20/12/12

ኣብ ዕለት 17 ወርሒ ነሓሰ 20012 ዓ/ም ኣብ ሞንጎ ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ‘ዴሞክራሲ፣ መሰል ዓርሰ-ውሳነን መፃኢ ዕድል ትግራይን’ ኣብ ዝብል ርእሲ ተመስሪቶም ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥ ኣብ ገሊኦም ውድባት ክእረም ኣለዎ ዝበልክዎ ነጥቢ ስለዝሰማዕኹ፣ ነዙይ ንምእራም ይሕግዝ እዩ ዝበልክዎ ሓሳብ ዝሓዘት ብጣዕሚ ሓፃር ፅሕፍቲ የቕርብ ኣለኹ፡፡

ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ንበይኑ መረፃ መሰል ዓርሰ-ውሰነ ንምግባር ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዘ፣ ውድባት ትግራይ ብነፃነት መስመረን ንምልላይ ኢለን ካብ ዝመሰሰኦ ዴሞክራሲያዊ መድረኽን ኣብኡ ካብ ዝነበረ ክትዕን ብዙሕ ተማሂረ ኣለኹ፡፡ ብሓቂ ፍሉይ መድረኽ እዩ፡፡ እዙይ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ብወገን ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ወያነ ንዝብል ኣምር ዝሃብዎ ትርጉም ግና ግጉይን ዘይብሱልን መዳይ ዝሓናፈፀ ስለዝኾነ፣ እዙይ ክእረም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ሒዘ ኣለኹ፡፡ ቕድሚ መአረምታ ምቕራበይ ግና ኣብ ፖለቲካዊ ሳይንስ ተሞረኲሰ ትርጉም ወያነ (revolution) ምስ ዘገምታዊ ለውጢ (evolution) ኣዛሚደ ከቕርብ መሪፀ ኣለኹ፡፡

ወያነ (revolution) ዝብል ኣምር መበቆሉ ካብ ቋንቋ ላቲን ኮይኑ ዝተጨቆነ ሕብረተሰብ ኣንፃር ጨቆንቱ ቃልሲ ኣካይዱ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ መሰረታውን ሱር በቆስን ለውጢ እንተምፅእ እንተሎ እዩ፡፡ ዘገምታዊ ለውጢ (evolution) ማለት ድማ ሕብረተ ሰብ ቀስ ብቐስ ዘገም እናበለ ኣንፃር ፀላእቱ ዝገብሮ መጠን ቃልሲ እናወሰኸን ለውጢ እናደመረን እናደለበን እንትጎዓዝ እንተሎ እዩ፡፡ እዞም ክልተ ቃላት ወይ ኣምራት ፈላሊኻ ዝትርጎሙን ዝትንተኑን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሓደ መድረኽ ግና ሓዲኦም ጎሊሆም ይወፁ እንበር ሓደ ብዘይካ እቲ ሓደ ኣይኽሰትን ወይ ኣይነብርን፡፡ ብርግፅ መብዛሕትኡ ግዘ ዘገምታዊ ለውጢ ካብ ወያናይ ለውጢ ቐዲሙ ይመፅእ እዩ፡፡

እዞም ኣምራት ብዘበለፀ ም እንታን ክንርደኦም ነዙይ ክሕግዘና ዝኽእል ምስ ወያነ ኢትዮጵያ ኣዛሚድናን ቁሩብ ፈታሕታሕ ኣቢልናን ንርአዮም፡፡

ቅድሚ ለካቲት 1966 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራውን ደርባውን ጭቆና እናሓሰመን እናዓሞቖን እንትኸድ እንተሎ፣ ነዙይ ንምፍታሕ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ቀዳማይ ወያነ፣ ናይ ባሌን ጎጃምን ናይ ሓረስቶት ዓመፅ፣ ብተምሃሮ፣ ምሁራንን ብዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታትንዝተገበረ ተቓውሞታት ቃልስታትን ብመጠን እናተደመረን ቐስ ብቐስ (gradually) እናተዋህለለን ተጓዒዙ በዚ መንገዲዙይ ኣብ ድሮ ለካቲት በፂሑ፡፡ እዚ ጉዕዞ እዙይ እዩ እምበኣር ብዋናነት ዘገምታዊ ለውጢ (evolutionary change) ነይሩ እናተበሃለ ዝዝከር፡፡

Full Website