Back to Front Page

ህዝቢ ትግራይ፥ ትማሊ ወያነ፣ ሎሚ ወያነ፣ ጽባሕ ወያነ!

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል 02-17-21

ወያነ ዝብል ቃል ጸርፊ ዝመስሎ ፍጥረት ቁጽሩ ቀሊል አይኮነን። ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ጽልኢት ዘለዎም፣ ቅንአት ገጾም ዘጸለሞ፣ ሽርሕን ተንኮን ከም መተርአስ ተተርኢሶም ዝሓድሩ፣ ለፍሊፎምን ደሪፎምን ዘይደኽሞም ዋጦት፥ ንህዝቢ ትግራይ ወያነ እናበሉ ምጽዋዕ፥ ህዝቢ ትግራይ ዘዋረዱን ዘናሸዉን ‘ዩ ዝመስሎም። ሰባት፥ ንህዝቢ ትግራይ ወያነ! እናበሉ ከም መስቲካ እናሓየኹና ዝውዕሉ፤ ወግሐ ጸብሐ ወያነ ወያነ ወያነ! እናበሉ ክራገሙን ክጻረፉን ውዒሎም ዝሓድርሉ ምኽንያት ካሊእ ስለዘይኮነስ ወያነ ማለት፥

ትማሊ ንጃንሆይን ንደርግን፤ ሎሚ ንሞኾስን ንመሽረፈት፥ ዘይተሓዝን ዘይልሓስን፣ ዘይትንከፍን ዘይሕለፍን ነበልባል ሓዊ ስለዝኾኖም፤

v ንሻዕቢያ እውን እንተኾነ፥ አብ ማይ ውዑይ ከም ዝአተወት ደርሆ ፍርፍር ስለዘብላን ስለዘለፋልፋን፤

ህዝቢ ትግራይ ከም ርጋጽ ባናና ረጊጾም፥ ሰንካቲ እንጀሮኦምን ሓጻቢ ኽዳኖምን ገይሮም፣ ጎብለላት ዓዲ ናይ ምኻን ሕልሚ ዝነበሮም ሰንካላት ዓካዓካሪቶም ሰይሩ ሕልሞም ሕልሚ ደርሆ ገይሩ እናምቡሃቑ ኽውዕሉ ስለዝገበሮም፤

v ብሰሜን ኮነ ብደቡብ ንዝመጽእ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ፥ ዕሾኽ ዘይዕገስ፣ ወረጦ ኾይኑ መቕመጢ ስለዘስኣኖም፤

ናይ ክተት ነጋሪት እንትንፋሕ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ጨርቀይ በትረይ እንተይበለ ሓዲ ህዝቢ ሓደ ልቢ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ከም መብረቕን ነጎዳን ስለዝወርድ፤

v አርዑት መግዛእቲ፣ ባርነትን ሕስረትን፣ ውርደትን ልመናን ስለዘይቕበል፤

v ብሽርሕን ተንኮልን ጸላእቱ ስለይፍታሕ፤

v ነተን አለምቲ ነገር ሐደ ብሐደ እናለቐመ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ስለዘብለን፤

v ብፈኸራን ጃህራን ናይ ትምክሕቲ ሃይሊ ስለዘይደሃል፤

v ንጸላእቱ ብማይ ‘ውን እንተኾነ ዘይወሐጥ ክኒን ስለዝኾኖም፤

v በትሪ ወያነ ንጻላእታ ዘይትምሕር በትረ ሙሴ ኾይና ህዝባ ስለተሻግር፤

v ኣብ ዝወዓሎ ግንባር ጸላእቱ ብዘይ ሰዳዲ ወረ ስለዝለቅም፤

v ስፍርን ቁጽርን ንዘይብለን ረሳሓት ሃመማታት ፍሊት ስለዝኾነ፤

ቁርዲድ ዘይጠብቀና መድሓኒት ቡዳታት ስለኾናን ብዘይ ዕጣን ጨርቆም ኣደርቢና ሐይ እናበለና ስለነጉረዖም ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፥ ወያነ ማለት ናቱ አሕሊፉ ዘይህብ ናይ እንዳማቱ ዘይደሊ፥ ንቑሕ፣ ሓላዊ ዓዱ፣ ሃሊሉ ንዝመጸ አድግን በቕልን ድማ ዘየናሕሲ ህዝባዊ በትሪ ማለት ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ወያነ! እናተብሃለ መዘራረቢ ዛዕባ ዝኾነሉ ምኽንያት ኻሊእ ዘይኮነስ ስረ ትግራዋይ ነቶም ከም ገረዌና ዓጀውጀው ዝባህሎም፤ ጃህራን ፈኸራን ዝመለለዪኦም መድሓኒት/ፈውሲ-ዓሶ ስለዝኾነ ‘ዩ። ሕማሞም ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ወያነ ‘ዩ! ዘብሎም ዘሎ። አወ! ነፍሲ-ወከፍ ትግራዋይ ወያነ ‘ዩ። አነ ወያነ እየ! ዓቓቢት ትኹን አበምኔት፣ ቐሺ ይኹን ሼኽ፣ እስላማይ ኮነ ክርስትያን፣ አስብአይ ይኹን ሰበይቲ፣ ቆልዖ ይኹን ሽማግለ፥ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ፥ ንመግዛእቲ ዘይንብርከኽ፣ ዘይተሓዝ፣ ዘይዳነ፣ ንጻላእቱ ዘየናሕሲ፣ ንኽብሩን ንህልውናኡን ዘይድቅስ ሕንጊድ ማለት ‘ዩ። ወይልኦል አውያት ንዝለመዱ ድ’ምበር፤ ትግራዋይ፥ ንጸርፍን ንደርፍን ጊዜ ዘይብሉ አብ ስራሕ ዝአምን፣ ታንክን መትረየስን ናብ ማዕጺድን ማሕረሻን ቀይሩ ጎበታት ፍሒሩ ዘልምዓ ተቓላሲ ህዝቢ ‘ዩ። ፈትሊ ሓቂ ትምንምን ድ‘ምበር ኣይትብተኽን! ከም ዝበሃል፤ ናይ ጊዜ ጉዳይ ጥራሕ ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ድ’ምበር፤ ዓወት ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ያ። ትግራዋይ ብቓልሱን ብመስዋእቲ ደቁን ዝሃነጻ ትግራይ ብወረ ዘይኮነስ ጻላእትና ዓይኖም እናረኣየ ዳግም ብደሙ ደው ከብላ ‘ዩ።

ሕለያ ዘይበልዎስ እግሪ ሓማተይ ቀጠነ በለ

ትርጉምን ምስጢርን ወያነ ትግራይ! ማለት ብመጠኑ ካብረአና፤ ህዝቢ ትግራይ፥ ትማሊ ወያነ፣ ሎሚ ወያነ፣ ጽባሕ ወያነ! ‘ዩ። እዚይ ጽጹይ እምነት ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ዘይትወሓጠሉ፥ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ፣ መንግስቲ ይኹን ህዝቢ እንተድኣ ሃሊዩ መንገዲ ጨርቂ ይግበረሉ። ሕለያ ዘይበልዎስ እግሪ ሓማተይ ቀጠነ በለ! ሰባት፥ እንታይ ግበሩልና ዝበልናዮም ይመስሉ ውራዮም ገዲፎም ውራዮም ዝገብሩና። ቃልስና ክኽቃለሰልና ዝሐተትናዮን ዝለመናዮን ህዝቢ የለን። አይንውዕሎን ድማ። ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ትግራይ ብደምና ደው ክነብላ ኢና። ንትግራይ ወሪራ፣ ሀብትን ንብረትን ትግራዋይ ወሪሳን ኣዕንያት ብሰላም እትድቅስ ዓዲ ክትህሉ ‘ያ ማለት ዘበት። ከረብርቡና ድዮም ክነረብርቦም ውሉዳ ትግራይ ክወርር ውጽዩ ዘይተመለሳ አዶ ትመስክር። ለሚና ድማ ዘይኮነስ ላሽ ምሰበልናዮም እታ ዝተረፈቶም፤ ተሸራሪፋ ዝተወደአት ነፍሶም ሒዞም መጺኦም ንመያየጥ ክብሉና ‘ዮም። ከምታ ዝጀመርዋ ክንውድኣ ኢና። እዚ ኹሉ ሓሊፉ ጻባሕ ንእትፍጠር ዓዲ ድማ ክሳዱ አድኒኑ ዝኸይድ ትግራዋይ ዘይኮነስ ብስርኡን ብመሰዋዕትነቱ ዝተኸብረ ዘይድፈር ረዚን ህዝቢ ክንፈጥር ኢና።
Full Website