Back to Front Page

እዋናዊ መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

መከላኸሊ ሰራዊት ትግራይ ዓወት ድራሩ! ብክላሽን ኮብ፣ ታንክታት፣ መዳፍዓት፣ ቢኤማት ወዘተ ማሪኹ፣ ፀላእትና ስዒሩ መንነትና ዳግም ኣመስኪሩ!!

ፋሽሽታዊ ግብረ¬-ራዕዲ ጉጅለ አብይ ኣሕመድ፣ ውልቀ መላኺ፣ መራሒ ኣረመነ ጉጅለ ሻዕቢያ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፣ ዕጡቓት መሬትን ኣስመላሽን ዘለዎም ዕሱብ ዑጡቕ ሰራዊትን ኹሉ ዓይነት ጋዕ ገልጠም መሳርሒ ኲናትን ኣዋዲዶም፣ ንትግራይ ብቕሉዕ ካብ ዝወሩ ክልተ ሰሙን ኣቑፂሮም ኣለዉ፡፡ ናብ ሙሉእ መጥቃዕቲ ዘይተሰጋገረ ሰራዊት ትግራይ፣ ኣብ ኩሎም ግንባራት ዝገበሮም ናይ ምክልኻል ውግኣት፣ ወረርቲ ኣብ ዘብፅሕዎ ውግእ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ክሳራ እናተሸከሙ ስዕረት ይጉምጎሙ ኣለዉ፡፡ እዚ ሓቂ ኣብ ግንባር ባድመን ዛላንበሳን ዝተማረኹ፣ ኣባላት ሰራዊት ሻዕቢያን ዕሱባት ዕጡቓት ኣረመኔያዊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ብረት ንምምብርካኽ ሰለስቲኦም ወረርቲ ግንባር ፈጢሮም ዋላ፣ ብኣርባዕተ ኣንፈታት ትግራይ ተኸታታሊ ውግኣት እንተካየዱ፣ ከምቲ ዝሓሰብዎ ንቕድሚት ክስጉሙ ኣይከኣሉን ጥራሕ እንተይኮነስ ገሊኦም ኣሃዱታት ወራሪ ሓይልታት፣ ኣይንኽእል እንተበሉ እውን ብምፍሳስ ደም ንፁሃት ዝረወዩ ኣረመኔታት መራሕቶም እንቢ እንተኢልዎም ብድሕሪትን ብቕድሚትን ኮይኖም ብጥይት ስለዝጭፍጭፍዎምን ዝርሽንዎን፣ተገዲዶም ኣብ ዝኣተውዎ ሓዊ፣ ከም ቆፅሊ ዝረግፉሎም ውግኣት ኣለው፡፡ ዕሱባት ወታደራት ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ድማ ዓንፆዓንፆ ንፁሃት ዜጋታት ቐቲሎም፣ ኣቑሲሎም ጥራሕ ከይኮነስ ንብረት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ማዕፆን እኽልን ከይተረፈ ገቢቶም እዮም፡፡ እዙይ እከይ ተግባር ክትፍፅሞስ ይትረፍ ክትሰምዖ እውን ዘሕፍር ፍፃመ እቲ ትኽክለኛ ወራራይ ባህሪኦም ዘግሀደ ጉዳይ እዩ፡፡ ከም መቐፀልታ እዚ ኣረሜናዊ ባህሪኦም ድማ ሎሚ 7 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ መቐለ ዝተኻደ ደብዳብ ነፈርቲ ሓዊስካ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ንህዝቢ ትግራይ ብዝበለፀ የሐርኖ እምበር ኣየንበርክኾን፡፡ እንተኾነ ኣብዞም ዝተኻየዱ ውግኣት፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ማይን ፀባን ኮይኖም፣ ኣብ ኩሉ ግንባራት ነቲ ወራር ብምምካት ፀላኢን ፈታዊን ዘስደመመ ሓዱሽ ታሪኽ ኣመዝጊቦም እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ኩሎም ግንባራት ፀላእትና ዝሕምሽሽ ዘሎ መከላኸሊ ሓይሊ ትግራይ መስተንክር ሰሪሑ እዩ፡፡ ብምዃኑ ሓደ ቦጦሎኒ ኣስታት ካብ 500 ሚኢቲ ዘይበዝሕ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ንሓደ ክፍለ-ሰራዊት ማለት ብ10 ታት ኣሽሓት ዝቑፀር ዕሱብ ሰራዊት ምስ ጋዕ ገልጠሞም ቀሊልን ከቢድ ብረቱን የሻል ዘብለሉ ውግኣት ኣሎ እዩ፡፡ኣብ ገሊኡ እውን ርዕኡ ደርቢዩ ዝሃደመሉ ቦታታት ነይሩ እዩ፡፡እቲ ብጣዕሚ ዘሕብን ጅግንነት ምልሻ ትግራይ ክንደየናይ ዘኹርዕ ምዃኑ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ ሓደ ውግኣት ምልሻ ትግራይ ብክላሽን ኮብ ጥራሕ፣ ታንክታትን ቢኤማትን ፀላኢ ማሪኹ እዩ፡፡ እዚ ኣንፀባራቒ ዓወት ፈታዊ ጥራሕ ከይኮነስ ፀላኢ እውን “ቆሎ ስገም በሊዕኻዮ ቀሓርየ! ሓሶት እምበር ወያነ ዶ ይሰዓር እየ” ዝብል ህያው ደርፊ ዳግማይ ወያነ ክዝክሩ ዝገበረ ተኣምራዊ ስርሒት ሕድሪ ኣቦታቱ፣ ኣሓቱን አሕዋቱን ዘየዕብር ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና፣ ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበር ዓለም ብዓላማ ህዝቢ ትግራይ መን እዩ? ዘብል ካሊእ መስተንክር ከምዝሰርሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡ ይኹን ድኣ እምበር፣ ዕሱብ ወራሪ ሰራዊት ፀላኢ፣ ኣብ ህዝቢ ዘብፀሖ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ከም ዓብዪ ዓወት ዝቖፀረ ብፋሽሽቲ ኣብይ አሕመድ ሳምባ ዝትንፍሳ ሚድያታት፣ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ደም ንፁሃት ንክፈስስ ናይ ፅልኢ ፕሮፓጋንዳ ወግሐ ፀብሐ ዘጋውሓ ኣለዋ፡፡ እንተኾነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ወታደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣብ ዝመረፅዎ ቦታን ሰዓትን ወራሪ ፣ብሚሳይልን ብኣጋር ሰራዊትን ሕቕኡ ሰይሮም ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ፣ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓመድ ድበ ከምዝኸድንዎ ህዝቢ ትግራይ ይተኣማመን እዩ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ናይ ክልተ ሰራዊት ግጥም ኣይኮነን፡፡ ኣብ መንጎ ወረርቲ ጎብጥቲ ሓይልታትን ብሓፈሻ፣ ንብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ዳግም ኣብ መቓብር ፀላእትና ንምርግጋፅ ዝዋደቕ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣዴታት ትግራይ እናዓለላ ብሓፈሻ ህዝብና መላምል ደቁ መሪቑ ንግምባር ዝልእኽ፣ ፀገማት ተፃዊሩ ባዕሉ፣ እኽለማይ ዘቕርብ፣ ንዉግኣትና ደም ዝልግስን ዝሕብሕብን፣ ፀጥታ ከተማታትናን ገጠራታትናን ብምሕላው ትግራይና ዓዲ እምቢታ ገይሩ ንፀላእቱ ረመፅ ገይሩዋ ኣሎ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ግና ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ሰለስተ ኣሕዋታ ዝተሰዉእዋ ነባርነታ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝኾነትን ኣዶ ኣርብዓተ ቖልዑ ዘነቡ ሃፍታይ ዝተብሃለት ዋዕሮ "ትግራይ ሽልማተይ ብምባል" ብናይ ዓመታት ፃዕሪ ዘጥረየቶ ሙሉእ ሽልማት ወርቂ ንምጥንኻር ንምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ኣወፍያ እያ፡፡እዙይ ህያብ መግለፂ ኩለን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ብድማር ቀንዲ ተዋሳኣይ እዚ ህዝባዊ ኲናት ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ምሕሳብ ምስ ከውሒ ተላቲምካ ሑፃ ምዃን ከምዝኾን ብጭቡጥ ዘርኢ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብዝነበሩ ውግኣት ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ፣ ብ100ታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ደቂ ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተዓቒቦም ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንኣሓቱን ኣሕዋቱን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ምስጋንኡ እንተቕርብ፣ ኣጋጢሙና ዘሎ ጊዚያዊ ፀገም ሰጊርና ኣብ ልዕሊ መቓብር ፀላእትና ዘይሃስስ ሓዱሽ ታሪኽ ከምእንፅሕፍ ጋህዲ ዝገበረ፣ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ከም ዓረ ዝሰጠመ ሓድነት እውን ጭቡጥ መርኣያ እዩ፡፡በዚ ኣጋጣሚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ብምድርን ኣየርን ኣብ ንፁሃት ዜጋታት ዝበፅሕ ዘሎ ጨፍጫፍን ግፍዕን፣ ክኹነን ብቐንዱ ግና ንዝተፈናቐሉ ደቂ ትግራይ ኣድላይ ሓገዝ ብምሃብ እጃሙ ከወፊይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ  ፃውዒቱ የቅርብ፡፡
Full Website