06-22-20

- ውድብ ኢህወደግ አብ ጉዕዞ  ቃልሱ ብዙሓት ፈተንቲ ማሕለካታትን ናይ መስመር  ምትሕውዋስን እንትገጥምዎ ፤ንባዕሉ ናይ ምርኣይ ባህሪ ዝተላበሰ ውድብ ስለዝነበረ ሰፋሕቲ መድረኻትን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዝተኣናገደሉ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ነፃ ክትዓትን እናካየደ መስመሩ ብምፅራይ ዓወት ናመዝገበ ዝመፀ ውድብ ኮይኑ እናሃለወ ኣብዚ ሐዚ ንርከበሉ ንኡስ መድረኽ ኮይንና ክንርኢ ከለና ግና፤ ውድብ እህወደግ ነቲ “ንውሽጥኻ ምርኣይ’’ ዝብል ካብ በረኻ ኣትሒዙ ሒዝዎ ዝመፀ መለለይ ባህሪኡ ንጎድኒ ብምግዳፍ ንባዕሉ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ባህሪ ስለ ዝተላበሰ ከም ውድብ  ባዕሉ ንባዕሉ ዝበልዐ ውድብ ኮይኑ ካብ መሬት ኢ/ያ ብዘሕዝን ኩነታት ከም ጨው ሓቂቁ ተበቲኑ ጠፊኡ እዩ።አብ ውሽጢ ኢህወደግ ብዝተፈጠረ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ፤ ፅግዕተኛ ዝኮነ ሓይሊ ናብ ስልጣን ተቆናጢጡ ። እዚ ሓይሊ እዚ በትሪ ስልጣን ምስ ሐዘ ቀጥታ ነቲ ናይ ኢህወደግ ዝነበረ መትካላትን ትካላዊ ስርዓትን ብምፍርራስ ሓደ ኢሉ ዝጀመረ እንትከውን፤ አብ ክልላት አምሓራ፤ ኦሮሞን ደቡብ ኢ/ያን ዝነበሩ ነቲ ውፁዕ ሓፋሽ ዝውክሉ ቢሄራዊ ውድባት ብምፍርራሕን ብምድላልን ብዘይሐጋዊ መንገዲ ካብ ገፅ መሬት ፀራሪጉዎም እዩ።

- አብዚ ሓያል ግጥም ዝጠልብ ንኡስ መድረክ ኮይኑ ውድብ ህወሓት ሕድሪ አባለቱን ህዝቡን ከይጠለመ ንባዕሉ ሪኡ ፤ ነቲ ነባራዊ ኩነታት አንቢቡ፤ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ከም ዝጠቅሞ ብግልፂ ብሳይነሳዊ መንገዲ ተንቲኑ ምስ ህዝቡን አባላቱን ተመያይጡ ብልምዓታዊ ዲሞኩራሲያዊ መንገዲ ከም ዝቅፅል ብግልፂ ደምዲሙ ወፅዩ እዩ። አብ ዘካየዶ ናይ ህዝቢ ኮንፈረንስን ህፁፅ ገባኤኡን ነዙይ ተቀቢሉ እዩ ከይዱ። እሞ ንምንታይ ደአ ልምዓታዊ ዲሞኩራሲ መስመር ተመሪፁ ?እንተይልና ፤ ምክንያቱ ናይ ልምዓታዊ ዲሞኩራሲ  መንገዲ እንትረአ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ህንፀት ስርዓት ነፃ ዕዳጋ፤ ሃገራት ድሑር ዝኾነ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ምትእስሳር እንትህልዎም፤ ድሑር ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት እንትህሉ ፤ነዚኦም ካብ መሰረቶም ብምውጋድ፣  ቅልጡፍ ፤ ፍትሓውን ቀፃልነትን ዘለዎ ናይ ነፃ ዕዳጋ ኢኮኖሚ ዝሃንፅን ዝተማልአ ናይ ነፃ ዕዳጋ ዲሞክራሲ ዘረጋግፅን ብምዃኑ እዩ።ኣብዚ መስመር እዚ ዝህነፅ ስርዓት ብመሰረቱ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ተጠቃምነት ዘረጋግፅን  ሓረስታይን እቲ ናይ ከተማ አብዝሓ ህዝብን ዝውንኖ ስርዓት ስለ ዝሃንፅን እዩ።መማረፂ ዘይብሉ ተመራፂ እዩ እንትንብል ካብ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታት ብምብጋስ’ዩ። ኢትዮÉያ ንብዙሕ ዓመታት ብዘውዳውን ወታደራውን ስርዓት ክትመሓደር ዝፀንሐት ሃገር ከም ምዃና መጠን፤ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ንናይ ኢትዮÉያ ብዙሕነት ተቀቢሉሕቶ ህዝቢ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ተሃኒፁ ዝማዕበለት ሃገር ክትህሉ ናይ ኩሉ ኢትዮÉያዊ ባህግን እምነትን’ዩ። ነዚ ከሳክዕ ዝክእል ድማ መስመር ልምዓታዊ ዲሞኩራሲ እዩ። ኣብ ኢትዮÉያ ጠንቂ ሰላም ኮይኑ ዝፀንሐን ነኒ ባዕልና ክንጠራጠርን ዝገብር ዝነበረ ሕቶ ብዙሕነት ዝምልስ መስመር’ዩ። ኣብዚ ሃገር ሰላም ብምስፋን ቅልጡፍ ልምዓት ከረጋግፅ ዝኽእልን ሕብረ ብሄራዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝሃንፅን መስመር’ዩ፣ እቲ ኣብ ኢ/ያ  ዝረጋገፅ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ድማ ብኣንፃር ረብሓ ብዙሕ ውፁዕ ሓፋሽ ኢትዮÉያ  ክኸውን ዝቃለስ መስመር’ዩ።

- ስለዚ ህወሓት ማሕበራዊ መሰረቱ ሓረስታይን እቲ ንኡስ ወናኒ ነባራይ ከተማን ብምዃኑ፤ ነዚ መስመር እዚ ንከቕፅል ዋና ምኽንያት ይኸውን። ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ድማ ነዞም ክፋላት ሕ/ሰብ እዚኦም ሓለዋ ጠጠው ዝብል ስለዝኮነን፤ ነዚ ስርዓት እዚ ናተይ እዩ ዝብል ማሕበረሰብ ክሳብ ዝሃለወን ፤ ነቲ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብምዃኑ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንኢትዮጵያ ወይ ንትግራይ መማረፂ ዘይብሉ ናይ ምምሕዳር መልክዕ ተገይሩ ይውሰድ።

- ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣነ ሕጋዊ ውድብ እየ ኢሉ ንክመርሕ ፋሕጠርጠር ዝብል ዘሎ ውድብ ብልፅግና ደኣ ንኢትዮጵያ  ናበይ ይወስዳ ይኸውን? ዝብል ንርአ፤ ኣብ ስርዓት ነፃ ዕዳጋ ክህልው ዝክእሉ ናይ ምምሕዳር መልክዓት ቡዙሓት ‘ዮም። ካብዚኦም ውሽጢ ኣብዚ ዓለም ብተግባር ዝተርኣዩ ወሲድና እንትንርኢ ሊበራል ዲሞክራሲ፣ ሶሻል ዲሞክራሲ፣ ኒዮ ሊበራል፣ ፋሺሽታዊ ናይ ምምሕዳር መልክዕ፣ ልምዓታዊ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር መልክዕን ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ናይ ምምሕዳር መልክዕን ይርከብዎም። በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ናይ ምምሕዳር መልክዓት ወሲድና እንትንርኢ ውድብ ብልፅግናን ጉዕዞ ኢትዮጵያን ናበይ? ዝብል ንርአ።

-

- ሓደ ስርዓት ከም ስርዓት ክቅፅል እንድሕር ተደልዩ ኩሉ ግዜ ነቲ ስርዓት ዝቁርቆርን ኣብ መደባዊ ቃልሱ ውሽጢ ኮይኑ እዚ ስርዓት እንተሃልዩ ኣነ ተጠቃሚ እየ ኢሉ ዝሓስብን ነቲ ስርዓት ዋርድያ ኮይኑ ዝሕልዎ ማሕበራዊ መሰረት ክህሉ ግድን እዩ። ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ውድብ ብልፅግና ኒዮ-ሊበራሊዝም ናይ ምምሕዳር መልክዕ ተግባራዊ ከምዝገብር ብግልፂ ኣቐሚጡ እዩ። ምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር እውን ናብቲ ስርዓት ንሱ ዘእቱ ተግባራት እናፈፀመ ይርከብ።

- ኮይኑ ግና ኒዮ-ሊበራሊዝም ዋና መፍለይ ባህሪኡ ኣብ ስርዓት ነፃ ዕዳጋ ዝኮነ ዓይነት ጉድለት ዕዳጋ እንተጋጥም ብናይ ዕዳጋ ሕግታት ጥራሕ ክፍትሑ ኣለዎም፤ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ብዝኮነ መዐቀኒ ኣየድልን ብምባል ንዝተወሰኑ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ  ሃፋትም ረብሓ ጠጠው ዝበለ ስርዓት እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ማሕበራዊ መሰረቱ ውሑዳት ብጣዕሚ ዝሃፍተሙ ግለሰባት ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ይሃሉ ኣይሃሉ ዝግደሰሉን ጉዳዩን ኣይኮነን ። እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ሃፋትም ወልቀ ሰባት ዝበቅዐ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝወነኑን ዝተወደበ ማሕበራዊ ህልውናን ዘለዎም ‘ውን ክኾኑ ኣለዎም። ኒዮ-ሊበራሊዝም ከምዙይ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ኣብ ኢ/ያ ሐዚ ብዘሎ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታት ከመይ ኢሉ ክፍፀም ይክእል? ውድብ ብልፅግና ብከመይ ተግባራዊ ገይሩ ዝተረጋግዐ ሃገር ከቀፅል ይክእል?ኣብ ኢ/ያ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዝተጠናከረን ዝተወደበን በዓል ሃፍቲ የለን።ውድብ ብልፅግና እውን ዋና ማሕበራዊ መሰረቱ ዝኮኑ ዘለው እቶም አብ ጎንካ አለና ዝብልዎ ዘለው ክራይ አከብትን መንጨብጨብትን እዮም። እዙይ ከይዱ ከይዱ ኣብ ኢትዮጵያ  ናይ  ፖለቲካን ኢኮኖሚን ቅርሕንቲ ተጓሃሂሩ ሕ/ሰብ ናብ ዝከፍአ ድኽነትን ዕግርግርን ከእቱ ‘ምበር ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ክፍፀም ኣይክእልን። ውድብ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ እዋናዊ ሕቶታት ክምልስ ዝኽእል ባህሪ የብሉን። ምኽንያቱ  ውድብ ብልፅግና ከም ዓረብያ ብድሕሪት እናደፍኡ ኣዮኻ ንዝብልዎ ናይ ደገ ሓይልታትን ከም ጋሪ ናስሓቡ ወኪልና ኢኻ ንዝብልዎ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትምክሕተኛታትን ክራይ ኣከብትን ሓይልታት ሓለዋ ጠጠው ዝበለ ውድብ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኢትዮÉያ  ብጭቡጥ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ዝኽእል ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ሰላም ከስፍን፣ ቅልጡፍ ልምዓት ከረጋግፅ፣ንሕብረ ቢሄራውነት ከተኣናግድ ዝኽእል ውድብ ኣይኮነን ባህሪኡ’ውን ኣይፈቕደሉን።

Full Website