መስቀል ትሕረድ ጤል ቅዱስ ዮሐንስ ትሕረድ በጊዕ ትስሕቅ

ካብ ስዩም አባይ 02-04-21

ኤርትራውያን ኤርትራ ዝመሰለ ብተፈጥሮ ፣ አቀማምጣ/location ፣ ብመሬት ስፍሓት ፣ ዓሳን ሰፊሕ ናይ ወደብ አገልግሎት ፣ ፃዕራም ተቃላሳይ ህዝቢ፣ ዝተፈላለዩ ብሄረሰብ ሀፍታም ባህሊ ሒዝኻ ዶ ብንኢሳያስ እናተመራሕኻ ትሳቀ። 30 ዐመታት መወዳድርቲ ዘይብሉ ቃልሲን መስዋዕትነት ከፊልኻ ዓብይ ዓወት/ናፅነቱ ዘረጋገፀ/ ህዝቢ ዶ ከመይ ዝበለ ንኻሊእውን ዝኸው ሀፍታም ዓዲ ብስንኪ ሕማቅ ስርዓት ንስደትን ብተናን ትዳረግ እዚ ኹሉ ፀገም ከይአክል ድማ ምስ ሓው ህዝቢ ትግራይ ንኻልአይ መሪር ኳናት ንኽልቲኡ ህዝቢ ዘጥፍእ ምስ ፀላእቱ ምስቶም ተቃሊሱ ዝሳዓሮም ፀለእቱ ሸሪኹ ኢሳያስ የጥፈኦም አሎ ። እቲ ዝገርም ግን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሰፊሕ ኩሉ ዓይነት ሀፍትን ፀጋን ብዙሕ ግዜ /ን30 ናይ መንግስትነት ዓመታት/ ዕድልን አባኺኑ አንተብቅዕ ዘይዛሪ ደምነት ክተክል   አብ ጥቅሚ ዘይውዕል ንብረት ካብዝታሓተ ቬላሮባ ጨርቂ ሽንቲን  ከይተረፈ ኮተትን ምንም አብ ጥቅሚ ዘየውዕሎ ማሽናት መካይን ወዘተ...ጠርኒፋ እንትጓዓ ዝተረፈ ድማ እንዳቃፀለ እንተኸድ እንትርኢ ብሓቂ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት አራይት ከምዝኾነ አብየትም ዓለም ዘየለ ፍፁም አረሜናዊነት ንርኢ አለና ። ገለ ዕሱባት ኤርትራውያንን ተጋሩን ድማ ገሊኦ አበጀወ እንትብልዎ ገሊኦም ድማ አብጦርነት ዘጋጥምዩ ወያነ ዘምፅኦ ጣጣ እዩ ይብሉ ብስሩባ እንድሕር ህዝቢ ጠፊኡ አቅሑ ንመን እዩ ክኸውን ፣ ህዝቢ ጨሪስኻ ሰላም እንድሕር ዘየለ ንመን እዩ ክረብሕ ብዘበን ውቤ ያ ዝፀመመስ ውቤ ይሙት እንዳበለ ይነብር ይባሀል ብርግፅ ነፍጠኛ ደጃት ውቤ ድሕሪ ደጃት ስባጋድስ ትግራይን ኤርትራን ጎንደርን ዘማሓደረ ከም ኢሳያስ ፀረ ህዝቢ ነይሩ ናይ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንብረትን ጥሪትነ መርፍእ፣ ወረጦን  ከይተረፈ ዝዘረፈን ህዝቢ ዝጨፍጨፈን ነይሩ ካሊእ ተሪፉ ቀቲሉ ህዝቢ ምውዳእ ምስ አበዮ ሽምብራ ቆሎ ብትኩሱ ናብ አእዛን ተጋሩን ኤረትራዊያንን እናእተወ ብዙሕ ሰብ አፅመሞ ዳሓር ብአፄ ቴድሮስ ምስተስዓረ ብዙሕ ህዝቢ እዝኑ ብውቤ ስለዝፀመመ ከይፈለጠ ውቤ ይሙት ይብል ነይሩ ። ሐዚ ግን እዝኑ ዋላ ከም ናይ ውቤ አይፅመም ብናይ ኢሳያስ ስርዓት ዝሰከሐ ግን ይቅር አብ ውሽጢ ኤርትራ አብ ደገ ወፃኢ ኮይኑ አፋ ዝተሸመመ ብዙሕ እዩ። ሎሚ ብርክት ዝበሉ ኤረትራዊያን ከየንቲ ሓዊሱ ነዚ ጦርነት አምሪሮም ምስ ተጋሩ አሕዋቶም ይቃለሱ አለው ። በየኸባቢኡ ዝግበር ዘሎ ተቃውሞታት ከም ሰብ ውራይ ንኽልቲኡ ህዝቢ ዘጥፍእ ጦርነት እናሀለወ  ተመሳሳሊ ምንቅስቃስ አሎ እዩ ክባሀል አይኽእልን ስቅ ዝበለ ብዙሕ አሎ ስለዚ ኤርትራውያን ይኹኑ ተጋሩ ነዚ ናይ ፀለእትና ሸርሒ ፈሊጥና እንተዘይ ተቃሊስና ሓደ ብሓ ፀጥ ከቡልናን ነንባዕልና እናናኸሱ አብዝባና ክቅመጡ እዮም ከምቲ ካብ ምንሊክ ክሳብ ደርጊ ንአስታት 100 ዓመት ዝገዝኡና ጥራሕ ዘይኮነስ ሀለዋትና አጥፊኦም ንዘለአለም ክገዝኡና እዮም ዝንቀሳቀሱ ዘለው ።
Full Website