Back to Front Page

ዋካ ብርሃነ 05-18-21

ኣሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከም ተቓላሳይ፣ ዒስራን ትሽዓተን ዓመት ከም መንግስቲ ንትግራይ ዝመርሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝመጾ መንገዲ ስኽን ኢልካ፣ ቕንዕናን ጨብጥን መሰረት ዝገበረ ገምጋም ምግባር ንቡር እዩ፣ መሰል ዜጋ'ውን እዩ።

እዚ መበገሲ ገይሩ ቑጽሩ ዘይናዓቕ ትግራዋይ ሙሉዕ ይኹን መጋምገ፣ ሃናጻይ ይኹን ዘይሃናፃይ፣ ድግፍ ይኹን ተጻብኦ፣ ዝመስሎ ብዝተፈላለየ ኣግባብ ሓሳቡ እንዳገለጸ መጺኡ፣ ሐዚ'ውን ይገልጽ ኣሎ። ዝቀረበን ዝቐርብ ዘሎን ኩሉ ጨብጢ መሰረት ዝገበረ እዩ እንተዘይተባሃለ ብዝኾነ መዕቀኒ ግደፍ፣ ኣፍካ ሓዝ ክበሓል የብሉን፣ ክተባባዕን ክድግፈን እዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ህንጸት ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ መዋእል ተሰሪሑ ስለ ዘይውዳእ፣ እንዳወደቕካን እንዳተሳእኻን፣ ብሱሉን ጥረን እንዳመመኻን ካብ ህሉፍ ጌጋኻ እንዳተመሓርካን ብናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣብ እተናወሐ ጉዕዞ ዝሳኻዕ ገዚፍ ናይ ሕብረተሰብ እማም ስለዝኾነ ይጥቀም ኣይጥቀም ተፈላለየ ሓሳብ ብጸጋ ካብ ምትእንጋድ ካልዕ መማረጺ የለን።

ሓደ ህብረተሰብ ተፈላላየ ሓሳብ ክምህዝ እንድሕር ዘይኺኢሉ፣ ናይ ውድቀቱ ፈላማይ ስዳሮ ምስዳር ጀሚሩ ኣሎ ማለት እዩ። ልክዕ ከም ዓባይ ዳዕሮ ሰራውራ ደኺሙ ክትረኽቦ ዝግባእ ቀለብ ከይረኸበት ተሪፋ ኣብ ከይዲ ደሪቓ ራዕ ኢላ ትወድቕ፣ ህብረተሰብ'ውን ሓዱሽ ሓሳብ እንዳመሃዘ ካብ ትማሊ ተማሂሩ ሐዚ ዝሓሽ እንተዘይገይሩ፣ ካብ ሐዚ ተማሂሩ ጽባሕ ዝሓሸ ክኸ'ውን እንተዘይጽዒሩ፣ መጻኢ ዕድሉ ዕድል ዝወደቕት ዳዕሮ ከምዝኸውን ዘተሓሕት ኣይኸውንን። ተፈላለየ ሓሳብ ንሕብረተሰብ ጸጋ'ምበር ሓደጋ ኾይኑ ኣይፈልጥን፣ ንቅድሚት'ውን ሓደጋ ኣይኸውንን። ስለዙይ ምምሃዝ ሓዱሽ ሓሳብ ምልክት ጥንካረ፣ ምልክት ተጻዋራይነት፣ ምልክት ስልጣነ ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ። ኣብዛ ብውድድር ተወጢራ ዘላ ዓለም ከም ሰብና ክንበር እንተኾይና'ውን ምህዞ ሓዱሽ ሓሳብ ግድን እዩ ዝኸውን።

ግን ድማ ተፈላለየ ሓሳብ ጸጋ ዳኣ ይኹን'ምበር፣ ኩሉ ቦታን ስዓትን ኣግባብን ኣለዎ። ንሕብረተሰብ ዝጠቅም፣ ንሕብረተሰብ ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ቀጻላይ ምዕራፍ ከሰጋግር ዘኽእል ትሕዝቶ ዘለዎ ሓሳብ ኣብ ዘይቦትኡን እዋኑን እንድሕር ቀሪቡ፣

1) ስኣን እዋንን ኩነታትን ዘይምምራጽ ዝተበገሰሉ ዕላማ ከይወቕዐ ይተርፍ፣

2) እዋንን ኹነታትን ኣብ ግምት ዘይእቱ ሓሳብ ኣብ ክንዲ ጸጋ ኾይኑ ንሕብረሰብ ዝጠቅም ዕዳ ኾይኑ ተረደኦን ዘይተረዶኦን ናብ ስሓቦ ጎተቶ ይኣቱ። ስለዙይ ሓሳብ ምቕራብ መሰል እዃ እንተኾነ ንሕብረተሰብ ብዝጠቅምን ብዘገልግልን ሓላፍነት ብዘለዎ ኣግባብ ክቐርብ ኣለዎ። ብእንተ መሰል ተባሂሉ ኩነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘይእተወ ዝዝርጋሕ ሓሳብ ካብ ረብሕኡ ጉድኣት ከይብዝህ ስኽፍታ ኣለኒ።

እዚ ከም መእተዊ ካብ በልኩ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስም ዘጸዓት ዝፍለጥ ሓውና ዶ/ር ጎይትኦም ኣራጋዊ ዘቕረበ ጽሑፍ " ኣብ ጉዳይ ትግራይ ናብ ምዕራባውያን ታይ ሒዝና ንቕረብ " ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕብራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ፣ ኣነ'ውን ዕድል ገጢሙኒ ኣንቢበዮ።

ቅድም ቅዳድም ሓውና ዘጸኣት ዝመስሎ ሓሳብ ብጽሑፍ መልክዕ ናብ መነበብቲ ምቕራቡ ከመስግኖ እደሊ። ኣስዕብ ኣቢለ ኣብ መብዛሕትኦም ዘቕረቦም ጽሑፋት ንሓደ ከባብን ንሓደ ስድራቤትን ዕላማ ብምግባር ፀገም ትግራይ ከም ዘይፍታሕ ኣስተባሂልካ ድኻምካን ጻዕርኻን ፍረ ክረክብ ካብ ዕንክሊል ፖለቲካ ጽልኢ ሓደ ከባብን ቤተሰብን ውጽእ ኢልካ ምኹንይ ሓሳብ ክተቕርብ እላወበካ።

ብዝኾነ፣ ናብቲ ዋኒን መምጽእየ ክምለስ።

" ዲፕሎማሲ" ብናተይ ርዲኢት ኣብ መንጎ ሃገራት ርኽብ ዝፈጥር ኾይኑ ብብሕታዊ ልዝብ ይኹን ብቑሉዕ መንገዲ ሃገራት ረብሓ ሃገረን ከረጋግጽ ዘኽእል ሰላማዊ ኣድማሳዊ መስርሕ እዩ። ከም ከማይ ጽሑፍ ዘጸዓት ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ፣ ትግራይ ኣብ ዲፕሎማሲ ርክባ እንታይ ሒዛ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ትቕረብ፣ እንታይ ተብርክት፣ ሕብረተሰብ ዓለም ከ ንትግራይ እንታይ ይሕብ ዝብል ኣቀራርባ ዝሓዘ እንተዝኸውን ንተመረጸ። ኣይኮነን፣ ፍልይ ብዝበለ ኣቀራርባ ስለዝቐረቦ ቅድሚ ሪኢቶ ምሓበይ እዘን ዝስእባ ሕቶ ክሓትት ዘጸዓት ኣፍቅደለይ።

1 - " ትግራይ ናብ ምዕራባውያን ታይ ሒዛ ትቕረብ " እንትትብል እንታይ ማለት እዩ? ንምንታይ ንምዕራባውያን? ክልኦት ከ? ንምንታይ ከ ትግራይ ብፉሉይ ንምዕራባውያን ከም ገጸ በረከት ምቕራብ ተድለየ? ጸገም ትግራይ ጸገም ኣይዶሎጂ ዶ ስእነት ሰናይ ምሕደራ? ስእነት ተጠያቕነትን ግልጽነትን? ስእነት ናይ ሕጊ ልዕልነትን ጽበት ፖለቲካዊ ምሕደራን?

2 - " ስግግር መንግስቲ ንትግራይ " እንታይ ክንረክብ? ናይ መን ድልየት? ጓቑሜን 4, 2012 ልዕሊ 2.3 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ዝመርሖ መንግስቲ መሪፁ ድሕሪ 54 መዓልቲ ንምንታይ መንግስትኻ መረጽካ ተባሒሉ ኣብ ልዕሊኡ ዅናት ተኣውጅዎ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊኡ ደማዊ ዅናት ይካየዶ ኣሎ።

"ስግግር መንግስቲ" የድል ዶ ኣየድልን ዝብል ይፅንሓለይ ምስ ኮነ ክዛረበሉ። ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ናይ መን ድልየት እዩ ዝብል ግን ምርኣይ ኣድላይ እዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ ከይንብሎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ትግራዋይ ከም ንህቢ ኣሲሉ ኣንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ህዝቢ ዝመረጽክዎ መንግስተይ ብዅናት ኣፍሪስኩም ልዕላዊ ግዝኣት ትግራይ ወሪርኩም ንብረተይ ከቲርኩም ደቀይ ቀቲልኩምን ዓሚጽኩምን ኣብ ትግራይ ኣይትነብሩን ኢሊ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን ብሕጓ "ስግግር መንግስቲ ትግራይ" ዝብል ኣጀንዳ ናይ መን እዩ? ዘይሕጋዊ ዕልዋ መንገስቲ ዶ ኣይኮነን? ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብይ ኣህመድን ኣምሓራን ህወሓት ዘይብላ ትግራይ ክሪኡ ዘይገበርዎ ግፍኢ የለን። ዘጸዓት'ውን ህወሓት ዘይብላ ትግራይ ክትርኢ ነዊሕ ኢኻ ጽዒርካ። ኣጋጣሚ ዶስ...... ?

ናይ 2.3 ሚሊዮን ድምጺ ጓዕጺጽካ፣ ኣብ ልዕሊ 2.3 ሚሊዮን ናይ ህዝቢ ድምጺ "ስግግር መንግስቲ ትግርይ" ክትምስርት ምህቃን በየናይ ሕጋውን ሞራላውን?

ኣብ መኸተ ትግራይ ኣባላት ህወሓት፣ ውናት፣ ባይቶና፣ ሳልሳይ ወያነን ናብ ሜዳ ወሪዶም ኣንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ ቃልሲ ኣብዘካይድሉ፣ ምስ ኣይናይ ናይ ትግራይ ውድብ "ስግግር መንግስቲ ትግራይ" ክትምስርት ደሊኻ?

3 - ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ብረት ዝሓዘ ተጋዳላይ ጥራሕ ኣይኮነን። ዕላማ ተሓንገጠ'ውን እዩ። ብመስዋእቱ ከረጋግጸን ተበገሰለን ዕላማ፣ ብህዝቢ ተመረጸ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ምምላስ፣ ሉእላዊ ግዝዓተ ትግራይ ምኽባር፣ ሓገረ ትግራይ ምውሓስን ህላወ ትግራይ ምርግጋጽን እየን። መንግስቲ ትግራይን ወታደራዊ መራሕትን ሓበራዊ ኮማንድ ፖስት ይመርሑ። እዚ ኮይኑ እንተሎ እት ሓቂ ኣብ ጽሑፍካ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ናይ መጀመርያ ክልተ ወርሒ ዅናት ስለዝፈረሰ መንግስቲ የለን፣ TDF እዩ ዘሎ ትብል። ሕጋውነት መንግስቲ ሰብ እንትስዋእ ዝፈርስ ሰብ እንትሕሉ ዝቕጽል ተጌሩ ድዩ ክውሰድ ዘለዎ? እት ቁልፊ ጉዳይ መንግስቲ ኣይፈረስኩን ኢሉ ይቃለስ ኣሎ፣ ህዝቢ ዝመረጽክዎ መንግስቲ እዩ ዝመርሓኒ ኢሉ ይቃለስ ኣሎ። መንግስቲ ንህዝቡ ኣመራርሓ ይህብ ኣሎ። መራሕቲ ዓለም ነቲ ብቤት ምኽሪ ህዝቢ ተመረጸ ፕረዚደንት ከም ፕረዚደንት ተቐቢሎም ኣብ ጉዳይ ትግራይ የዘራርብዎ ኣለው። ኣነ'ውን እዚ ሓቂ ተቐቢለ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተስሊፈ ኣለኹ፣ እዚ ከመይ ትርእዩ?
Full Website