ኤርትራውያን፡ ጓል መገድን ሕማም ጽልእን ገዲፍና፡ መጻኢና ብተግባር ነውሕስ

ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

22 ጥቅምቲ 2020

ኣብዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቀውዒ ምህርቱ ክሓፈስ፡ ኣብ ዝጉየየሉ ዘሎ፡ ናይ ክልተ ዓመት እዋን ቀውዒ፡ ናህና ናይ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ፡ ፍንጡሕን ናይ ደውታን ኣተሃላልዋ፡ የሕዝን። እቲ ጉዳይ ናይቲ ከይደቀሰ፡ ዕላማኡ ዝገብር ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ናህና ናይ ከም ህዝቢ ክንህሉ እንደሊ ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ግን፡ ንሕና ውጹዓት ኤርትራውያን፡ ዕላማናን ኣተሓሳባናን፡ ጌና ፍንጡሕ ብምዃኑ፡ ማለት ሃገራዊ ፖሊቲካ ክንሰርሕ ብዘይምብቃዕና፡ ናይ ትማልና መሰረትን፡ ዘሎናዮ ኣተሃላልዋን፡ ኣንጸላልዩና ዘሎ፡ ዘየላቡ ሓደጋን መጻኢናን፡ ብዝግባእ ርድኢት፡ ከነተኣሳስር ኣይከኣልናን። ከም መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ 20ታት ዓመታት መድረኽ ለውጢ፡ ሎሚ`ውን፡ ነዚ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ዘሎ ጉዳይና፡ ብዝግባእ ገምጊምና ስጉምቲ ኣብክንዲ ምውሳድ፡ ኣብ ጓል መገዲ ነኹድድ ኣሎና፤ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን፡ ከም ትማልና ጸላኢና ኢሳያስ ንኸይወድቕ፡ ጌና ንከላኸልን ዕምሩ ነናውሕን ኣሎና። ገሌና ድማ፡ ልክዕ ከምታ ቃና ቀዳማይ ጸላኢናን ጸላኢ ሰላምን ኢሳያስ ምስ ዕሱባቱ፡ ኩናት ዘይብልና፡ ኣብ ሰላምን ንቡርን ከምዘሎና ኣምሲልና፡ ተደናጊርና ነደናግር ኣሎና። እቲ ናህና ኣብ ውሽቲ ሃገርናን፡ ግሕሰት መሰላትናን ዘሎ፡ ድምጺ ዘይብሉ ቀጻሊ ኩናትን፡ ከምቲ ኣብ በረኻታት ሲና ዝሰማዕናዮ፡ ዘይስማዕ ኣውያት ናይ ልዕሊ 360 ኣብያተ ማእሰርትን ማህረምትን ሞትን ባርነት ረሲዕናስ፡ ጨለታት ክንመስል፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ኹሩዓትን፡ ምእንቲ መሰሉ ዝምክት ዘሎ፡ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ኩናትን ክንወራዘን ኣይግድን። እዚ ተርእዮ`ዚ፡ ንሕና ከምህዝቢ፡ ማዕረ ክንደይ ብኣተሓሳስባ ፈሪስና ከምዘሎናን፡ ብሃገር ምሕሳብ ከምዘይበቃዕናን፡ ከም ኢሳያስ ናይ ህልኽን ጽልእን ዝመላእና ለቖታ፡ ከምዝኾና እዩ ዝሕብር። ኣብ ሃገርና ሰላም ኣሎ፡ ኩናት የለን፡ ሃገር እናደርበኻ ብዛዕባ ዶብ፡ ንናይ ገዛኻ ኩናት ዓይንኻ ዓሚትካስ፡ ኩናት ሕማቕ እዩ ምባል፡ ወዘተ፡ ከምዚ ቢሉ ዝኣምን ደላይ ለውጢ፡ ከመይ ዝበለ ኺኸውን ኣለዎ??? ዘይ ከምዚ ዝበሉ ዕውንዋኖ፡ መን ናብዚ ኣብጺሑና!

Videos From Around The World

እዚ ኣብ ልዕሊ ጎርናን ሓውናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኩናት፡ ብመሰረቲ፡ ብፖሊቲካን ብተግባርን፡ ናህና ናይ ኤርትራውያን እዩ፥ መቀጻልታ ናይቲ ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና፡ ብዘይ ምቁራጽ፡ ንዓመታት ዘካይዶ ዘሎን፡ ዘይጸገቦን፡ ክበጽሖ ዘይከኣለ መደብ ንብጻሕን፡ ዝተወልዐ ኢሳያሳዊ ኤርትራዊ ኩናት እዩ። ብሓጺሩ፡ መቐጸልታ`ቲ ኩናት ዶብ 1998ን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጂ-15ን ሰዓብቲ መትከሎምን ዝተኣውጀ ኩናት፤ መቐጸልታ`ቲ ዘየደቀስናዮ ኩናት ሓድሕድን፣ መቐጸልታ`ቲ፡ ብዙሓት ኣሰሚዕምልና፡ ጸማም እዝኒ ዝሃብናዮ (ንኣብነት፡ ስዩም ዑ/ሚካል (ሓረስታይ)፡ ተኽለ ዓደን፡ ወዲ-ጆርጆ፡ ወዘተ)፤ መቐጸልታ`ቲ `ዶብና ይተሓንጸጽ፡ ወያኔ ጸላኢትና እያ` እናበሉ፡ ንለውጢ ዝዓንቀፉ እዩ። ስለዚ፡ ኤርትራን መሬታን፡ ሰብ ዝሰኣነት፡ ናይ ኢሳያስ ወተሃደራትን፡ ዝኾነ ሰብ እከይ ሓንጎልን ዝጻወቱላ፡ ናይ ኩናትን ጥፍኣትን ቀንዲ ምኽንያትን መናሃርያን እቲ ዕቡድ ኢሳያስ ኮይና`ላ። ንሕና ኤርትራውያን፡ እዚ ሓላፍነት`ዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎና፤ እዚ ውግእ ናይ ምንጻት ዓለት`ዚ፡ ብዕላማኡን ትሕዝቶኡን፡ ናይ ኤርትራዊ ኢሳያስን ልፍንታዊ ዕላማኡን ንምትግባር፡ ዝተሓንጸጸ መደብ፤ ነዚ ንኽገብር፡ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ብዓያሹ መገልገልቱ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣጥፊኡ፡ ሕጂ`ውን ነቲ ንዕላማኡ ዝዓንቀፈ ህዝቢ ትግራይን መሪሕቱን፡ ከጥፍእ ብኤርትራውነት ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ክሳብ ዝኾነ፡ ንዓና`ውን እዚ ኩናት`ዚ፡ ብዕላማኡን ባህሩን፡ ዘይፈልየና ኩናት እዩ። ብመሰረቱ፡ እዚ ውግእ`ዚ፡ ናይ ውጹዓት ፍትሓዊ ሕዝባዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር እቶም ከደምትን ውልቀመለኽትን፡ ዘይሩ-ዘይሩ ናይቶም ብስስዐ ናጻ ዕዳጋ ዝተጎልበቡ፡ ሓደስቲ ገበቲ መንግስታትን (neo-colonialists) ዝገጠመ፡ ኩናት ብምዃኑ፡ ብጓል መገዲ ዝስገር ኣይኮነን፤ ንዓና`ውን፡ እዚ ጎርናን ኃዉናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ሰላምናን ጥፍኣትናን ምኽንያት ምዃኑ፡ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፤ ስለዚኾነ፡ ኣብ`ዚ ዕድል`ዚ፡ ናይ ነፍሰ-ምድሓን፡ ግብራውን ቅልጡፍን ተግባር ክንገብር የድልየና`ሎ።

ኤርትራውያን፡ ካብ ምምሃር ጠጠው ዝበልና ድኣ ከይንኸውን ስኽፍታ ኣሎ`ምበር፡ ነዚ ሓደ ህዝብን ክልተ ሃገርን፡ ጥፍኣቱን ልምዓቱን፡ ፈጺሙ ዘይፈላለ ምዃኑ ዝምህሩና፡ ናይ ትማሊ ህያው ታሪኽ ኣለዉና። ንኣብነት፡ ታሪኽ ኩናት ሓላይ (ወይ መቅድመ ኩናት ዓድዋ)፡ ኣንጻር ጣልያን፡ ከምኡ ናይ ክልቲኡ ወገን ተጋደልትና፡ ኣንጻር ስርዓት ደርግ፡ ናይ ቀረባ ሕያው ምስክር እዩ። ኣብቲ ዘየላቡ ኩናት ሓላይ (1894)፡ ጅግናን ኩርዓትናን ዝኾኑ ኣቦና ባህታ ሓጎስ (ኣባ ጥመር)፡ ንጣልያን ክገጥሙ ምስ ወሰኑ፡ ``ሎሚዶ፡ ምስቶም ሓውቦታተይ ዝቐተሉ፡ መዓል ኣሻሕ ላመይ ዝዘመቱ ዶግዓውያን ክመሳሰል`` ከይበሉ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተገንዚቦም፡ ልኡኾም ናብ ራእሲ መንገጽሻ (ትግራይ) ሰደዱ፤ ከምዚ ድማ በሉዎም፡ `እቲ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፍልልያት፡ ተዛቲና ክንፈትሖ ንኽእል ኢና፤ ሕጂ ግን ንጣልያን፡ ካብ መሬተይ ክጽርግፎ፡ እኸትት ኣሎኹ`ሞ፡ ንዓ ሎሚ ሓግዘኒ``፡ በልዎም። ርእሲ መንገሻ`ውን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊቶም ሰደዱ፤ ካብ ኮዓቲት ክሳብ ክፍሊ ሽመጃና`ውን ገጠሙ። እንተኾነ፡ እቲ ብናይ ዶጉዓሊ (ገምገም ባጽዕ) ዝሰንበደ ጣልያን፡ ተጋሩ ንረዳት ይመጹ ምህላዎም ስለዝፈለጠ፡ ብዝገበሮ ቅልጡፍ ዝርጋሐ፡ ዓወት ኣይሃቦምን። ኣቦና ባህታ ሓጎስ ተሰዊኦም፡ ሰራዊት ራእሲ መንገሻ (ተጋሩ) ብመጥቃቲ ጣልያን ተበተኑ። ካብዚ ቀጺሉ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ዘይመልእ፡ ጣልያን ንትግራይ ወረራ፥ ኩናት ዓድዋ (1896) ተኻየደ፤ ግን ወላ`ኳ ፋሽሽቲ ጣልያን ኣብ ኩናት ዓድዋ (ዳግማዊት ሓላይ) እንተተሳዕረ፡ እቲ ዓወት፡ እቲ ውግእ፡ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኣብ መንጎ ጣልያንን ኣምሓራን ስለ ዝተቐርቀረ፡ እቲ ዓወት ዓድዋ ምሉእ ዓወት ኪኸውን ኣከኣለን። ምኽንያቱ፡ ብኣማልድነት ምንሊክ፡ ንፋሽሽቲ ጣልያን ካብ ዓድዋ ተኾኪቦም፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣየጥሓልዎን። በዚ ምኽንያት`ዚ፡ ኤርትራ (የነጮች ምድር - ናይ ጸዓዱ መሬት ተባሂላ) ኣብ ትሕቲ ፋሽሽቲ ጣልያን፡ ን40 ዓመታት ተገዝአት፤ ከምኡ ህዝቢ ትግራይ፡ ብገዛእቲ ኣምሓራ፡ ከምዘይ ኢትዮጵያዊ ተቖጺሩ፡ ን50 ዓመታት ተጨፍጨፈ። ሰልዚ፡ ሕጂ`ውን ወላ ክልተ ሃገር ንኹን፡ እቲ ዘይፈላለ ሓባራዊ ዕጫና፡ ከምዚ ንምግባር ዝህንደስ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሕማቕ ታሪኽ ከይምለሰና፡ ሓለፍነትና እዩ፤ እዛ ዓለምና ሓሳዊት እያ።

ካልእ ሃብታም ኣብነት`ውን ኣሎና፤ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን፡ ኣብ መኸተ 6ይ ወራርን ሽረን ካልእን፡ ብናይ ፖሊቲካዊ መሪሕነታቱ ኩራን ባህርታትን (ብፍላይ በቲ ኣብኩሉ መድረኻት ከም ሃመማ ጠብሎቕ እናበለ ዝጽይቕን ዝሰርቕን ዝነበረ፡ ባዕዳ ዕላማ ዝተሓንገጠ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ከይተዓንቀፈ፡ ኣብ ሓደ ድፋዕ፡ ንሓንቲ ህዝባዊ ሕቶ ሓርነት፡ ሓባራዊ ትንፋስ ተኸፊሉ፡ ተጋዳላይ ህግን ተጋዳላይ ህወሓትን፡ ብሓደ ወዲቖምን፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮምን እዮም። ነዚ ዝሕብር ታሪኽ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህወሓት ነበር፡ ሓየሎም ኣርኣያ፡ ኣብቲ ጽባሕ ሓርነት ኢትዮጵያ፡ ንተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኣኪቡ ዝበሎ ቃል፡ `ተጋዳይ ህግ ጅግና ከምዝኾነ፡ እንተኾነ ንዕኡ ዝበቅዕ መራሒ ከምዘይብሉ`ሞ፡ `ንዓኻ ዝበቕዕ መራሒ ይፍጠረልካ!`` ቢሉ ከም ዝተመነየሉ`` ዝሕብሩ ሰነዳት ኣለዉ። መሪሕነት ህግ፡ ኢሳያስ ከም ሰፋያይ ክዳን፡ ብመቐስ ቀምቂሙ ዘቐመጦምን፡ ልክዕ ማዕረ ኢሳያስ ገበናት ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ተጋደልቲ ዝፈጸሙን ስለዝኾኑ፡ ቀንዲ ጥፍኣት ኤርትራና ንሳቶም እዮም። ድሕሪ ናጽነት፡ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስን ድሌትን ልዑላውነትን ኤርትራ፡ ምንም ተጠራጢሩ ዘይፈልጥ፡ ንህዝቢ ትግራይን ኢህአዲግን፡ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገረ-ኤርትራ፡ ከምዝኣምን ዝገበረን፡ ታሪኻዊ ውድብን መራሕነትን እዩ። ስለዚ፡ መስዋዕቲ ጀጋኑና ከንቱ ከይከውን፡ ናብ መግዛእቲ ሾቮኒስት ኤሊት ኣምሓራ ከይንወድቕ፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ንዳሎ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን፡ ኣብ መድረኽ ፖሊቲካ ዓለም፡ ንሕጋዊ ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንህልውና ልዑላዊት ኤርትራን፡ ልዕሊ`ቲ፡ ባዕዳዊ ልፍንታዊ ዕላማ ዘለዎ፡ ከዳሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዝያዳ ዝተጣበቐን ዝተማጎተን ሰብ፡ መለስ ዜናዊ ምንባሩ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። መለስ እንክንብል፡ ንውድቡ`ውን የጠቓልል። ቀ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ከም ጥዑይ ሰብ ዝሓስብን፡ ሰብ ኩልናን፡ ምእንቲ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ነባሪ ሰላምን፡ ጌና ታሪኽ ዘይገለጾ፡ መትከል ዝኸፈለ፡ ክዝከር ዘለዎ፡ ክቡር ሰብና እዩ። ብዓቢኡ ድማ፡ ንረብሓ ውጹዕ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብምጥባቑን፡ ነቶም ናይ ዕዳጋ መኽሰብ ዝኣምላኾም ስሱዓት፡ ኖ! (NO!) ዝብልን፡ ንኣፍሪቃዊ መትከልን ፍቅሪ ኣፍሪቃዊ ውጹዕ ህዝብን፡ ብብቕዓት ዝመሃረን ንመትከል ውጹዓት ዝተበጀወ፡ ብሉጽ መራሒ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነዚ ክልተ ሃገርን ሓደ ህዝብን፡ ሓርነትን ርእሰ-ውሳኔን ክንሕሉን መስዋዕቲ ክንከፍልን፡ ንሽርሒ ውልቀ-መለኽትን ብጽልኢ ዝተላዕጠጠ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን፡ ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና፡ ብንቕሓትን ቅልጡፍ መልስን ክንምክትን ተራና ክንጻወትን፡ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ምዃኑ፡ ብዓውታ ከዘኻኽር እደሊ። ሓደ ህዝቢ፡ ብዓሌቱን ፖሊቲካዊ ውሳኔኡን ምኽንያት፡ ብኣልመማ ውግእ ክእወጀሉን ክዕመጽን፡ ስቅ ምባል፡ ገበን ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንዓና ንጎር ህዝቢ`ውን ብሓደ መፍረዲ ፈሪዱ፡ ንኸጥፍኣና፡ ምጽባይ እዩ። ስለዚ፡ ንተንስእ፡ ንህልውናና ስጉምቲ ንውሰድ።

ኤርትራዊ ሰራዊት ህግደፍ፡ ዝተባህሎ ሰይጣናዊ ትእዛዝ ኢሳያስ፡ ካብ ምትግባር ሓሊፎም፡ ካልእ ክገብርዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ኣይንጽበን፤ እንተዝህልዎምስ፡ ኣይኮነ ንትግራዋይ፡ ንስድራኦምን ኣሕዋቶምን፡ ንበደዊን ንምሻጥ ኣይምተዋፈሩን። እቲ ቀዳማይ ሕቶን ተሓታትነትን ናህና፡ ናይ ደላይ ለውጢ እዩ። ኢሳያስ 10ተታ ዓመታት ይግብር፡ ተበርቚቑ ክጉሓፍ ዝነበሮ፡ እዚ ንኸይትግበር ዝዓንቀፉናን፡ ሕጂ`ውን ንይኣክል ንልዕሊ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ጓል መገዲ ዕንክሊል ዘብሉ ዘለዉን፡ ትንፋስ ኢሳያስ ዘናውሑን ንሃገርና ዝበተነን ኣካይዳ፡ ኣብ ማእከል ደላይ ለውጢ ዘለው፡ ሕሱራት ዜጋታትና እዮም፤ ምንጪ ናይዚ ድማ፡ ሃገራዊ ጸላኢኻ ዘይምፍላጥን፡ ብሕሙም ዘይሃገራዊ ኣተሓሳስባ ካብ ምኻድን ዝመንጨወ ድኽመትና እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን፡ መስዋዕቲ ኣእላፋት ኣሕዋትናን ኣቦታትናን (ክልቲኡ ጾታ) ከንቱ ከይኮነ ከሎ፡ ህዝቢ ዓለም ብዕሽነትና ከይስሕቐልና፡ ከምቲ ኣብ 40ታትን 50ታትን ብኣንድነታውያን ዝኸሰርናዮ ክስራን፡ ንዳግማይን ንሓዋሩን ከይንኸስር፡ እዚ እናሰማዕኻ ምጽማም፡ እናርኤኻ ምዕዋር ደርቢና ንንቃሕ። ምእንቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓና፡ ተወሃሂድና፡ ምስ ውጹዕን ፍትሓዊ ቃልስን ዝካይድ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ዞባውያን ምንቅስቓሳትን ጠጠው ኢልና፡ ክንምክት ንሕተት ኣሎና፤ ምናልባት እዛ ዕድልን ግዜን እዚኣ እንተምሊጣ፡ ዘይትርከም ክትከውን ትኽእል እያ። ግን ሓዳስ ዜና ኣላትኒ፡ ኢሳያስ ልፍንታዊ ዕላማ ዘለዎ፡ ናይ ትማሊ ከዳሚ እዩ፤ ናይ ሎሚ ከዳሚኸ፡ መን ይመስለኩም? እዚስ ኣብ ቅድሜና ስለዘሎ፡ እቲ ዝድለ ንእግረመገድና ኣተዂርና ምጥማትን፡ ብሕቶ ምውጣርን፡ እንበጽሖን እንፈልጦን፡ ናይ መድረኽ ስነምግባራዊ-ዲሞክራሲ ዕዮ ገዛና እዩ። ተንስእ መንእሰይ!

ዓወትን ሰላምን ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ውድቀት ንውልቀ-መለኽትን ሾቮኒስት ኤሊት ኣምሓራን፥

Full Website