Back to Front Page

"ኣንቲዐናኻ ሽጉርቲ ይብላኻ" በላ እዴታት መቐለ

ኻልኣዩ ኣብርሃ 02-08-21

ናይ መቐለ ፅዋ እዩ፣ "ፈጊኤናኻ" ኢልኩም ኣምብብዎ። እዙ ምስላ ከምዙ ናይ ሎምዘበን ወሪዱና ዘሎ ጉብአሞ እቲ መውረዲ ጉብአ እናሰሓቐን እናደረፈን ዘፅንትን ዘብባሳብስን ዘሎ "በላኤ ነፍስ ወስጋ"  ስርሑ እንተይወደአስ "ደበስ ክንገብርን ክነተስክረኩም መፂና ኣሎና" ዝብል ሕንከት ዘይፈልጥ ጉዳም ንምግላፅ ኣዴታት መቐለ ዝመሰለኦ እዩ። እቲ ዝፈግአ ሰብ ደምካ ክፈስስ እናራኣየ፣ ወዲቕካ ዓፅረሞት ሒዙካውን ካልእ ሰብ እንተዘይርኢውዎ ሞትካውን ይኽጉሶ እዩ፣ ከጥፋካንድዩ ፈጊኡካ። እንተፈትዩካ ዳኣ ሕዑፍ ኣቢሉን ድዩ ዝስዕመካ! ፍቕሪ መዓስ ጠፊኡና። ዘቢጡ ዝገዝኣና እምበር ኣፍቂሩ ዘመሓድረና ረኺብና አይንፈልጥን፣ ኣኹሱም ምስደኸመትና ኣብዝኣተናዩ ንሕስያ ዘይብሎም ዓዲ! ሽጉርቲ ፍጋእ ባክቴርያ ከይዓስልዎ ዝከላኽል ፈውሲ እዩ። እቲ ናይ ፈጋኢ ሕንከት ምስኣን ዝለመድናዩን ዝሰልከየናን ስለዝኾነ ናብቱ ሽጉርቲ ንሳገርሞ፣ እቲ ፍጋእ ብሽጉርቲ ጥራይ ይሓውዶ? እዩ እቲ ሕቶ። ፍጋእ ከም እቲ እምንን ብድሕሪ እቲ እምንን ዘሎ ግን ዝትንፍስ እምንን ይዉሰን። እቲ ፍጋእ ብፀፀር እንኾይኑ ዋላ ሽጉርቲውን ኣየድልዮን። መገዲ ዓፅዮም እኽልን ኣባጊዕን ዝኸትሩ ዝነበሩኮ መስሓቕ ትግራይ ኮይኖም ተረፎም እምበር መንዶ ንሳቶም ከምዝሓሰቡዎ ጠምዩ እዩ? ዓይኒ ስኒ ዘይብል ማርሞ ሰንዳዋይን ክንድ ዕትሮ ዝኽውን ደንጎላን ግን ብህፁፅ ናብ ሆስፒታል ከይድካ ኣብ ቤት መጥባሕቲ ኣምላክኻ ምልማን እዩ። ህይወትካ ምስተረፈ ግን የዐሪኻ ከይሓወኻ እቲ ክቐትለካ ሃቂኑ ደንጎላ ዝደርበየን "ቦሎ፣  ድገሞ፣ ሰልሶ፣ ገና ኣይመተን" ዝብሉ ዝነበሩ ጎረባብትኻ፣ ግዱሽ ግን ናትካ ዘይኮነ ሰብ ናብ ሆስፒታል ወሲዱ ህይወትካ ምስ ኣትረፎ ከይትኽሶም ወይከኣ ሕነኻ ከይትፈዲ ካብ ኩሉ ሰብ ቐዲሙም ናብ ሆስፒታል መፂኦም ክጥይቑክኻሞ: "እንታይ ዝበለ ስሑት መዓልቲ እዩ፣ ናይ ሸይጣን ነገር" እናበሉ ኣፍ ካብ ኣፍ እናተቐባበሉ ክግረሙ ክትሰምዕ፣ ግሉኮስ ፈንጢሕካዶ ነዞም መላገፅቲ ክትወቕ ኣይትለዓልን? ካብታ ደንጎላ ዝኽፍአት እዚኣ እያ። እታ ደንጎላስ ኣካልኻ እያ ጎዲኣ፣ እዚኣኮ ሓንጎልኻ እያ እተባላሹ። ናብ ሓዊ ጋዝ በቲንካ ምብራዕ ማለት እዩ። ኣንታ እቶም ብኣድራጋ ዝተቐተሉ ዕጥቂ ዘይብሎም ንፁሃት ኣሽሓት፣ እተን ንሓዳር ከይበፅሓ፣ ምስ ሓዳረን ዘለዋ፣ ዓለም ዝገደፋ መነኮሳት ብዓሰርተ-ዕስራ  ናይ ሰብ መልክዕ ዘለዎም እንስሳተ ገዳም ስተገሰሳ፣ ንክልተ ኣሽሓት ዓመት ዝተዓቀበ ክቡር ሃይማኖታዊ ሓድግታት ክበርስ፣ ውልቀሰባት ፋርኬታ ከይተረፈ ክዝመቱን፣ ብኽንደይ ፃዕሪ ዝተፈረያ ትካላት ክዓንዋ፣ ሕጊ ዘይምልከቶ ዓርሞ ዝጠሓሰ ሽሾ ሰራዊት ኣምሓራ ኣብ ግዝኣት ትግራይ ኣትዩ፣ ብዓል ዋና ሶጊጉ መሬት ዝማናጠል፣ ኣርባተ መንግስታት ተዛሪዮም ትግራይ ከጥፍኡ ሃቂኖም፣ ህዝብን ዓድን ካብ ዓለም ፈልዮም፣ ማይን መግብን መብራህትን መራኽብን ኸሊኦም ክሳብ ዘፅንትዎ ዓለም ከይሰምዕ ክር ኣቢሎም ዝዓፀዉ፣ ክልተ ፅሉላት እዮም ከይበሃልኳ ምልእቲ ኢትዮጵያ ኣይራእኹን ኣይሰማዕኹን ምሓሸ፣ "በልዎም፣ ከየንሳእርሩ ሱሮም ቦቑስዎ" ዝብሉ ዝነበሩ ቃለ ክርስቶስን፣ ቃለ መሓመድን ዘራኽሱ ሽርካታት ሸይጣን ኣብዙ ምስኪን፣ ውፉይ ህዝቢ ትግራይ ተላዒሎም።
Full Website