ብልሒ፣ ጥንቃቐ፣ ፃዕሪ፣ ኒሕ ዝሓቱ ኣዝዮም ኣገደስቲ 2 ሰሙናት!

ዘ ሴ  02-25-21

ብፍላይ ንዝቕፅሉ 2 ኣዝዮም ወሰንቲ ሰሙናት TMH ኮነ ካልኦት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብስፍሓትን ተገዳስነትን ዝነጥፉ ከም ኣሰና ዝበሉ መራኸብቲ ሓፋሻትና ዝበዝሑ ትሕዝቶታቶም ንናይ ፖለቲካ፣ ሕጊ፣ ወታደራዊ ፣ ቁጠባ፣ ጥዕና፣ ብዝበለፀ ድማ ናይ ካርታ ሰብ-ሞያ ክገድፉ ይግባእ። ብፍላይ ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ዕምቆት ዘለዎን ነቶም ዓለም-ለኻዊ ጋዜጠኛታት መበገሲ ክኾኑዎም ዝኽእሉ ትንታነን መብርሂን ዝህቡ ሰብ-ሞያ ኣዐርዮም የድልዩና። ብፍላይ TMH ኣብቲ ህዝብና ዝኾነ መማረፂ ዘይነበሮ እዋን ብሕታዊ ድምፂ ብምዃን ዝረኸቦ ብቐንዱ ካብ "እንኮነት" ዝነቅል ሰፊሕ ተቐባልነት ኣብዚ እዋን እዚ እኹል ብዘይምዃኑ ብፍላይ ንዝቕፅሉ ሰሙናት ፍሉይ ምትዕርራይ ክገብር ይግባእ።

ብፍላይ ነቶም ዓለም ለኻዊ ጋዜጠኛታት ከም ዓበይቲ እታወታት ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ካርታታት ብምድላው፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክካየድ ዝፀንሐ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ብቐረባ ክከታተሉ ዝፀንሑን ካርታ ናይ ምንባብ ክእለት ዘለዎምን ሰባት ኣዳልዩ መዓልታዊ "Traveller's Guide" ክብሃል ዝኽእል ምድላዋት ብቛንቋታት እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ከቕርብ ይግባእ።

እዞም ጋዜጠኛታት ናብቶም ብዙሕ ግፍዒ ዝተፈፀመሎም፣ ህዝብና ዝተሓረደሎም፣ ንብረትና ዝዓነወሎም፣ እኽልናን ገዛውትናን ዝተባርዐሎም ኸባቢታት ፤ ብፍላይ ናብቶም ሰራዊት ኤርትራ ዝርከበሎም ኸባቢታት ከይዶም እቲ ኹሉ ሓቂ ንዓለም እንተዘየቃሊዖምን ኣብ መቐለ ብዘሎ ደሓን ዝመስል ኩነታትን ብተዋስኦ ብልፅግናውያንን ዝተጋገየ ርድኢት እንተሒዞም ክልተ ሞት እዩ።

Videos From Around The World

እቶም ጋዜጠኛታት ብተወሳኺ ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ክፈልጡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፤

1. ህዝብና ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ወርሒታት ፍፁም መግለፂ ዘይብሉ ግፍዒን ጭካነን ሰጋህ ኢሉ ክዛረብ ክፅገም ከምዝኽእል፤ ስለዝኾነ እውን ኣብ ገጠራትን ገለ ከተማታትን ዘሎን ብሰንኪ ዝሓድሮ ናይ ፀጥታ ስግኣት ኩሉ ነቲ ሓቂ ከውፅእ ዝፅገምን ሰብና ናብ ኣንፃራዊ ውሕስነት ዘለዎ ኸባቢታት(ንኣብነት ናብ መቐለ) ብምውሳድን ድሕንነት ክስምዖ ብምግባርን ሓበሬታ ምሕታት፤

2. ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መብዛሕቲኡ ኸባቢታት ትግራይ ካብ ከተማታት ኣስታት 5-10 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ከምዝርከብ፤ እዚ እውን እቶም ጋዜጠኛታት "ናይ ፀጥታ ስግኣት ኣሎና" ብዝብል መመኽነይታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተታለሉ ከይዶም ብግብሪ ከረጋግፁ።

3. ኣብ ሓደ ሓደ ኸባቢታት ብፍላይ ሰራዊት ህግደፍ እቲ ኹሉ ፋብሪካን ንብረትን ወሪሩን ኣዕንዩን ምስወደአ ኣገዲዱ ነባሪ ህዝቢ ለባርዖን ልወረሮን መታን ክመስል ዝሰርሖምን ብቪድዮ ዝቐረፆምን ተዋስኦታት ከምዘለው ብምቅላዕ ብፍላይ ካብ ኣባላት ሰራዊት ዝርከቡ ናይ ሕሶት ቪድዮታት ተቐባልነት ከይህልዎም ምግባር፤

4. "ሓበሬታ ኣለና" እናበሉ እግሪ እግሪ እቶም ጋዜጠኛታት ዝስዕቡ፤ እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ዝኸዱዎ ኸባቢ ኹሉ ቕድሚት ዝርከቡ፤ ንተዋስኦ ሕሙማት መሲሎም ኣብ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ዓራት ሒዞም ዝርከቡ፤ ብዙሓት ቛንቋታት ኣቀላጢፎም ዝኽእሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መናእሰይ ሰልጢኖም ኣብ መቐለን ካልኦት እቶም ጋዜጠኛታትን "ክኸዱዎም እዮም" ተባሂሎም ዝግመቱ ኸባቢታት ተበቲኖም ከምዘለው ክፈልጡ ምግባር የድሊ። ብልፅግና ንዝሓለፉ ብዙሓት ሰሙናት ከምዚኦም ዝበሉ ደቂ ኣነስትዮ ዝበዝሐኦም ተዋሳእቲ መናእሰይ እናሰልጠነ እዩ ቐንዩ።

እቶም ጋዜጠኛታት ነዚ ሓቂ ክፈልጡ ጥራሕ ዘይኮነስ፤

- "ሓበሬታ ኣለና" እናበሉ እግሪ እግሪ እቶም ጋዜጠኛታት ንዝስዕቡ ደቂ ኣነስትዮ ዝበዝሐኦም ተዋሳእቲ  ከይሰምዑዎም፤

- ኣብ ዝኸዱሉ ኸባቢ ኹሉ ቐዲሞም ዝርከቡ እቶም ተዋሳእቲ ብምዃኖም ንዐኦም ከም ፍልፍል ሓበሬታ ከይወስዱዎም፤ የግዳስ ንዐኦም  ገዲፎም ናብ መንደራት ውሽጢ ኣትዮም ፣ ገዛ ገዛ ኣትዮም ባዕሎም ንዝመረፁዎም ፍልፍላት ክጥቀሙ፤

- ናብ ዝኾነ ትካል ጥዕና ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እቶም ክረኽቡዎም ዝግበሩ "ተሓከምቲ" ናይ ብሓቂ ተሓከምቲ ዘይኮኑስ "ተዋሳእቲ" ብምዃኖም ንዐኦም ሓሊፎም ናብ ካልኦት ተሓከምቲ፣ ናብ ካልኦት ክፍልታት፣ ዋርድታት  ከይዶም ንኻልኦት ተሓከምቲ ኸዘራርቡ....ከምዚኦም ዝበሉ ጥቆማታት ምሃብ የድሊ።

5. መንግስቲ ኢትዮጵያን ህግደፍን ብስም "ተርጎምቲ" ትርጉም ብምዝባዕ ሓበሬታ ንምዕፋን ኣሰልጢኑ ዝለኣኾም ከምዘለው ክፈልጡ ምግባር የድሊ። ስለዝኾነ እውን ኩሉ ምስ ህዝቢ ዝገብሩዎ ዕላል ኮነ ናይቶም "ተርጎምቲ" ትርጉም ከምዘሎ ቐሪፆም ክሕዙዎን ምስ ኣብ የመቐለ ዩኒቨርሲቲ ዘለውን ካልኦት ሃንደበት ዝረኽቡዎም ወለንታውያንን ክልተ ሰለስተ ግዘ ከመሳኽሩ፣ ኻልኦት ቴክኖሎጂታት እውን ክጥቀሙ ምሕባር የድሊ።

ምስዚ ብተዛማዲ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኾኑ መናእሰይ እውን ኣካል እቲ ትግራይ ናይ ምድሓን ቃልሲ ክኾኑ ምብርትታዕ የድሊ። ብፍላይ ቐፀልቲ 2 ሰሙናት ዝለዓል ንቕሓት፣ ውሕልና፣ ፅፈት፣ ብልሒ፣ ኒሕ፣ ህርኩትነት ዝሓቱ እዮም።

Full Website