ተጋሩ ስለዝተብሃልናሞ መንነትና ሓደ ስለዝኾነ ኣረኣእያናን ናይ ፓለቲካዊ መስመርናን ሓንቲ ክትኽውን ኣለዋ ዝብል ኣራዳድኣ ክህሉ ኣይኽእልን። ከምዚ ዘሓስብን ብዙይ ዝኣምንን ውልቀሰብ ይኹን ውድብ እንተሃልዩ ናይ ግድን ምትዕርራይ ከድልዮ እዩ። ማንታታት እኳ ብሓሳብ ዝፋላለዩስ! ናይ ኣራኣእያ ፍልልይ ናይ ፓለቲካ ዕሩይነት መግለፂ እዩ። እዙይ ክብል ከለኹ ግን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ ክኸውን ይኽእልዩ ማለት ኣይኮነን። ይዕበ ይንአስ፣ ዝበፅሖ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ደረጃ ይልዓል ይትሓት ብዘየገድስ ሓደ ህዝቢ ከግህዶ ዝቃለሰሉ ሓደ ሕልሚ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዙ ሕልሚ ወይከኣ ራእይ ንበሎ ባህ ዝበሎ ከም ባህ ዝበሎ ናብ ዝደለዮ ኣንፈት ዝጎቶ እንተይኮነስ ኹሉ ዝተቐበሎን ንመስዋእትነት ዝተዳለወሉን፣ ኹሉ ዝውንኖን መርሃ-ህይወት እዩ። እዙ ራእይ ሹዱሽተ ሚልዮን ህዝብ ሎሚ፣ ካብኡ ንላዕሊውን ፅባሕ ዝውንኖን ዝዕቅቦን እዩ። ዉልቀሰባትን ውድባትን ክህልወን ዝኽእል ኣፈላላይ እንተሃለወ ነዙ ናይሓባር ራእይ ኣብምግሃድ ዘሎ ናይ ስትራተጂን ታክቲክን ፍልልይ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። እዙ ዘይገሃስ ናይ ትግራይ ህዝቢ ራእይ ኣብምግሃድ ክህሉ ዝኽእል ሓደን ዋናን ፀገም ብውልቀሰብ ይኹን ብወድብ ደረጃ እታ ራኢ ብዘይካይ ዘግህዳ የለን፣ ካልእ ኹሉ ግጉይን መዕነዊን እዩ እትብል ካብ ዓይኒ መርፊእ ዝፀበበት ኣረኣእያ እያ። ካውዙይ ብምብጋስውን ራእይ ዘግህዱን ዘየግህዱን፣ ራእይ ዘዕንዉን ዘዐርዩን ጉጅለታት በቲ ብዘይካይ ህዝቢ ብሓንቲ ለይቲ ዓዊሩ ይሓድር ኢሉ ዝአምን ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ዳኛን ፈራድን ኮይኑ እቱ ኻልእ ተወጃልን ተፈራዳይን ናይ ምዃን እጫ ይወድቆ። ቐዲሙ ኣነ እየ ሽም መውፅኢ ዝበለ እወ እማንካ ተባሂሉ ይድረፈሉ። ሓይሊስ ሓቂ ትኽውን ኣላ ማለት እዩ። ብቃልሲ ህወሓት ዝተረኸበ ቅሳነት ክንድትዝግቦኦ ክርድኦ ዝኽእል ሰብ ቅድሚ ዓወት ኣብ ትግራይ ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዩ።  መዓልቲ ይሓልፍሞ እቲ ሓፍ ዘይብል እምኒ ፀገም ይፈኩስ፣ ወለዶ ይርስዕ፣ ዘይምግዳሽ እናዓብለሎ ይኸይድ። እቲ ሓዊ ረጊፁ ብፆቱ ቀቢሩ ብሂወት ናብ ዓወት ዝበፅሐውን ረሲዑ! እቶም ዶክተራት፣ ፕሮፌሰራት፣ መሃንዲሳት ኮይኖም ወርቅን ጨርቅን ኮይኖም ክነብሩ ዝኽሉ ዝነበሩ መናእሰይ ሓዊን ሓመድን በሊዑዎም። ሞት አይተርፍንሞ ኣየጣዕስን። ግን አብ ነታጒ እናደቀሱ ዘሕለፉዎም ሰባት ሃፍቲ አጥርዮም ኩሉ ነገር ረሲዖም ክዋራዘዩ ምርአይ ናይ ተዓዛባይ መዓንጣ ዘሕርር እዩ። ንመፃኢ ወለዶውን ሕማቕ ተርእዮ እዩ። ክሕደት እናረኣየ ንሓዋሩ ንመስዋእትነት ዝዳሎ ይህሉ ተባሂሉ ይሕሰብዶ? ኣብዚአ ኩላትና እንፍፅማ ጌጋ ኣላ። ነቐፌታ ክነቕርብ እንተለና ልሙድ ዝገበርናዮ ህወሓት እንበልና ብድፉን ምፅሓፍን ምዝራብን እዩ። እዙይ ጌጋ እዩ። ኩላትና ክንእረመሉን ክንጠዓሰሉን ዝግባኣና እዩ። ህወሓት በኣማኢት ሽሕ ዝቁፀሩ ስዉአትን ብሂወት ዘለውን ኣባላት ኣለውዋ። ኩሎም ጎሓሉን ቀተልትን፣ ህዝብ ዝብድሉን ክኾኑ ኣይኽእሉን። ኣሽሓት ስዋ ሰትዩምን ቕጫ በሊዖም ዝሓድሩ ቅኑዐት ደቂ ህዝቢ አባላት ህወሓት ኣለው። ምስ ስገም ተሓዊሱ ከምዝተረኸበ ስርናይ ጥሕኒ ክኾኑ ኣይግባእን። ኣብዙ ቕሉዕ ሓቂ እዙይ ብምድራኽ ንህወሓት እንምነዮ ትምኒት ኣሰራ ትጥፋእ ክኽውን የብሉን። ኣፍኩስ ኣቢልና እንተርኢናዮ ኣረጊት ሰኣኒ ሊስትሮ ጌርካ ምኻድ ድዩ ዝሓይሽ ወይስ ሓዱሽ ብኽባር ዋጋ ገዚእኻ እግርኻ ምጭዳድ? ሕወሓት እኮ ማእለያ ዘይብሉ ተሞክሮታት ኣለዋ። ኢትዮጵያ ዝአክል ብልሓቱ ዘይፍለጥ ዓዲኮ ንሓደ ወልዶ ዝኣክል ጊዜ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ክእለት ኣማሓዲራ እያ። በዓለም ለኸ ደረጃ ዝነበራ ተቀባልነትን ዝምድናን እኮ ንትግራይ ዓቢ ንብረት እዩ። ህወሓትን ናይ ትግራይ ህዝብን ሓደ እዮም ዝበሃል እም ንግደፎ፣ ህወሓት ናይ ትግራይ ህዝቢ አብ ቅድሚኡ ንዘሎ ስግግር ወሳናይ እጃም ኣለዋ እዩ። ህወሓት ኣሰርኪ ትጥፋእ እንተይሉዋውን ክብላ ዝኽእል ህዝብ ትግራይ እምበር ማንም ካልእ ውልቀሰብ ወይካኣ ጉጅለ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ህወሓት ዝነበረ ስር ቅን ሕማቕ ምሕደራን ብውድብ ደረጃ ክውሰድ የብሉን። ስርቅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ በደልን ብጉባኤ ወይካኣ ብማእከላይ ኮሚቴ ተሓንፂፁ ስውሰን ኣይኮነን። መቸም ኣብሓሙሽተ ዓመት ፕላን እከለ ወዲእከለ ክልተ ሰለስተ ቢልዮን ቅርሺ ከጣፋፍኡ ተወሲኑ ዝብል ውድብ ኣብ ዓለም የለን ኣይነበረንውን። ስርቂ ውልቀሰብ ብወነኑ ዝፍፅሞ እዩ። ናይ ውድብ ጥፍኣት ክኸውን ዝኽእል ንጉሒላታት ሽፋን ምሃብ እዩ። እዙይ ዝገብሩውን ቁሩባት ዓቅምን ተሳትፎን ዘለዎም ኣባላት ኣማራርሓ እዮም። ተጎጂሎም ነቶም ቅኑዓት ይዕብልልዎም ወይካኣ ካብ ውድብ ይሶጉዎም። ህወሓት፣ ብኣዴን፣ ኦህዴድ፣ ደህዴን ብውድብ ደረጃ ሰረቕቲ አይነበራን። ውልቀሰብ ጎሓሉ ግን ኣብኩለን ተዘሪኦም ይርከቡ ነይሮም። ብውድብ ደረጃ ጉሒላ ተባሂላ ዝተደፍአት ግን ህወሓት ንበይና እያ። እዙይ ዘይግባእ ክህደት እዩ። እቶም ናይ ሰለስተ ውድብ ጎሓሉ ግን ተሓቢኦም ተሪፎም ንህወሓት ይፀርፉዋ ኣለው። "አችለንተ ዓለም ትሽዓተ" በለ ሓሽከር ጥልያን። እዙይ ክንብል እንተለና ግን ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለው ጎሓሉ ስቕ ኢልና ንርኣዮም ማለት ኣይኮነን። ስቕ ተተባሂሎምማ ንሓዋሩ ትግራይ ሰራቒ እምበር መራሒ ኣይተጥርን። እንታይ ሪኡ ክመሃር? ንጎሓሉ ንእሰሮም፣ ንውረሶም አይኮነይ ብንል ዘለና፣ ካብ ህዝባዊ ምሕደራ ይልገሱ ይተኣለዩ ኢና ንብል። ህወሓት ኣብዚኣ ሓፍ ዘይትብል ድክመት ኣላታ። ዝገበረቶ ብዙህ ዝነኣድ ስራሕቲ ኣሎ። ዓርሰ ምምሕዳር፣ ሰላም፣ ሓሪን በረኻነትን ንምቅላስ ጋህፃፃት ጎቦታት ትግራይ ሓምለዋይ ምግባር። እቱ ናይ ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ይፅናሕሞ እዙኹሉ ኣብ ትግራይ ምስ ጎቦታት ዝተገበረ ቓልሲ ዘርስሕ ናይ ስርቂ ታሪክ ህወሓት ክተውግዶ ይግባእ። ኣብ ላዕሊ ከምዝገለፅኩዎ ህወሓት ብተጋሩ ዓይኑ ክትረኣይ ዘለዋ ተሓፂባ ከምትፀሪ እምበር ከምትድርበ ክዳን ኣይኮነን። ማንም ትግራዋይ ኣጀንዳ ጌሩ ክሕዝ ዝግቦኦ ድልየትን ጥቕምን ህዝቢ ትግራይ እምበር ናይ ካልእ ክኽውን የብሉን። ንህወሓት ምድኻምን ምጥፋእን ናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየት ኣይኮነን። ህወሓት እንተጠፊኣ ህዝቢ ይጉዳእ እንተዘይኮይኑ ኣይርባሕን፣ ክርባሕ ዝደልዮውን የለን። ኣቱም ብካልእ ሓይሊ ይዕሰቡ ኣለው እትበሃሉ ዘለኹም ተጋሩ እማን እንተኾይኑ፣ ልቢ ግበሩ። ካብ ናይ ገንዘብ ፀገም ናይሕልና ፀገም ይኽፍእ! ህወሓት ምስኣጥፋእኹምሎም ናባኹም ዘይሮም ከምዘጥፍኡኹም ኣይትጠራጠሩ። ደርጊ ኣንፃር ህወሓት ዝነበሩ ኣማኢት ተጋሩ ካድረታትን ኣማሓደርትን ዝበልዖም ደርጊ ባዕሉ እዩ እምበር ህወሓት ኣይኮነትን። ኣብዚኣ ቁሩብ ደቓይቕ ንውሰድሞ ንራዳዳእ። ኣብ ትግራይ ዝተተግበረ ቀይሕ ራዕዲ ዝፈፀሙ ጓኖት ከይኮኑ ምስቱ ዝሰንከልዎን ዝቐተሉዎን ሓቢሮም ማይ እናሰተዩ ዝዓበዩ ደቂ ትግራይ እዮም ነይሮም። ውላድ ቀቲሎም ኣደ ኽቦሮ  ሒዝኺ ዕልል በሊ ዝብሉ ዝነበሩ እንስሳ ዘገዳም እኮ ካብ ካልእ ዝመፁና ኣይነበሩን። ሓለቓ ሚኢቲ ደስታ ታደሰ ንመንእሰይ ትግራይ ሓሪዱ ጎሚዱ ሸደነሞ ደርጊ ባዕሉ ቐቲሉ እይ ንማይ እይ ንሰማይ ኣትሪፉዎ። ማእከላዊ ተኣሲሩ "ዋይ እነ ደቂ ዓደይ ጎዲኤዮም" ኢሉ ይጠዓስ ከምዝነበረ ሰማዕና። "እንታይሞ ይዓብስ ደኒንካ ምብካየ ቐደም ነበረምበር ፈሰስ ምንካየ" እናተብሃለ ይድረፍ ነበረ ቐደም ብዙሕ ለባም ኣብዝነበረሉ ዘበን። ደስታ ብኢድ ጎይቶቱ ምስጠፍአውን እዚ ስጉምቲ ዝምልከቶም ዘይመሰሎም ላህማማት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝገብርዎ ወፍሪ ብወታሃደራዊ መዳይ ቐፂሎም ክሳብ እታ መዓልቶም።ዘንዶ ኣዞ እናበሉ፣ ምስ ውሽጥኻ ዝፈልጥ ምስወዲ ሩባኻን ብድሕሪቱ ሙሉእ ዘይጉዱል ሓገዝ ምስዘለዎን ውግእ ከቢድ እዩሞ፣ ንህወሓት ፎቖዶ በረኻ ትግራይ ብውሽጢ ከም ሓቢ ሰንሰን ኣበልዋ። ደርግ ምስ ደቅዓዶም ደምንት ዝኣተዉ ተጋሩ ካድረታትን ዞባን ወረዳን ኣማሓደርቲ ሜዳልያ ክንድዝሽልሞምስ ግፍጥ ኣቢሉ ማእከላዊ ዳጒኑዎም። ዝደንፀዎም ካድረታት ንመንግስቱ ኣቤት እንተበሉኳ ካብ በትሪ ኣይደሓኑን። ዘይፈልጡዎ ናይ ህወሓት ስርዒት ኣቃልዑ ተባሂሎም ዝተዘበጡን ዝተቀተሉን ኣለው። በትሪ በዚሑዎም ናይ ሓሶት ስርዒት ንዝሰርሓሎም ኣባል ሕወሓት እሱር መቑሹሽ ይህቡዎ ከምዝነበሩ መስሓቅ ዝኾነ ታሪክ ብዓይንና ኣብ ማእከላዊ ተዓዚብና።  እዞም ካድረታት ኮሎኔል ፍስሃ ደስታ ህወሓት ኣባል እዩ ኢልኩም ፈርሙልና እናበሉ ይዘብጥዎም ከምዝነበሩ ብኢሎም በሉ ወረ እንተይኮነስ ባዕልና እንፈጦ ታሪክ እዩ። ንመንግስቱ ክንድፍስሃ ዝሸቀለሉ ይህሉዶ ይኽውን? ቅድም ኢለ ከምዘብራህክዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወድሰብ ናይ ውልቁ ኣረኣእያ ክኽበረሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ክንብል ከለና ግን እቲ ናይ ውልቂ ኣራኣእያ ንኻልእ ሰብ ዝጎድእ ክኸውን ይፍቀድ ማለትና ኣይኮነን። ውልቃዊ ኣራኣእያ ብዘስዕቦ ፀገም ካልእ ሰብ ክልከም የብሉን።
Full Website