መኸተ ትግራይና ከመይ ኣሎ

ማህተመ  ደመወዝ (ዶ/ር) –  01-28-21

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ኩላትና ከምንርዶኦ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ መሰላቱ ንምዕቃብን ዓርሱ ብዓርሱ ንምምሕዳርን መረጻ ንምክያድ እንካብ ዝወሰነሉ እዋን ኣትሒዙ አስካብ ሎሚ ክልተ ኩነታት ኣጋጢመምዎ ምባል ይከኣል፥ አቱ ቀዳማይ ኩነት ብውልቀ መራሒ ዝዝወር ኣብ ሃገርና ኣሃዳዊ ግዝኣት ክተክል ዝደሊ ሓይሊ ትምክሕቲ ናይቱ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ዕላማ ንምቕያር ዘኽአል ስጉምቲ ንምውሳድ በይኑ ከምዘይኸል ብምርዳእ ብባህሪኦም ኮነ ብተግባሮም ጸረ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስ ዘለዎም መንግስታት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክመኻኸርን ክዳለውን ጸኒሑ ብወርሓ ጥቅምቲ 2013 ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ዝግመት ኣራዊትን ጸረ ህዝቢን ዝኾነ ሰራዊት ኣሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከፊቱ መዐቀኒ ክርከቦ ዘይኽእል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይፍጸሞ ከምዘሎ እዩ። አቱ ካልኣይ ኩነት ድማ ህዝቢ ትግራይን ኣብ መሉአ ዓለም ተዋፊሩ ዝርከብ ተወላዲ ትግራይን ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ  መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ብምርዳአ ተርኢዩ ብዘይፈልጥ ሓድነቱ ብምስጣም ጸረ ጸላአቲ ሓይሊታት ኣብ ኩለመዳያዊ መኸተ ምስላፉ ኢዩ። ኣብ ዓዱ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝብና ብፍላይ ድማ እቱ መንእሰይ ወለዶ ናይ ኣያታቱን ኣዴታቱን ጀግንነትን ወነን ሰኒቑ ብሓድነት ተሚሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘመተ ናይ ጸላአቲ ሰራዊት ብምምካትን ቀስ ብቐስ መሚዩ ብምድምሳስን ብዓለም ደረጃ ክምዝገብ ዝኸል  ጀግንነት ኣብ ምፍጻም ከምዝርከብ ንርዳአ። አንካብዙይ ብተወሳኺ ናይ ትግራይ ድምጺ ኮይኑ ኣብ ዋጻኢ ዓድታት ኣብ ምቅላስ ስለ ዝርከብ ህዝብና ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑ ጸላአቲ ህዝቢ ትግራይ ትግራይና ከቢቦምን መራኸቢ መንገዲታት ዓጺዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ጭፍጨፋን ብጥሚየት ንክዉዳእን እናካየድዎ ዝርከብ             ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ንዓለም ማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥን መፍትሔታት ኣብ ምእላሽን ዝርከብ ምዃኑ እዩ። ብመዳይ አዙይ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘመተ ናይ ጸላኢ ሰራዊት እናፈጸሞ ዝርከብ ህዝቢ ናይ ምጥፋአ ወንጀል ኣብ ምቅላሕን ናይ ዓለም ማሕበረሰብ አቱ ዝበጽሐ ጥቕዓት ተረዲኡ ኲናት ጠጠው ብምባል ሰላም ንከስፍንን ኣብ ምጥማይ ዝርከብ ህዝብና ንክሕግዝን ብዘኸል መልክዕ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ብፍላይ ድማ አቱ መንአሰይ ወለዶ ለይትን ቀትርን ብሰፊሑ ኣብ ምቅላስ ይርከብ። ብዙይ ምኽንያት ኣብ ወጻኢ ዓዲታት ዝካየድ ቃልሲ ብሰላማዊ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ፡ ንዝምልከቶም ዓዲታትን ዓለም ለኻዊ ውዳበታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጠር ዘርኢ ናይ ምጽናት ዘመተ ንክፈልጡ ናይ ጽሑፍ መልአኽቲታት ንክበጽሖም ብምግባር እቶም ወረርቲ ናይ ምዝራብ ልሳኖም ንኽደርቕ ብምግባር ናይ ህዝብና ናይ መኸተ ሓይሊ ብምዃን ታሪኽ ክርስዖ ዘይኸል ዘኹርዕ ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከብ።

ጸላእቲ ምምካትን ናይ ትግራይ ህዝቢ ህልዉና ዘቕጽል ቃልሲ ምክያድን ቀጻላይ ክፋል ዝኾነ ህዝብና ቁጠባዊ ሓገዝ ከይፍለዮ ምግባር ዝምልከት ይኸውን። ብዙ መዳይ አዙይ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ ዓዱን ህዝቡን ብገንዘቡ ናይ ምርዳአ ልምዱ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘቑጸረ አንትኸውን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝገበሮም ሓገዛት ንምግላጽ ዝኣክል ተጋሩ ብምዃኖም መጥቃዕቲ በጺሕዎም አንካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉን ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ንዝተመለሱን ብተወሳኺ ድማ ብኣንበጣ እኽሎም ንዝጠፍኦምን ወገናት ንምሕጋዝ ብሚሊየናት ዝቑጸር መጠን ናብ ትግራይ ምልኣኹ ይፍለጥ። ኣብዙ እዋንዙይ እውን ብጸላእቲ ሓይሊታት ኲናት ተወሊዕዎ ኣብ ጸገም ንዝርከብ ህዝብና ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምልጋስ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ናይ ረዲኤት መውሃቢ ሸነኻት አንትኽፈት  ብእሙናት ትካላት ኣቢሉ ንክበጽሖ ትጽቢት ከምዝግበር እዩ። ብዙ መዳይ አዙይ እስካብ ሎሚ ንረዴኤት ዝተኣከበ ናይ ገንዘብ መጠን ንምንታይ ተሎ ኣይለኣኽ? ንዝብሉ ወገናትናን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ጁንታ በሊዐምዎ እናበሉ ህዝብና ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ ንዝጀመሩ አዋናዊ ሓበሬታ ብምሃብ ዘድሊ ይኸውን።  ህዝቡን ዓዱን እንካብ ዝፈትው ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ምእካብ ዝርከብ ናይ ገንዘብ መጠን ኣባይ ከምዘሎን መኣዘ ንቱ ተጠቃሚ ህዝብና ከምዝበጽሕን ግልጺ ምግባር እውን የድሊ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ማሕበረሰብ ትግራይ!

ህዝቢ ትግራይ  ማሕበራዊ ጸገማቱ ንክፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ቀዲመን ኣብ ወጻኢ እንካብ ዝተጣየሻ ንትግራይ መሰረት ዝገበራ ውዳበታት ሓዲኡ ብኣሰራርሑኡ፡ ብግልጽነቱን ተሓታትነቱን ዝፍለጥ ናይ ተጋሩ ልምዓት ማሕበር አዩ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተጣየሸን ብናይ ኣመሪካ መንግስቲ ሓለዋ ዝግበረሉ ዓርሱ ዝኻኣለ ናይ ኣባላቱ ናይ ተጋሩ ማሕበር ብምዃኑ ከምቀደሙ ኣብ ቦቱኡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ 32 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ማሕበረሰብ ትግራይ ብኣባልነትን ደጋፊነት ወዲቡ ብርክት ዝበሉ ናይ ልምዓት ተግባራት እናፈጸመ ዝጸንሐ ትካል ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ዓላሙኡ እናሳኸዐ ዝጸንሓ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ጌሩ ኲናት ኣብ ትግራይ እስካብ ዝዉላዕ ይሰርሕ ምስ ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ማልት  ብፓርትነርሺፕነት እዩ። ኣብ ዓዲ ዝነበረ ማልት ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ኲናት ምኽንያት ንጊዚኡ እንካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዋላኳ እንተኾነ ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ክልላት ዓለምን ዝርከባ ናይ ትግራይ ልምዓት ማሕበራት ኣባላተን እስካብ ዝሃለዉ ዓርሰን ኪኢለን ህልዉነኣን ዓቂበን ዝቕላ እምበር ዝፈረሳ ወይ ክፈርሳ ዝኽእላ ልምዓትዊ ውዳበታት ትግራይ ከምዘይህልዋ ምርዳአ የድሊ። ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናተካየደ ዘሎ ኲናት ብዓወት እስካብ ዝዛዘም ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ልምዓት ማሕበር (TDA North America) ምስ ኩለን ማህበራትን ናይ መኸተ ተሳታፋይ ህዝብናን ብጥምረት ናይ መኸተ ኣካል ኮይኑ አናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ምርዳእ የድሊ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ልምዓት ማሕበር መሓውር ብምጥቃም አንካብ ማሕበረሰብና ዝእከብ ናይ ገንዘብ መጠን ዓቂቡ ብምሓዝ እቱ ናይ መኸተ ኮሚቴ ብዘማሓልፎ ውሳነን ብዝህቦ መምርሒን መሰረት  እቱ ረዲኤት ናብ ዝምልከቶ ተወካሊ ህዝቢ ንክበጽሕ ዝገብር ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት/ TDA NA) ይኸውን።

ኣብዙ እዋንዙይ ህዝቢ ትግራይ እቱ ዝደሊዮ ሓገዝ ንኸይረክብ ኩለን መራኸቢ መንገዲታት ዝተዓጸዋ ብምዃነን እናተኣከበ ዝርከብ ናይ ገንዘብ መጠን ዝለኣኸሉ ኩነታት እስካብ ዝመቻቸው ኣብ ናይ ማልት (TDA North America Account) ባንኪ ኣካውንት ተዓቂቡ ክጸንሕ ከምዝግቦኦ ርዱአ ጌርና ናይ ኩሉ ትግራዋይ ቀጻላይ መደብ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ምዉፋይ ከይዲ ብዘይ ምቁራጽ ክቅጽለሉ ከምዝግባእ አዩ። ኬላታት ክኽፈቱ እንተለዉ ህዝብና ወዲያዉነ ዘዕግብ ረዴትና ንክረክብ ዘኽእል መጠኑ ብርክት ዝበለ ገንዘብ እንትህልወና አዩ። ደጊመ ግልጺ ንምግባር ኣብዙ እዋንዙይ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማልት ተልእኾ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኣብድ መላዕ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይን ደገፍቲ ትግራይን ዝልግስዎ ናይ ሓገዝ መጠን ዓቂቡ ብምጽናሕ ብዝምልከቶ ኣካል ንቱ ዝምልከቶ ህዝቢ ንክበጽሕ ብዝወሃቦ መምርሒ ተግባራዊ ዝገብር ምዃኑ እዩ።  ማልት ሰሜን ኣመሪካ ኣካል መኸተ ኮይኑ ክመርሕን ክሰርሕ ዝግቦኦ ትካል ኮይኑ ኩለን ናይ ማልት መሓዉራት/ ጨናፍራት ህዝብና ዝልግሶም ናይ ሓገዝ መጠናት ኣታዊ ንምግባር ጥጡዕ ባይታ ብምፍጣር ብዘይ ስኽፍታን ሓሜትን ተኣኪቡ ንኽዕቀብን ናፍቱ ዝግቦኦ ቦታ ንክበጽሕን ብዘኽአል ኩነታት ብንቕሓት ክሳተፋ ይግባእ። ህዝብና ዝልግሶ መጠን አንካብ ጁቡኡ ኣውጺኡ ናብ ባንክ ኣካውንት ከምዘእትዎ ዝዓይነቱ ኣመኔታ ንክህልዎ ንምግባር ብተሓታትነቱን ብግልጽነቱን ኣመኔታ ረኺቡ ዝጸንሐ ዉዳበ ልምዓትና ብዘቕጽል ኩነታ ሀይዚውን ኣመራርሓ ማልት ነጢፉ  ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ምርዳአ የድሊ።  ኣብ እዋን‘ዙይ ምሕደራ ትግራይና ኣፍሪሱን ቁጠባዊ ህዝብና ኣዕኒዉን ናይ ትግራይ መሪሕነት ተቖጻጺረ ኣለኹ ብዝብል ተላላኺ ጸላኢ ሓይሊ ብልጽግና ኣቢሉ ዝለኣኽ ሓገዝ ከምዘይህልው ምርድዳእ እውን ዘድሊየና ይመስለኒ። ጸላኢ ሓይሊ ብዙይ መሰረት ጌሩ ንክኸፋፍለና ከምዝጽዕር ብሀይዚኡ ተረዲእና  ናይ ጸላእንትና መደናገሪ ልሳን ክነድርቖ እንኸል ንህብና እዋናዊ ዝኾነ ግቡእ ሓበሬታ ብምሃብ ሙሉእ ኣመኔታ እንትነትርፍ ጥራሕ እዩ።
Full Website