ሃሊሉያ ዝመፀካ ኣድጊስ ኣኽቢድካ ፀዓኖ

ፍስሃ መረሳ

5/10/2020

ክልተ ዓመት ዘቁፀረ ታሕሚስ ናይዛ ሃገር ደጊም ናብ ግልፂ ኩለመደያዊ ኩናት ንምስግጋር ቁሩብ ኣዋርሓት እዩ ዝተርፎ ዘሎ ዝመስል ፡፡ እቲ ካብ መፈለምትኡ ናይ ህዝቢ ስልጣን ጨውዩ ናብ ስልጣን ዝደየበ ፅግዕተኛ ጉጅለ ናቱ ዕላማ ካብ ብጉሓቱ ኣትሒዙ ሓንቲን ግልፂን እያ ነይራ ፡፡ ናይዛ ሃገር ሕገመንግሥታዊ ስርዓት ብምፍራስ ንሱ ብሓይሊ ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ዝገዝኣ ንናይ ደገ ሓይልታት ድሌትን ጥቅምን እትግዛእ ሃገር ክትህሉ ከምዝደሊ ግልፂ ኮይኑ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ ፡፡ እዚ ናይ ነዊሕ ጊዜ ሕልሙ ጋህዲ ንምግባር’ውን ኩሎም እቶም ናይ ጥፍኣት መንገድታቱ እናተግበሮም መፁኡ እዩ ፡፡ ሐዝውን ኣጠናኺሩ ይቅፅለሎም እዩ ዘሎ ፡፡ ቀዳምነት ነቲ በህዝቢ ዝተመረፀ ፓርቲ ኢህወደግ ክፈርስ ዝገበረሉ መሰረታዊ ምክንያትውን ስልጣን ብሓይሊ ንምሓዝ ካብ ዘሎዎ ባህጊ ዝነቀለ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ ፡፡ ብአንፃሩ ዘይሕጋዊ ፀረ ህዝቢ ፓርቲ አጣይሹ ይሳኸዐሉዶ ካሊእ ጉዳይ ኮይኑ ኩሉ ፈተወ ፀልአ ናብዚ ፓርቲ እዙይ ተጨፍሊቁ ክኣቱ ብግልፂ ኣዊጁ ናይ ሞትን ሕየትን ምንቅስቃስ ይገብር ኣሎ ፡፡ ኣብዚሐዚእዋን ጉዳይ መረፃ ሙሉእ ብሙሉእ ክስረዝ ብምግባር ሃገር ብዘይ ህጋዊ መንግስቲ ክትተርፍ ገይርዋ ኣሎ ፡፡ ካብዙይ ንደሓር ፈተኻ ፀላእኻ ኣነ እየ ንጉስካ ዝብል ብግልፂ ኣውጁ እቶም ሽም ጥራሕ ሒዞም ዝተረፉ ትካላት መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ፀራሪጉ ከውፀኦም ብኣፃብዕቲ ዝቁፀራ ኣዋርሓት እየን ቀርዬንኦ ዘለዋ ፡፡ ብድምር እዚ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኣብዚሐዚ እዋን ናብቲ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ ዘሰጋግሮ ኩለ ዓይነት ምድላው ይገብር ምህላው ዘረጋግፅ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ናይ ኩናት ኣዋጅ ምእዋጁን ብተወሳኪ ብሽም ለበዳ ሕማም ኣመኽንዩ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ብዝብል ዝኾነ ይኹን ንዑዑ ዝቃወም ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከይግበር ዓሊሙ ዝኣወጆ ምኻኑውን እቲ ኩነታት ናብ ጫፍ ይበፅሕ ከምዘሎ ጭቡጥ መረጋገፂ እዩ ፡፡ ስለዚ በቲ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ምስቲ ዘሎ ዓለማዊን ኣህጉራዊን ኩነታት ኩሉ ነገር ምግማት እኻ ዘፅግም እንተኾነ አቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ሒዝዎ ብዘሎ ጭቡጥ መደብን በቢዕለቱ ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታትን እቲ ኩነታት እንትምዘን ግና ናይ መጨረሻ ቃታ ንክስሕብ ተቃሪቡ ከምዘሎን ኩሉ ነገር ካብሐዚ ንደሓር ከምቲ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩብውን ዝተንበዮ ኣብዛ ሃገር ንምግማቱ ዘፅግም ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዝመፅእ ምንም ጥርጥር የብሉን ፡፡ እዚ ፅግዕተኛ ጉጅለ እቲ ክፍፅሞ ዝሓስቦ ነገር ናይ ምግባር ተክእልኡን ዝኽተሎ መማረፂን እንታይ ክኸውን ይክእል? መሰረታዊ ድኽመቱኸ እንታይ እዩ ዝብሉ ሕትታት ኣልዒልካ ምምላስ እቲ ኩነታት ተረዲእኻ ብገንኡ ንምድላው ጠቃሚ ስለዝኾነ ኣብዚኦም ዝተወሰኑ ሓሳባት ኣልዒልካ ምሕላፍ ኣድላይ ክኸውን እዩ ፡፡
እዚ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ መሰረታዊ ድክመቱ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ይሕመቅ ይፀብቅ ህዝቢ ዘስልፍ ኣጀንዳ ሒዙ ናብ ስልጣን ዝመፀ ኣይኮነን ፡፡ ካብ ብጉሓቱ ኣትሒዙ ብሆይሆይን ተራ ስብከትን ህዝቢ ከታልልን ምንም ብዘይጭበጡ ተስፋታትን ግዝያዊ ተቀባልነት ክረክብ እዩ ተንቀሳቂሱ ፡፡ ዝገብሮን ዘይገብሮን እናሓሰወ ህዝቢ ኣጉል ተስፋ ክሕዝ ብሞግባሩን ብተግባር ዝጭበጥን ዝረአን ለውጢ ከምፅእ ስለዘይከኣለን ኣብ ነዊሕ ዘይበሃል ጊዜ ካብ ህዝቢ ክንፀል ኪኢሉ እዩ ፡፡ ሎሚ በመሰረቱ ብዘይካ እቶም ብገንዘብ እናተነስዑ ንጥቅሞም ኢሎም ዝሕሽከሩ ውሑዳት ሰበስልጣናትን ሰዓብቶምን እቶም ጭቁናት ህዝብታት ዝነበሮም ተስፋ ስለዝመንመነ ዋላ ጠንካራ ተቃውሞ ኣየስምዑ ነቲ ጉጅለ ግና ዝኾነ ይኹን ድጋፍ ካብ ምሃብ ዝተቆጠቡሉን ነቲ ኩነታት ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርኢሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል ፡፡ ካሊእስ ይትረፍ ማእገረይን ይውክሎንየ ዝብሎ ዝነበረ ኦሮማራ ብዝብል ዝተፈጠረ ምትእኽኻብ ተይተረፈ ርሑቅ ተይከደ ከም ኻና ድዋዕዋዕ ኢሉ ዝፈረሰሉን ገሊኡ ከምኒ ፋኖ ዝበለ ውዳበ ክሳዕ ምፍጣጥ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ ፡፡
ስለዚ ብኹሉ ገፅ እንትምዘን ዋላ እቲ ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢውን ተኾነ ገሊኡ ብናይ ፀጥታ ሓይሊ ምፍርራሕን ተፅዕኖን ገሊኡ ብህፁፅ ኣዋጅ እናተብሃለ ብሓይሊ ተቃውምኡ ከስምዕ ስለዘይከኣለ'ምበር ዝኾነ ኩነታት ተተፈጢሩ ግና ምስዚ ስርዓት እዙይ ተሰሊፋ ዋርድያ ናይቲ ንሶም ኣሎ ዝብልዎን ከቅፅልዎ ዝደልዩ ለውጢን ንምቅፃል ክስለፍ ዝኽእል ሓይሊ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ጉጅለ እዙይ ደፊኡ ዘፅድፎ ተተረኺቡ ኩሉ በቢዘለዎ ኮይኑ ናብ ገደሉ ከፅድፎ ንድሕሪት ከምዘይብልን እቲ በበኸባቢኡ በቢእዋኑ ዝረአ ዘሎ ተቃውምን ህውከትን ጭቡጥ መረጋገፂ እዩ ፡፡ስለዚ እዚ ጉጅለ እዙይ ኣብ ቤተመንግስቲ ዝተሓፀረ ድጋፍ ተዘይኮይኑ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ግና ኣብዘን ክልተ ዓመታት ብዝፈፀሞ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ወፊርካ እቶ ዝብል ዘይብሉ ዝተፈንፈነ ሓይሊ ከምዝኮነን እዙይ ከዓ ንስዕረቱ መሰረታዊ ምክንያት ከምዝኾነ ምድምዳም ይከኣል፡፡ ካብ ህዝቢ ዝተነፀለ ሓይሊ ክሳዕ ዝኾነ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ክብል ክወሰዶ ዝክእል ስጉምቲ እንታይደአ ክኸውን ይኽእል ? ዝብል እንትንርኢ ተለና ዘሎዎ መማረፂ ንናይ ፀጥታን ድሕንነትን መሓውር ብምሓዝ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝጀመሮ ኣብ ኩለን ክልላት ብሓይሊ እናጨፍለቀ ናቱ ምስሌኔታት ብምምዳብ ዝተፈላለዩ ንስንሳት ብምፍጣር ምርጫ ከይካየድ ብምግባር ብላዕሊ ሲቪል ዝእዝዞ ዝመስል ብውሽጡ ግን ወታደራዊ ሓይሊ እናተጠቀመ ሰጥ ለበጥ ኢላ ትግዛእ ሃገር ንክትህሉ እዩ እቲ ናይ መጨረሻ ዝቀረፆን ክፍፅሞን ዝሓስቦ ዘሎ ስትራቴጂኡ ፡፡ ናይኒ ጀኔራል ሰዓረ ቅትለት ካብ መጀመሪኡ በዙይ ተሰሊሑ ዝተፈፀመ ምኻኑ ግልፂ ኮይኑ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ ፡፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ዕላምኡ ዘይፍለጥ ህፁፅ ኣዋጅው ምእዋጁ ነዙይ ብዘምቹ ዝተቀረፀ ምኻኑ ግልፂ እዩ ፡፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኩለን ክልላት ብሕጊ ብዘይፍለጥ ብቀጥታ ካብ ቤተመንግስቲ ጥራሕ ብዝእዘዝ ኮማንድ ፖስት ክመሓደራ ዝተገበረሉ ምክንያትውን ብገንኡ እቲ ወታደር ብኸመይ ንናይ ህዝቢ ተቃውሞ ምጭፍላቅን ምቁፅፃርን ይከኣል ዝብል ስሩዕ ልምምድ ክገብርን ፅባሕ ግበር እንትበሃል ዝገብር ምኻኑ ብገንኡ ንምርግጋፅ ተሓሲቡሉ ናይ ወፃኢ ኣማኸርቲ ተይተረፉ ተሳቲፎምሉ ካብ ሻዕብያውን እኹል ተሞክሮ ተወሲድሉ ዝገብር ዘሎ ናይ መጨረሻ መማረፂኡ እዩ ዝኸውን ዘሎ ፡፡ ብግልፂ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጆ ኩናትውን እቲ ጉጅለ ናይ መጨረሻ ዕላምኡ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ምንባር ከምዝኾነ ባዕሉ ግልፂ ገይርዎ እዩ ፡፡ ቅድም ኢሉ እዙይ ከመይ ከምዝሰርሕውን ኣብ ህዝቢታት ሲዳማ ወላይታን ካልኦትን ተቃውሞ ዘልዐሉ ከባቢታትን ብግልፂ ኣብ ቤትምኽሪ ተይተረፈ ተኣዊጁ ብሽም ኮማንድ ፖስት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ብዙሕ ግፍዒ ክወርድ ብምግባር ብተግባር ክሙከር ተገይሩ እዩ ፡፡ ስለዚ እቲ ናይ መጨረሻ ድፋዕ ናይ ፀጥታ መሓውር ተጠቂምካ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝብል ስትራቴጂ በዚ መንገዲዙይ ክፍፅሞ ይሓስቦ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ቅድም ኢሉ ተሓሲቡስ ተለዊሱ ቦኺዑ ድሕሪ እዘን ውሕዳት ኣዋርሓት ምስንካቱ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ማንም ክግምቶ ዝኽእል ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ ኮይኑ ዘሎ  ፡፡ እዚ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፅግዕተኛ ጉጅለ በቲ ዝሓስቦ ዘሎ ዝተፈላለዩ ንስንሳት ማለት ምርጫ ሐዚ ምክያድ ኣይከኣልን ሕማም ኣትዩና እዩ ኣብ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ኢና ዘለና ወዘተ ዝብሉ ዒባራ ምክንያታት በቢግዚኡ እናፈጠረ ፀኒሑ ደሓር ግና ኩሉ ምስ ኣበዮ በቲ ቅድም ኢሉውን ጀሚርዎ ዘሎ ማንም ይምፃእ ማንም ካብ ቤተ መንግስቱ ደፊኡ ዘውፀአኒ ሓይሊ የለን ቀንጠብጠብ ዝብል ተሃሊዩውን ይረኽባ ኢሉ ሙሉእ ንሙሉእ እቲ ሕገመንግሥቲ ጥሒሱ ብአፈሙዝ ጠበንጃ እናፈራርሐ ሃገር ብሓይሊ ከመሓድር እየ ከምዝብል ካብቲ ሕሉፍ ተግባራቱ ተበጊስካ ንምግማት ዘፅግም ኣይኮነን ፡፡ እዚ ኣካይዳ እዙይ ግና ብፍፁም ክሳኸዐሉ ዝኽእል ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ ፡፡ ቅድሚ ኹሉ ህዝብታት ኢትየጵያ ብፍላይ ህወሓት ዘተሓባብሮም ፌዴራሊስት ሓይልታት ቅድሚት ተሰሊፎም ብኹሉ መዳይ ከምዝዋግእዎን ማንም ተንበርኪኹ ዝሓድር ሓይሊ ከምዘየለ ክሳዕ ሐዚ ዝተገበሩ ቃልስታት እኹል ኣብነታት እዮም ፡፡ እቲ ዝፀንሐ ጎንፂ ሐዝውን ናብ ዝለዓለ ወጥርን ምክራርን ከምዝኸይድ ፍሉጥ እዩ ፡፡ ከም ውፅኢትውን ንሱ ኣብ ቤተመንግሥቲ ብወታደር ተሓፂሩ ንዝተወሰነ እዋን ዓገርገር እናበለ ክፀንሕ ተዘይኮይኑ ክልላት ከመሓድርን ክእዝዝን ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ኣብ ቤተመንግስቲ ሰፊሩ ብቀጢን ትእዛዝ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት እዛ ሃገር ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ንግስንኡ ከቅፅልስ ይትረፍ እናተስሓገውን ክፀንሕ ኣዕርዩ ከምዝፅገም ሐዚ ብዘሎ ናይዛ ሃገር ኩነታት ሪኢኻ እኳ ንምግማቱ ዘፅግም ኣይኮነን ፡፡ መጨረሽኡ ኸዓ እዛ ሃገር እዚኣ ዘመሓድራ ሲኢና ማእኸል ናይ ግጭት ክትከውን ተዘይኮይና ብሓደ በህዝቢ ዘይተመረፀ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ትመሓደር ማለት ኣይሕለምን ዝበሃል እኻ ተዘይኮነ በዚ ዘበን እዙይ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ክትግበር ዝኽእል ግና ኣይኮነን ፡፡ ስለዚ ናይ መጨረሻ ውፅኢቱ ዕግርግርን ደም ካብ ምፍሳስን ወፃኢ ኣብዛ ሃገር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘሎ ናይ ሓይልታት አሰላልፋ ዘይተመረፀ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ሕገመንግሥቲ ናይዛ ሃገር ኣፍሪሱ ብፀረ ዴሞክራሲ ኣገባብ ወታደራዊ ሓይሊ ተጠቂሙ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ 'የ ምባል ንባዕልኻ መሕነቂኻ ገመድ ናብ ክሳድካ ምእታው ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፡፡ በዙይ ኣንፃር እቲ ሐዚ ዝሕሰብ ዘሎ ደርሆ ፅሒራ እትረኽቦ ሻጥሮም ክንትግብሮ ኢና እንተይሎም እዛ ዓባይ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ከምርሓ ተዘይኮይኑ በቲ ንሶም ዝሓስብዎ ዘለው ኣብ ስልጣ ንምፅናሕ ዘኽእሎም ስትራቴጂ ከምዘይኮነ ካሊእስ ይትረፍ ንሳቶምውን ጠንቂቆም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ ፡፡ ምናልባት ንሳቶም ካሊእ መማረፂ ስለዘይብሎም ግና እዚ ፍሹልን ዓዲ ዘጥፍእን ስልቶም ክምክርዎ ኣይኽእሉን ስለዘይበሃል ሳዕቤኑ ዝኸፍአ ከይኸውንን ብፍላይ እቲ ኩነታት ናብ ባዕሎም እናተገምጠለ እንተኸይድ ናይ መጨረሻ ዓወፅወፆም ዘንፍስሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኸውን ፍሉጥ ብምኻኑ ውዲታቶም ተረዲእኻ ብገንኡ ንምፍሻል ክግበር ዝግቦኦ ምድላው ምግባር ኣድላይ ስለዝኾነ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ዝብል ብጥንቃቀ ክንሪኦ ዘለና እዋናዊ ውራይና ብምኻኑ በዙይ ኣንፃር ነቲ ኩነታት ብጥብቂ ክንከታተሎ ይግባእ ፡፡

ነዚ ናይ ፀላእትና ውዲት ንምፍሻል ንሕና እንታይ ክንገብር ኣለና ?

ከምቲ ኩላትና እንከታተሎ ዘለና እዛ ሃገር መንገዲ ቁልቁለት ሒዛ መምለሲ ብዘይብሉ መንገዲ ትሕምበብ ኣላ ፡፡ ምምሕያሽ ዘይኮነስ ዝኸፍአ ወጥርን ስግኣትን ዝረአየላ ሃገር ኮይና ኣላ ፡፡ ነቲ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ፈረስ ሰሪሩ ዝጋለብ ዘሎ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ምኻኑውን ፍሉጥ እዩ ፡፡ ንሱ ናቱ ድልየት ንምምላእ ክብል ሃገር ሙሉእ ተጠፍአት’ውን ዝግድሶ ኣይኮነን ፡፡ ሐዚ ኩሉ ነገር ግልፂ ገይሩ ሕገመንግስቲ ናይዛ ሃገር ፈሪሱ ኣሎ ምርጫ የለን በቃ ኩሉ ነገር ኣብቂዑ ኣሎ ካብ ናተይ ፍቃድ ወፃኢ ዝግበር ዝኾ ይኹን ነገር የለን ወስ ዝብል ተሊኡውን ይረኽባ ዝብል በግልፂ ኣብ ኣደባባይ ከይተረፈ ብምእዋጅ ሙሉእ ንሙሉእ ፀረ ዴሞክራሲ ሓይሊ ምኻኑ ብግልፂ አፍሊጡ ኣሎ ፡፡ ካብዙይ ንደሓር ዘሎ መማረፂ ወይ ተቃሊስካ ንዚ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ እዙይ ካብ ስልጣኑ ምውጋድ ወይከዓ ኢድ ሂብካ ኣሜን ኢልካ መንገዲ ባርነት ተቀቢልካ ምንባር እዩ ክኸውን ፡፡ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከመይ ክፍታሕ ኣለዎ እንታይ እዩ እቲ መማረፂ ዝብል ከዓ ብጥንቃቀ ሪኡ ቅልጡፍ ምላሽ ክህበሉ ዝግቦኦ ጉዳይ እዩ ዝኸውን  ፡፡ መማረፂና ኸዓ ካብ ብጉሓቱ ተፈሊጡ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ ፡፡ ይትረፍ ኣብዚ ዘበን እዙይ ኣብቲ ሕሉፍ መዋእልውን ባርነት ተቀቢልና ንሓንቲ ለይቲውን ከምዘይንሓድር ካሊእ ይትረፍ እቶም ሎሚ ሰብ ዘበን ኢና ኢሎም በትሪ ዘወጣውጡልና ዘለው ፅግዕተኛታትውን ከይተረፈ ኣብ ብሄራዊ መሰልናን ክብርናን ብፍፁም ከምዘይንደራደር ኣዕርዮም ይፈልጡና እዮም ፡፡
Full Website