Back to Front Page

እዚኦም እናሃለዉ ዲና ንሕና ሸይጣውንቲ ተባሂልና!

(ጥሜት ህዝብና ጊዜ ዝህብ ኣይኮነን)

ኾኾየ - ካብ ትግራ#4845;

10-05-21

“ሰብ ብእኽሊ እዩ ጠጠው ዝብል” ዝብል ኣባህላ ወለድና ወድዓዊ ሓቂ እዩ። ሰብ ብዘይ እኽሊ ሱር ዘይ  ተኽሊ ኾይኑ ስቓዩ እዩ ዝርኢ። ህዝብና ድማ ገጢምዎ ብዘሎ መንግስታዊ መንከራ ዘሪኡ ከቡቅል፣ ኣብቊሉ ክዓጽድ፣ ዓጺዱ ከኺድ፣ ኣኺዱ ክሓፍስ፣ ሓፊሱ ከጥሕን፣ ኣጥሒኑ ክስንክት፣ ሰንኪቱ ክበልዕ ኣይከኣለን። ከተማ ዘሎ ድማ ከይነግድ መንገዲ የለን፣ ከይሽምት ባንኪ የለን፣ ከይሰርሕ ስራሕ የለን ኮይንዎ “ምንብ ዝብላዕ የብልናን” ይብል ኣሎ።

ኣዴታት ትግራይ ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ምኳነን ከይኣክል “ንደቅና ነብልዖም የብልናን” ምባለን ልዕሊ ሂወተን ሂወት ደቀን ኣተሓሳሲብወን “ኣይተሃሎ” ዝኾነ ናብራ ከምዘለዋ ምርዳእ ይከኣል። ብጥሜት ዝወደቐት ኣዶ ውላዳ እንትጦብያ ዘርኢ ፎቶን ቪድዮን ተጋሩን ትግራይን ምርካብ ሓዱሽ ኣይኮነን፣ ግን ክንደይ ከምዘሕዝን። እቱ ዘሎ ሽግር እንታይ እዩ ንዝብል ግን እቱ ሽግር ንምግላጽ ስለዝኸብድ ምርዳእ ኣይከኣልን። ካብ ባሕሪ ብማንካ እዩ እዙ ኹሉ ጻዕሪ፣ እምበር ግፍዒ ህዝብና ውቅያኖስን ባሕሪን ምኳኑ ክርሳዕ የብሉን።

ኣብ ትግራይ ጉዳይ ኣድሂቡ ናይ ስደተኛታት ድርጅት (Refugees International) ዘውጸኦ ሪፖርት ከምዘረደኦ ሰፍ ዘይብል መንግስታዊ ጥሜት ኣብ ኣርበዓ ዓመት ክልተ ጊዜ ከምዝተፈጠረ እዩ። እዙ መንግስታዊ ጥሜት መልክዑ ዝስፈርን ልክዑ ዝፍለጥን ኣይኮነን።ማንብ እውን ከም ድሌቱ ዝረአየን ዝሰምዐን የለን። እቱ ብጣዕሚ ዘሕምም ነገር ኣብ ትግራይ ዝኾነ ነገር ገና ዘይተፈለጠን ዝተደፈነ ሓዊ ምኳኑን እዩ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም እውን ንበይኑ እዩ። ንመገዛ ህዝቡ ዘውርርን ዘዝርፍን፣ ንብረትን ሂወትን ህዝቡ ዘቃጽልን ዘጥፍእን፣ ዜጋይ ንዝብሎ ህዝቢ ብሓሰር ዘቃጽልን ህዝቢ ዘጥፍእን ተራእዩ ኣይፈልጥን ዋላ እንተዘይተብሃለ ብ21 ክ/ዘመን ግን ምሒር ውሑድ እዩ። የለን ወይ ከዓ ኣሊሽካ ኣይርከብን ዘብል ግን ናይ ወጻኢ ወራሪ ዓዲሙን ሉዓላዊነት ሃገሩ ተዳፊሩን 40ታት ክፍለ-ጦራት ኣእትዩ ህዝቡ ዘረሽንን ንብረት ህዝቢ ዘዝርፍን እዩ። ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሕሰመ-መከራ!

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ጭካነን ሕሰምን “ብሕልመይ ድየ ብውነይ” ዘብልን መሰንበዲን እዩ። ብውነኡ ንዘሎ ሰብ ፈተናን ሕቶን ዝኾኖ ነገር ብዙሕ እዩ። ሰብ ኮይኑ ብሰብ ክንድዙይ ከመይ ይጭክን፣ መንግስቲ ኾይኑ ኣብ መገዛ “ህዝበይ” ዝብሎ ከመይ ሕሊናኡ ይዓውር፣ ህጻናት ዝወለደ ወይ ከዓ ክወልድ ዝሓስብ ሰብ ከመይ ኢሉ እዙ ኹሉ ይጭክንን ጽባሕ ንዓይ ኣይብልን፣ ሰበይቲ ወሊዱን ብሰበይቲ ተወሊዱን ከመይ ገይሩ ኣብ ማህጸን ኣንሽቲ ይጭክን ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣብ ምድራዊ መጋባእያ ኣቕሪብና እንሓቶም ሕቶታት ኮይኖም ናይ መዓልቲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ብሰማይን ምድሪን ፍርዲ ምርካቦም ግድን ይኸውን። ንምድራዊ መረዳእታን ሓበሬታን ክኾነና ብዛዕባ ትግራይ ክፍለጡ ዘለዎም እዞም ዝስዕቡ ወሰንቲ ነገራት እዮም፣ ከም ኣገላልጻ ናይ ስደተኛታት ድርጅት።

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ጥሜት ምህላዉ ክፍለጥ ኣለዎ። ብዙሓት መሻርኽቲ ብልጽግና ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ሕሊናኦም ደፊኖምን ዓይንና ገንበር ይግበሮ ኢሎምን “ጥሜት የለን” ዝብል ስነ ሞገት ካብ ምቕራብ ሓሊፎም ዘይቕልድዎን ዘይስሕቕዎን የለን፣ ነገሩ እኳ “ውሕጅስያ እንሰሓሓቐ ይወስድ” እንድዩ። ኣብይ ኣሕመድ እንተይተረፈ “በልጺግና ኢና” ንምባልን ደገፍቱ “ዓይንኹም ተዓመቱ” ኢሉ ንምትልላልን “ዕቤት ስለዘሎ 4.5 ሚልየን ናይ ትግራይ ህዝቢ ንቕልብ ኣለና” ክብል ምብጫዉ ኣይርሳዕን! ከመይ ኢሉ ክርሳዕ!

እንተኾነ ግን፣ ንኢትዮጵያ መንግስቲን ህዝቢን ቀለብ ሰፊሮም ዘንብሩ ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኮነ ናይ ኣሜሪካ ረድኤት ድርጅት ኢሉ እውን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ድርጅታት ኣብ ትግራይ ጥሜት ከምዝተፈጠረን ካብ ኣማኢቲ ኣሽሓት ሓሊፎም ሚልየናት ናይ ሓደጋ ጥሜት ጥቑዓትን ተጠቃዕቲን ምኳኖምን ካብ ዝገልጹ ጸኒሖም እዮም። ምግላጽ ጥራሕ ኣይኮነን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መጠን መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝኸድ መንግስቲ ክኽፍትን ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸእቱን ጎስጒሶምን ኣተሓሳሲቦምን። “ፈሊጡያ ዝደቀሰስ” ከምዝበሃል ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ምሕላፍን ጭካነ ኣብ ልዕሊ ጭካነ ምድርራብን ዋኒኖም ኮይኑ ይርከብ።

ናይ ቕድመ ጥሜት ስርዓት መጥንቀቕታ ኔትዎርክ (Famine Early Warning System (FEWSNET)) ከም ዝሓበሮ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ደረጃ ሓሙሽተ ተባሂሉ ናይ ዝፍለጥ ናይ መከራ ደረጃ ከምዝበጽሐ እዩ። እዙይ ድማ ጥሜት(Famine) እንትኾን ደረጃ ጸገም ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ከምዝርከብ ምርዳእ ይከኣል። ብኣውራኡ ድማ፣ ልዕሊ 5.2 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ናብ ሓደጋ ጥሜት ከይወድቕ ህጹጽን ጊዜ ዘይህብን ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ ክብል ይሕብር። እንዳ ብልጽግና ቀሊብናዮ ዝብልዎ ዘለዉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውረድዎ መከራን ጥይትን ክኾን ኣለዎ። ንህዝብና ዝቐለብዎ ነገር ብሚግን ድሮንን፣ ብዲሽቃን ብሬንን፣ ብመድፍዕን ክላሽንን ተራእዩ ዘይፈልጥ መከራን ሓሳርን ምኳኑ እቱ ዝመረተ ሕሊናኦም ኣይስሕቶን።

ብኻልኣይ ደረጃ ረድኤት ክኣቱ ዘይምኽኣሉ እዩ። ካብ ወርሒ ሓምለ መወዳእታ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ምሉእ ኽባ ከምዝተተግበረ ዝፍለጥ እዩ፣ ከቢብካ ናይ ምጽናት ኣርዮሳዊ ውሳነ። ድሕሪ እቲ ከበባ፣ ናይ ኣሜሪካ ረድኤት ድርጅት (USAID) ከምዘውጸኦ ሪፖርት እንተኾይኑ ካብቲ ዘድሊ እቱ ዓስርተ ሚእታዊ ጥራሕ ይኣቱ ከምዘሎ ኾይኑ፥ ንዙይ ዘድሊ መጓዓዝያ ብመዓልቲ 100 ተስሓብቲ ከምዝጠልብ ውድብ ምግቢ ዓለም (WFP) ወሲኹ። እዙይ ግን ከቢድ ከምዝኾነን ሓደጋ ጥሜት ከምዘጋደደን ምርዳእ ይከኣል። ኣሽንኳይ ክረድኡ፣ ንቶም ዝረድእዎም እኳ ሓፊሮም ከሕልፍዎምን ንኽረድኡና ክሕግዙን ኣይከኣሉን።

ሓደ ዝፈልጦ ሹፌር ከም ዝገለጾ ንዙ ሓላፊነት ተሸኪምካ ትግራይ ምኻድ ብዙሓት ተጋሩ ከም ዕድልን መኽሰብን ዝሪእዎ ዓብዪ ጸጋ ዋላ እንተኾነ ብተግባር ግን ከቢድ ምኳኑ እዩ ዝገልጽ። መጀመርታ ዝገብርዎ ሹፌራት ሓጋዚ ሰብ ክህልዎም ኣይድለን። ካልኣይ ኣብ መንገዲ ኣውሪዶም ምግፋዕን ምቕታልን ስራሕና ኢሎም ዝሓዝዎ መንግስታዊ ሽፍትነት እዩ። ሳልሳይ በጺሐን ምእንቲ ከይምለሳን ከምቲ ዝሰርሕዎ መወናበዲ ዜና ንውግእ ይውዕላ ኣለዋ ምእንቲ ክበሃላን ብሓይሊ ነዳዲአን ቀዲሖምን ኣጉዲሎምን ይሰድወን። እዙይ ድማ “ኸቢብካ ኣህልቕ” ናይ ዝብል ናይ ጥሜት ፖሊሲኦም መቐጸልታ እዩ። ህዝቢ ንኽዝረፍ ምግባሮም ከይኣክል፣ ርዳእታ ከይኣቱ ኣብ ልዕሊ ምግባሮም እቱ ንይምሰልን ንሽወዳን ዝኣተወ እውን “ንውግእ ይውዕል ኣሎ” ንምባል ዝጓየይሉ ድራማን ፍጥነትን “እምበር ከ ሰባት ድዮም፣ ጨና ሰብ ኣለዎም ዶ” ዘብል ኣረሜናዊነት ትዕዘብ። ህዝብና ብጥሜት ንምውዳእ!

ሳልሳይ ፣ እቱ “ዓጺኻ ቅተል” ዝብል ፖሊሲ መንግስቲ ብልጽግናን ሻዕብያን ከቢድ ሰብኣዊ ቀውሲ ይፈጥር ምህላዉ እትፈልጥ ባንኪ ዝበሃል ከይህሉ፣ ስልኪ ዝበሃል ከይሰርሕ፣ ነዳዲ ዝበሃል ከይርከብ፣ ነዳዲ እንተዘይሃልዩ ድማ መጥሓን ኮነ ማይ ከይሰርሕ ናይ ምግባር ኣረሜናዊነት ኣካል እቱ ዘርኢ ምጽናት ገይርኻ ዝውሰድ እዩ። ካብቱ ዘሎ ውሱን መብራህቲን ሓይሊን ወጻኢ፣ ካሊእ ሓይሊ መብራህቲ ከይርከብ ምግባር ዝብላዕን ዝስተን ኣስኢንካ ህዝቢ ገጠርን ከተማን ብፍላይ፣ ብሓፈሻ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ክበርስ ናይ ምግባር ዲያብሎሳዊነት ምኳኑ ታርኽ ዘይርስዖ ሓቂ እዩ። መድሓኒት፣ ሕክምና፣ ዝሽመትን ዝንገድን ከይህሉ ገይርኻ ደም ዝውውር ህዝብና ንምዕጻው ዝግበር ጨካን ውሳነ፣ ዓለም እውን ደጋጊሙ ይዛረበሉን ይምስክረሉን ኣሎ!

ራብዓይ ፣ ድሊታት ብፍጥነት ይውስኹ ምህላዎም እዩ። ሰብ ዘለዎን ዝቐረዮን እናወደአ ብዝኸደ ቑጽሪ ናይ ምግቢ፣ ጥዕና፣ ማይን ንጽህናን ኢሉ እውን ጥዕናን መጽለሊን ጉዳያት ብዘሰንብድ ምውሳኾም እዩ። ንዙይ ድማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ መተሓባበሪ ቢሮ (OCHA) ደጋጊሙ ዘጠንቀቐን ዘጠንቅቕ ዘሎን ኮይኑ ንሚልየናት ዝተዓጸዉ ወገናት ዝምልከት ይኸውን። እዙይ ማለት ተሓኪሞም ክድሕኑ ዝኽእሉ ከምኒ ሽኮርያ፣ ኤድስ፣ ደም በዝሒ፣ ኩላሊትን ካልኦት ቀለልቲን ከበድቲን ሕማማት ክንደይ ህዝቢ ይውድኡ ከምዘለዉ ወረ እኳ ክህልወና ኣይከኣለን። ወላዳት ኣዴታት ሓዊሱ ሞት ህዝብና ሕድ ሕድ ገዛ የንኳሕኩሕ ምህላዉ ዘሰንብድ ኮይኑ ዝኸኣልናዮ ኹሉ እንገብረሉን ናይ መፍተሒ ሰባት ምኳንና እነርእየሉን እዋን ኮይኑ ኣሎ። ዓቕሚ ጸላእቲና ተራእዩ ኣሎ፣ ዓቕምና ኸ! ጊዜ የብልናን ብዝብል ስምዒት ግለ ሰባዊን ማሕበረ ሰባዊን ሓላፊነትና ንዋጻእ!

ብሓምሻይ ደርጃ፣ ናይዙ ጥሜት ዋና ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ቁጽሪ ህጻናት ምብዛሑ እንትኾን ካብ ዓስርተታት ኣሽሓት ናብ ኣማኢት ኣሽሓት ብሓጺር ጊዜ ዝተሸጋገረ ምኳኑ ከይኣክል ክሻብ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ ጥራሕ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብ10 ዕጽፍታት ክውስኽ ከምዝኽእል UNICEF የጠንቅቕ። እዙ መጠንቀቕታ እዙይ ሰማይ ዝሪኦን መሬት ዝተሸከሞን ሓቂ ኾይኑ ኣብ ህጻናት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ትካል ዓለም (UNICEF) ዘረጋገጾ ጭቡጥ መርድእን መረዳእታን እዩ። ጥኑሳትን መጥበውቲን ኣዴታት ኣብ ዘሰንብድ ጥሜት ከምዘለዋ ምርግጋጹ ጥሜት ኣደታት ካብ ባዕልተን ሓሊፉ ንውሉድ ወለዶን ንዓዲን ከምዝተርፍ መስካሪ ኣየድልዮን። ኣዶ ሃገር እያ ከም ዝበሃል ኹሉ፣ ጥፍኣትን ጥሜትን ኣዶ ትግራይ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ወለዶ ዝዓድዮ ሓጥያት ምኳኑ ኣየጠራጥርን። ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝሰርሕዎ ዘለዉ እውን ንሱ እዩ፣ ወለዶታት ትግራይ ብሂወት ናይ ምብራስን ብኣካልን ኣእምሮን ናይ ምልማስን እኩይ ተግባር! እቱ ዝገብርዎ ዘለዉ ንምንታይ ከምዝገብርዎ ዘለዉ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።

ብሻድሻይ ደረጃ፣ እዙ ጥሜት እዙይ ሰብ ዝሰርሖ ምኳኑ እዩ። “ናይ ሰብ ዝዓበየ ስግኣቱ ሰብ እዩ” ዝብል ድሑር ሰብኣዊ ኣባህላ ኣብ ህዝብና ይምዝገብ ኣሎ። “ንሰብ መድሓኒቱ ሰብ” ኣብ ዝኾነሉ ዘመን ህዝቢ ዓለም ብዘለዎ ውሱን ዓቕሚ ህዝቢ ንምድሓን እንትሰርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን “ህዝበይ” ንዝብሎ ህዝቢ ንኸጥፍእ ድቃስ ስኢኑ ይርከብ። ብውጽኢቱ ድማ ትግራይ ብጥይት ብምኽባብ ህዝባ ብጥሜት ንኽውዳእ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ሸይጣናዊነት ምኳኑ ክልለ ኣለዎ። ሸይጣን ሰባት ከምዙይ ዓይነት ሸይጣናዊ ገበን እንትፍጽሙ ምስ ረኣየ “እዚኦም እናሃለዉ ዲና ንሕና ሸይጣውንቲ ንበሃል” ኢሉ ዝበሃል ነገር ከምዚኦም ዝበሉ ኣረመኔታት ዘብጸሕዎ ነገር ምስረኣየ ክኾን ኣለዎ።

Full Website