብሰሪ ዘይምሕታት ክንደይ ኣጓሉት ኣምሊጠናኹም ? ኣዋልድ እሞ ምሕታት ባህልና ብዘይምዃኑ ዳርጋ ሓቲተን ኣይፈልጣን ኢየን። መልሓሰንን ልበንን በበይኑ ይዛረብ በበይኑ ይነብር። ውሽጥኻ ዝስመዓካ ከይትሓትት እሞ ኸኣ ፍቕሪ! ንከይንሓትት ዝእግድ ባህሊ እውን ኣለና።


ብሳደኛ (ማእከላይ) እናማጻእካ ጓልና ትብጻሕኩም ወድና ይብጻሕኩም እናተባህለ ብዘይ ፍቓድ መጻምድቲ ዘዋስብ ልምዲ እውን ኣሎና። ጅግናን ዓወትን ንምንታይ ንጭቆን ዝብል ሕቶ ዝወለዶም ኢዮም። ንሕና ዝሓተትናዮ ሕቶ ንዓና ማዕረ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕቶ ብብዙሓት ቀስትታት እተዓጀበ ብምዃኑ ዂናት ከሸኻኽል ተኽእሎ ኣለዎ። ዂናት ፈሪሑ ዘይሓትትን ትም ዝመረጸን ሰብ ግና ጽባሕ እታ ትማሊ ፈሪሕዋ ዝነበረ ኒኩለር ዄይና ስለ እትመጽእ ሓደጋኡ ዝበረኸ ይኸውን።


ኣብ መንበረ ስልጣን ተዀዲጩ መሰልካ ንዘየኽብረልካ ሕተቶ። ስቕ እንተበልካ ግና ጽባሕ ዘይምሕታት ግቡእካ ኢዩ ዝኸውን። ሓደ እዋን ኣብ ዝጸሓፍክዋ ግጥሚ ኣብ ሓንቲ ናዕታ "ስቕታ ሕየኹ እንበር ኣይትውሓጡ"እትብል ኢያ። ስቕታ ስዕረት ምዃኑ ኢያ እትገልጸለይ። እንተበዚሑ ከኣ እሞ ሞት ኢዩ። ኣቤል ዘይሓትት ወለዶ ኢሉ ክሓትት እንከሎ ቅድም ቀዳድም ክሓትት መሰል ስለ ዘለዎን ደሓር ከኣ ሕቶ ኣቤል ሰብ ርእሱ ክፍትሽ ዝጠልብ ዓቢ ኣዋጅ ሕቶ ብምዃኑ ወለዶ ክወቅስ ዘይዀነሲ ስቕታ ክሕየኽ እምበር ክወሓጥ ከም ዘይብሉ ንምእንፋት ኢዩ።እቲ ሕቶ ከኣ ሕቶ ኣቤል ጥራይ ዘይዀነሲ ሕቶ ኩላቶም ህሉዋት ኢዩ። "ሕተት ክትፈልጥ ህደም ክተምልጥ" ዝሕመረቱ ረዚን ሓሳብ ኢዩ። እንተዘይሓቲትካ ኣይትፈልጥን ኢኻ እንተዘይ ፈሊጥካ ሰብ ምዃንካ የብቅዕ ኣሎ። ድሕርዚ ትርጒም ህላወ መዓልቦ የብሉን። ስሌኡ ድማ ክንሓትት ኣሎና!


ኣብዛ መጽሓፈ-ኣቤል እተኸዘኑ ግጥምታት ነፍሲ ወከፎም ብሕቶ ዘንጸርጽሩን ንምንታይ ኢሎም ዘጉባዕብዑን ቅኔታት ኢዮም። ሕቶታት እውን ከም ሰብ ይሓቱ ኢዮም። መልሲ ዘይብድሆ ሕቶ ክብል ዝቐሰበኒ ጉዳይ ድማ ክትነቦም እንከሎኻ ብመልሲ ዝሽቑረርን ሕቶ ከምዘየልቦ ኢዮም ዚሰብኩ! ትርጒም ፍርሒ ዘይምሕታት ኢዩ! ምንጪ ፍርሒ ድማ ውድቀት ኢዩ! ከይንወድቕ ግና ንሕተት ዝብል ስምዒት ናብ ሕዮኻ ይኽዕዉልካ! እቲ በሃር ሳየነሰኛ ኣልበርት ኤንስታይን "እቲ ኣገዳሲ ነገር ምሕታት ዘይምቁራጽ ኢዩ" እትብል ብልጽቲ ኣበሃህላ ነበረቶ። መቕርበይ ገጣሚ ኣቤል ጉዕሽ እውን ንኣባሃህላን እሙንቶ ኤንስታይን ዝረዓሞ ይመስል።

Full Website