ኣብ ትግራይ ወረዳ ናይ ምኹዋን ሕቶ ብተደጋጋሚ ይለዓል። እቲ ሕቶ ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ብምኹዋኑ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኸውንን። ዝበዝሕ ጊዜ ወረዳነት “ይመለሰልና” ዝብል ሕቶ እዩ ዝቐርብ። ሓሓሊፉ ድማ “ወረዳና ካብ ምስዚ ዝኸውን ምስቲ ይኹነልና” ዝብል እዩ። ቅድም ክብል 81 ዝነበራ ቁጽሪ ወረዳታት ትግራይ ናብ 35 ክሸጋሸጋ ምስተወሰነ ዝፈጠሮ ለውጥን ራሕቕን፣ እዞም ሕቶታት በዚሖም ክስምዑን ዝገበረ ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣብ ገሊኡ ከባብታት (ንኣብነት ህዝቢ እምባስነይቲ፣ ነበለት) ህዝቢ ኮርዩ ዝወጸሉ ስልፍታት ተዓዚብና። ኣብ ሰለዋ ሓያል ህዝባዊ ኣኼባ ነይሩ። ኣብ ብዘት’ውን ተመሳሳሊ ጥርዓን ህዝቢ ተዓዚብና። ኣብ ደርጊዓጀንን ጨለቖትን ኣብ ዝነበሩ መድረኻት ዝቐረቡ ተመሳሰልቲ ቅሬታታት ኣለው። እዞም ኣብነታት፣ እዚ ሕቶ ዘየቋርጽ ከምዝኾነ ምልክታት እዮም። ብሓደ ገጽ ኣብ ርክብ መንግስትን ህዝብን ዘየድሊ ፖለቲካዊ ነቓዕ ከይፈጥሩ፣ ብኻልእ ገጽ ድማ ሃናጺ ፍታሕ ክወሃቦም ምእንታን ከመይ እንተዝተሓዙ ይምረጽ? ውድብ ኣብዚ ሎምቅነ ጸዊዓቶ ዘላ ጉባኤኣ ክትዝተየሉ እያ፤ ቁርብ ጽንሕ ኢሉ ድማ ቤት ምኽሪ ትግራይ ውሳነታት ክገብረሉ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ከምኡ እንተኾይኑ ነዛ ጉዳይ ቀዳምነት ሂብካ ሕዚ ምርኣይ ሰዓቱ እዩ። መጀመርታ ደረኽቲ ኣንፈታት ከቐምጥ። ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ምዕባለታት ከም ውጽኢት ዝምዝገቡ ብባዕሎም ናይ መወዳእታ ሕብረተሰባዊ ሸቶታት እዮም። ፖለቲካ፣ ምሕደራን ፍትሕን ግን ብባዕሎም ሸቶታት ዘይኮኑ ኒኮኖሚያን ማሕበራውን ክውንነታት ዝፈጥሩ ባይታት እዮም። ምእንታን ንሶም (እቶም ሸቶታት) ክኾኑ ዘድሊ ምዕሩይ ባይታ ንምፍጣር ስሉጣትን ዘተኣማምኑን ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ኣወዳድባታት ክህሉ ይግባእ። ሰናይ ምምሕዳር ዝበሃል ዝመጸሉ ሓዲኡ መገዲ ነዞም ኣወዳድባታት ብምጽፋፍን ብምትዕርራይን(efficient and effective ብምግባር) ኣቢልካ እዩ። ምጽፋፍን ምትዕርራይን ዝበለጸ ዕግበትን ስለጤንን ንምርካብ ተባሂሎም እዮም ዝስርሑ። እቲ ዋና ጸገም ዝኸውን ዘሎ ኩሎም መሓቡራትን ኣወዳድባታትን ብፍላይ ድማ ነቶም እነል ዕሎም ዘለና ፖለቲካ-ምምሕዳር-ፍትሒ ልክ ዕ ሓደ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ኣብ ሓደ ኣጂልና ብሓደ መነጽር ስለእኒሪኦም ንኹሎም ብሓደ ዓይነት ኣወዳድባ ክንፈትሖም ስለእንፍትን እዩ'ሞ እዚከ ከመይ እንትዝግበር ይምረጽ? ከም ኣንፈት ፖለቲካዊ ኣወዳድባ (ናይ ፓርቲታት ዘይኮነ ናይ መንግስትን ሕ/ሰብን) ዚያዳ ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ድልውነትን ህዝቢ ዝጠመተ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ማእኸል ስሕበት ኣወዳድባኡ ናይ ሰብ በዝሕን ናይ ሓሳብ ፍርያትን ዝጠመተ ክኸውን ግድን እዩ። ብናትና ኹነታት ምእንቲ ዝለዓለ ኣድማዒ ናይ ፖለቲካ ንቅሓትን ድልውነትን (internalization and mobilization)ክኽሰብ፣ነዚ ፖለቲካ ዝምልከት ኣወዳድባ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ማለት ብደረጃ ዞባን ክልልን ኣብ ዘለው ብርክታት ዘድሃበ ክኸውን ይግባእ። እዚ ብባህርይኡ ናብ ምእኹልነት ዘድሃበ ኣወዳድባ ዝሓትት ስለዝኾነ። ምሕደራዊ ኣወዳድባና ግን ብሓደ ወገን ኣብ ስልጠትን ዕግበትን ከተኩር ስለዝግባእ፣ ብኻልእ ገጽ ድማ እኹል ከመሓደርን ክእለን ዝግበኦ ጸገም  (ንሓደ ሰብ ዝቐውም ምሕደራ፣ ንሓደ ዕንጸይቲ ዝለፍዕ ምራን ስለዘየለ፣ እቶም ምሁራን threshold of a pain ዝብልዎ) ክህሉ ስለዝድሊ ክልቲኡ ገጻት ማለት ናይ ምእኹልነትን ዘይምእኹልነትን ሚዛን ሓልዩ ክኸይድ ዝግበኦ እዩ። ስለዚ ድማ ምሕደራዊ ኣወዳድባና ማእኸሉ ወረዳ ክኸውን ብዙሕ ብልጫ ኣለዎ። ንፍትሕን ርትዕን ዝምልከት ኣወዳድባ ግን ናብቲ ዝተሓተ ብርኪ ክወርድ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ተባሂሉኳ ተባሂሉ ዝውደብ ፍትሒ ኣሎ እዩ። ንፍትሒ ዝምልከቱ ኣወዳድባታትና ማእኸሎም ጉዳይ ዘይኮነ ሰብ ይኸውን። ፍትሕን ርትዕን ናይ ቦታን ጊዜን ባህርያት ዝተላበሱ እዮም። ነዚኦም ዘገልግል መንግስታውን ህ/ሰባውን ማሓቡር ካብቲ ፍትሕን ርት ዕን ዝጠልብ ዘሎ ፍጻመ ወይ ሰብ ዝርከበሉ ቦታን ጊዜን ክርሕቕ የብሉን። ስለዚ እታ ዝተሓተት ብርኪ ኣወዳድባ ጣብይ እንተኾይና ጣብያ፣ ንኡስ ጣብያ እንተኾይና ወይ ቁሸት እንተኾይና ድማ ማእኸሉ ኣብኡ ክኸውን ይግባእ። ናይ ፍትሒ ማእኸሉ ስልጠትን ቅርበትን እዩ። ካልእ ናይ ወረዳነት ሕቶ “ከመይ ይተሓዝ?” ዝብል እዩ። እዚ ነገር እዚ ምልዓሉ ካብዘይተረፈ፣ እሞ ኩሉ ጊዜ ንህዝብን መንግስትን ዝህውኽ ካብ ኮነ ከም ሓደ ናይ ልምዓት መነቃቅሒ ማተርያል ዘይንጥቀመሉ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ። ንኣብነት ካብተን ዘለዋና ኣብነታዊ ዝበሃላ ወረዳታት ወሲድና፣ ንሳተን ዝሓዘኦ ብልጫ ከምስታንዳርድ ሒዝካ ነቶም"ወረዳ ግበሩና" ዝብሉ ህዝብታትን ምምሕዳራትን ከምተን ሞዴል ወረዳታት (ብልምዓት፣ ብጽፈት ምምሕዳር፣ መናእሰይ ብምውዳብን ስራሕ ብምፍጣርን፣ ብግልጋሎት ትምህርትን ጥዕናን፣ ብጽሬት ከባቢ፣ ብሓመድን ማይን ዕቀባ፣ ብልምዓት ጽርጊያ፣ ብኣከፋፍላ ግብሪ፣ ብኻልኦት ኣብነታዊ ምህዞታት ወዘተ.. ክመዝገቡ ዝግበኦም ለውጥታትን ምምሕያሽ ናብራን ዕግበትን ከም ሚዛን (standard formula) ቀሚርካ፣ “እዚኣ ምስገበርኩም፣ ኣብዛ ብርኪ እዚኣ በጺሑኹም ኣርእዩና እሞ ዝበልክምዎ ይኹን” እንተዝበሃሉወይ ከምኡ ዝበለ ሕጊ እንተዝወጽእ ብሓንቲ ወንጭፍ ሰለስተ ዑፍ (ጸገም) መርገፍና።
Full Website