Back to Front Page

ኢትዮጵያውያን ተጋሩን ፣ ተጋሩ ኢትዮጵያዊንን

ብ ዶ/ር ፀጋዘ ኣብ ካሕሱ - ርኢቶ

05-30-20

ኣብ ትግራይ፥ ክልተ ሓይሊታት ቅርፂ ናብ ዝሓዘ ምውጣጥ ዝ ኣትውሉ መድረክ ኣብ ቅድሜና ዝፅበየና ዘሎ ይመስል። ኢትዮጵያውያን ተጋሩን ፣ ተጋሩ ኢትዮጵያዊንን። እዚ ሓደገኛ ምክፍፋል /Dichotomy/ ብኣጋ ክእርነብ ክኽእል ኣለዎ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ጎረርኦም ዘተርክስሉ ማይ ካብዚ ሰብ-ሰራሕ ኣፈላላይ እዝይ እዮም ዝቐድሑ ዘለዎ። ብመርሒነት ህወሓት እናተደገፉ (ይኹን እምበር ኣብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ዝርከቡ ኮይኖም፣ ብዝገርም ኩነታት ፀረ ህውሓት ዝኾኑ ውድባት እውን ብምልኦም ኣብዚ ጉጅለ እዚ ይርከቡ) ሃብትን ጥሪትን ህዝቢ ትግራይ ተጠቒሞምን ብፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እናተመውሉን፤ ትግራዋይነት ሕቖኡ ክስበር ዝገብርዎ ጎስጓስን ፃዕሪን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ተዋዲዱ ይኸይድ ኣሎ።እዚ ተግባር ንርእሶም ጎዝዮ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል እምበር ካሊእ ውፅኢት ክህልዎ ኣይክእልን። ኢትዮጵያውያን ተጋሩ፤ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ክድዕንንዎ ዝደልዩ ኢትዮጵያዊነት፣ ንምንታይ ህዝቢ ትግራይ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ከም ዘለዎ ንምስባኽ ዝጥቀምዎም መካትዒ ነጥብታት፣ ርትዓዊነት ዘይብሎም ካብ ምዃኖም ብላዕሊ፣ ምሉእ ብሙሉእ ንባህርያዊ ተፈጥሮ ደቂሰባት ዝፅባኡ ኢምኽንያታዊ መርትዓታት እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ንምንታይ ንንበር? ንዝብል ሕቶ ካብ ዘቕርብዎም መከራኸሪ ነጥቢታት፥ ናይ ኢትዮጵያ ኮር-ስቴት (Core State) ስለዝኾና፣ ኣቦታትና ንኢትዮጵያ ኢሎም ስለዝተሰውኡ፣  ኢትዮጵያ ባዕልና ዝሰራሕናያ ሃገር ስለዝኾነት. . . ወዘተ ዝብሉ እዮም ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ነገር፣ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ነዝይን ከምዝይን ዝኣመሰሉ መካትዒ ምኽንያታት እንተቐርቡ፣ ነታ ልዕሊ ትግራይ ዝሪእዋ ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ካብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ንክትፎሓቕ ይገብሩ ከም ዘለዉ እኳ ንምስትውዓል ፈቓደኛታት ኣይኮኑን። ንሓደ ትግራዋይ፣ ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ኮር-ስቴት ብምዃና እንታይ ረቢሓቶ? እኳ ደኣስ፥ ትግራይ ኮርስቴት ብምዃና ውዒሉ ሓዲሩ ንኢትዮጵያዊነት ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ህዝቢ ሓቚፋ ኣላ ካብ ዝብል መበገሲ፣ ዕድመ ልክዑ ጥርጡር ህዝቢ ንክኾን ገይርዎ እምበር ካብ ኮርስቴትነት ዝረኸቦ ረብሓ ዋላ ሓንቲ የለን? ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ኮርስቴት ክበሃል ከሎ ማእኸል ፍልስፍና፣ ስነልቦናን፣ ኢኮኖሚን እታ ሃገር ስለ ዝኸዉን ብቀጥታ ከም ህዝቢ ተረባሒ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ብጂኦግራፊ፣ ብኢኮኖምያዊ ተረባሕነት፣ ብፖለቲካዊ ቁቡልነት ናብ ጫፍ ተደፊኡ ዝነብር  ዘሎ ህዝቢ እዩ። ልናይ ትግራይ ኮርስቴትነት ጨውዩ ዝርበሐሉ ዘሎ ካሊእ ሓይሊ እምበር ትግራዋይ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፥ ትግራዋይ ናይ ኢትዮጵያ ኮርስቴት ስለዝኾንካ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ምእንታን ወስ-ቀስ ከይትብል ዝብሃል፣ ዘረባ በሃማት እዩ። ኣቦታትና ንኢትዮጵያ ኢሎም ስለ ዝተሰውኡ፣ ዓፅሚ ኣቦታትና ከይወግአና ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ካሊእ ክንሓስብ የብልናን ዝበሃል እውን ርትዓዊ ዘይኮነ መካትዓኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ብስሩ እውን ኣብ ሓሶትን ፅውፅዋይን ዝተመስረት መርትዖ  እዩ። ቕድም ቀዳድም፥ ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ኢሉ ዝተሰወአሉ ታሪኽ የለን። ትግራዋይ ንክብሩ፣ ንሃይማኖቱ፣ ንመሬቱን ንዓዱን እምበር ንኢትዮጵያ ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰሉ  ጥር ትብል ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ ከቕርብ ይኽእል እዩ። ኤሊታት ትግራይ ምእንተ ውልቃዊን ጉጅላዊን ረብሐኦም እቲ ዝፈሰሰ ደምካ ንኢትዮጵያ እዩ ኢሎም ኣየባጨውሉን ማለት ግና ኣይኮነን። ሕራይ! እቲ መርትዖ ፅውፅዋይ ኣይኮነን ንበል እሺ። ታይ እዩ ዝበሃል ዘሎ? ኣያታትካ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝሞቱስ ንስኻውን ከም ከልቢ ፎቖዶ ፅርግያ ኢትዮጵያ ሬሳኻ ናተሰጠሐን ከም ተበን ብእምኒ ናተቐጥቐጥኻን ንበር ድዩ ዝበሃል ዘሎ? እንታይ ዓይነት ሕልና እዩ ንህዝቡ ከምዝይ ኢሉ ዝሰብኽ ዘሎ? ተገደደ ኣዕፅምቲ ኣያታትና ኣሪና ንኣክብ ክበሃል ይኽእል እምበር ህዝብኻ ናተበሳበሰን ክብሩ ናተገፈፈንስ ተፀመም ምባልስ ዓገብ ዶ ኣይኮነን? ኢትዮጵያውያን ተጋሩ - ንኢትዮጵያዊነት ዝስብኽሉ ካልኦት መንግዲታት እዉን ተመሳሳሊ ርትዓዊነት ዘይብሎምን ትርጉም ሃገር ዝዘንግዑን እዮም። ሃገር ማለት ሰብ እዩ ዝብል ገላፂ ፍልስፍና ክርድኦም ኣይደለዩን ድዩ ኣይካኣሉን ዝብል ሕቶ ብዘይኣገድስ፣ ኢትዮጵያዊነት ን ”ትግራዋይ ሰብ” ዝህቦ ረብሓ ብምኽንያት ደጊፎም ኣብ ክንዲ ምቕራብ ናብ ዘይኮነ ፈጠራታትን ፅውፅዋያትን እናኸዱ ነታ ሃገሮም ኢትዮጵያ እዉን ከምዘይትድሕን ጌሮም ይቐትልዋ ኣለዉ። ኮርስቴት ኮይንካ ዘይትርበሐላ፣ ኣያታትካ ሞይቶምላ ዘይትርብሐላ፣ ባዕልኻ ሃኒፅካያ ልተጓንየካ ሃገር እንታይ ረብሓ ክትረኽበላ ኢኻ ተፅሚምካ ክትነብር ዝፍረደካ? ሃገር ማለት፥ ንሰባ ሰላምን ራህዋን ልትህብ፣ ልምዓትን ምዕባለን ልተረጋግፅ፣ ክብሪኻን መንነትካን ልትዕቅብ መፅለሊ ክትኾኖም፣ ደቂ ሰባት ዝሃንፅዋ መስርሕ እምበር ካልእ ኣምር የብሉን። ስለዝኾነ፥  ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ዘረባ ጨለታት ገዲፍኹም፣ እስቲ ኢትዮጵያ  ንህዝቢ ትግራይ ትህቦ ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ረብሓ ዘርዚርኩም ፅወዩና? - ብቐንዱ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ዝሓቖፈ ሓይሊ እንትኾን፣ ብውዳብ ደረጃ ብዋናነት ኣብዘን ተመስሪትን ዘለዋ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተጠርኒፎም ዘለው እዮም። ልዕሊኹሉን ቅድሚ ኩሉን ረብሓ ትግራይ ዘገድሶምን ኢትዮጵያዊነት ንትግራዋይ ብዝህቦ ረብሓ ጥራሕ እዩ ክዕቀን ዘለዎን ዝብሉ፣ ኣብ ትግራዋይ መንነቶም ዘይደራድሩ ከም ውድብ ባይቶና ዝበሉ ኣብ ምዕባለ ዝረከቡ ሓይሊታት ዝሓቐፈ እዩ። - ኣብ ጭቡጥን ክውኑን ኩነታት ዝምስረት መርትዖ የቕርቡ። ንኣብነት፥ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሓባራዊ ድሕነትን መሰረት ጌሩ፣ ምስ ጎረባብቱ ሓቢሩ ናይ ምቅላስን ምንባርን ልምዲ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ረብሕኡ ክሳብ ዝተረጋገፀሉን መስል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ክሳብ ዝተሓለወሉን፣ ኣይኮነንዶ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያስ ኣብ ውሽጢ ሱዳን እውን ክነብር ዝኽእል፣ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ምክብባራ ዝተመስረተ ናብራ ናይ ምምራሕ ድሌትን ልምዲን ዘለዎ እዩ።  እታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ ብቕሉዕ ኣብ ሎዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ዝትእውጅ፣ ሰላም ትግራይ ንምዝራግ ለይትን ቀትሪን ትሰርሕ፣ ልምዓት ትግራይ ከይሳለጥ ሸርሒታት ትኣልም፣ ክብሪን መንነትን ተጋሩ ንምሕሳር ውዲታት ትፈትል ሃገር እያ ኮይና ዘላ። ስለዝኾነ፥ እታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳብ ዘይተቐየረት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ከልቢ ነጃሳ እናተብሃለ ዝነብረሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ፤ ዝብል ዓይኒን ልቢን ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝሪኦ ጩቡጥ መርትዖ የቐርቡ። ብተወሳኺውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክንነብር እንተኾይንና ነፃነትናን መንነትናን ዝዕቅብ ስርዓት ክህነፅ ኣለዎ ይብሉ። እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ንባዕሉ እውን ከድሕን ዘይክእል ስለዝኾነ፣ ብዝሐሸ ዋሕስ ክኾነና ዝኽእልን ንትግራይ ዝዓበየ ነፃነትን መሰልን ብዝህብ መልክዕ ክመሓየሸሉ ዝኽእል ዕድል እንተሃልዩ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ዘይካኣለሉ መንገዲ የለን ይብሉ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ። ልክዕ እዩ፥ ምእንተ ልበወለድ ድርሳነ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። ብፍላይ፣ መብዛሕትኡ መንእሰይ ወልዶ ትግራይ ንኢትዮጵያ ዝዕቅና ብረብሓን ረብሓን ጥራሕ እዩ። ረብሓ ሰላም፣ ረብሓ ልምዓት፣ ረብሓ ዲርሞክራሲን ክብሪን! እቲ ዝነበረ መስርሕ ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ ረብሓ ህዝቢታት ንምውሓስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን። ኮይኑ ግና “ንኢሱንያ ተበለኹስ ተቖርሚሙኒ” ከም ዝበሃል፥ ኣንፈት ሃገረ ኢትዮጵያ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ዝነበሩ ጉድለታት ናብ ምምላእ ገፁ ይኸይድ ከም ዘየሎ ንምርዳእ ፈላጦ ምእካብ ዘድልዮ ኣይኮነን። ብጋህዲ ዝረአ ጩቡጥ ሓቂ እዩ። ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝይ ኢሉ እናሃለወ፣ ትግራዋይነትካ ካብ ምስጣም ወፃኢ ካሊእ ኩሉ መንገዲ ዕራርቦ እዩ። ኢትዮጵያዊነት፣ መርገም ፈጣሪ ስለዝኾነ ልሃበካ ተቐበል ዝዓይነቱ መርትዖ፣ ሰሎሞናውያን ዘትረፍሉ ዝተበለዐ ዕቁብ እዩ። ትግራዋይ ዕድሉ ኣብ ኢዱ እምበር ኣብ ብሓሶት ታሪኽ ተመስሪታ ብሓሶት እትነበር ሃገር ክኸውን ኣይክእልን።
Full Website