06-11-20

ትግራወይቲ ኣዶ (ሓራስ ነብሪ) ኣብ ማእኸል መሪር ኹናት፤ ከም ጓላ ተመርዕው ትዕልል እምበር ኣይትበክን!!!

ኣብዝሓለፈ ሰሙን ክቡር ጠቕላይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምልማዶም እቲ ዘይተኣርነበ መደረኦም ብዘገርም ኩነታት ኣዴታት ተጋሩ ከይበኽያ፣ መናእሰይ ከይውድኡ፣ ገዛታት ከይፈርሱ ወዘተርፈ ዝብል መደረ ንተጋሩ ከፈራርሕ ጨው ዘይብሉ መደረ ምግባሩ ይፍለጥ። ኣነ ዝገረመኒ እቲ ኣንደበቱ ምሙልኡ? ቑሩብ ሰጋእ ከይበለ “ጭዋ ኣእምሮኡን ስብእነኡን” ቀሊዑ ናብ ቴሌቪዥን ቐሪቡ ከፈራርሕ ምምዃሩ እዩ።

ካብቶም ዝተዛረቦም ግዕዙያት ሓረግኣት ሓንቲ “ኣዴታት ከይበኽያ” ትብል ወሲድና ንርአ። ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ስነ-ሀይወታዊ ዕድሎት ውሕስነት ዘርኢ ወዲሰብ (ኩሉ እንስሳ’ውን) ዘቐፅላ ፍጡራት እየን። ካብዚ ዕድሎተን ተበጊሰን ዋላኳ  መጠን ዘውርስኦ ኒኩለሳዊ ዘርኢ ምስ ወዲ ተባዕታይ ማዕረ (50%፥ 50%) እዩ እንተተብሃል፤ ናይቲ ዝተወሃደ (fertilized egg) ካብ ኒውክለስ ወፃእ ዘሎ ፈሳሲን ኦርጋኔልን (cytoplasm) ካብ እኖ ይውረስ። እዙ ፈሳሲ  ከም ማይቶኮንድሪያ ዝበሉ ናይ ባዕሎም ዘረመል ወይ ጂናት ዘለዎም ብምሉኡ ካብ እኖ ይውረስ። እዙይ ድማ ብሳይንሳዊ ኣፀዋውዓ “cytoplasmic inheritance” ይበሃል። ስለዚ ኩለን ኦርጋኔላት ካብ ኣዶታትና ኢና ወሪስናየን ማለት እዩ።

ካብዙይ ብምብጋስ ውሉድ ንኣዴኡ ፍሉይ ቅርበት እንትህልዎ ኣዶ ድማ ካብ ጥንሲ፣ ሕርሲ፣ ምጥባውን ኩሉ ኣብ ምዕባይ ቆልዓ ዘጋጥሙ ላዕልን ታሕትን ልዕሊ 90% በይና ስለትኽውኖ (ረዚን ዋጋ ስለትኸፍለሉ) ይመስለኒ ንውልዳ ዘለዋ ፍቕሪ መዐቀኒ ወይ ዓቐን (Unit) የብሉን።   ስቕ ኢልካ “ፍቕሪ ኣዶ” ተባሂሉ ይምዘን። ኣዶ ውልዳ ወሊዳ ንምዕባይ እትኸፍሎ ዋጋ ዓቐን ስለዘይብሉ፤ ኣብ ውልዳ ዝበፅሕ ሕማቕ ነገር ክትርእን ክትሰምዕን ኣይትደልን። እዙይ ናይ ኩለን ኣዴታት ባህሪ እንትኾን፤ ናይ ትግራወይቲ ኣዶ ድማ ፍቕራ ብ100 ዕፅፊ ይዛይድ። ኣዶ ትግራወይቲ ከም ሓራስ ነብሪ ወይ ኣንበሳ እያ። ኣብ ቅድሚ ውላዳ ኩሉ ነገር ከንቱ እዩ። ውላዳ ህይወታን መንነታን እዩ።

ትግራወይቲ ውልዳ ሓዚላ ትጉልጉል፣ ትፃሂ፣ ትኹስኩስ፣ ትዓፅድ፣ ትጥሕን፣ ትጋግር ብቻ ኩሉ ነገር ውልዳ ድንገት ዝኾነ ነገር ከይገጥሞ ሓዚላ ዓለም ንምሽናፍ ብትግሃት ኣብ ማእቶትን ፀሎትን ትነጥፍ። ውልዳ ናብ ትምህርቲ እንትወፍር ንሳ ፈጣሪኣ ወዳ ብሰላም ክምለሰላ ትፅሊ። ትግራዋይ ውልድ ድማ ንወለዱ (ብፍላይ ወላዲቱ) ካብ ፈጣሪ ቐፂሉ ህይወቱ እያ። ኩሉ ዓለም ድሕሪ ኣዲኡ እያ። ብዙሓት ኣወዳት ንኣዲኦም ኣይግበኣን ዝብልዎ በደል እንትህሉ፤  ምስ ወላዲ ኣቦኦም ዝፃብኡ ብዙሓት እዮም። ብወገነይ እዙ መስተጋብር ኣብ ህንፀት ትግራዋይነት ዓንዲ ግደ ዝተፃወት ይመስለኒ።

ተጋሩ ኣዶን ውልድን ሓደ ዝገብሮም ነገር ኣሎ። ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ዝብገስ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ህልውና ክብሉ፤ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልእ እንተሃልዩ’ውን ዋላ እታ ዝኸበረት ህይወቶም ኸፊሎም ወገኖም ብኽብሪ የንብሩ። ስለዚ ካብ ናይ ውልቆም ህልውናን ክብርን ሓበራዊ ህልውናኦምን መንነቶምን ዋጋ ኸፊሎም የኽብሩ። ንዙይ እዩ ነይሩ ደርጊ “ዓሳ ለመያዝ ባህሩን ማንጠፍ” ዝብል ጭርሖ ሒዙ፤ ተጋሩ ንምብራስ እንትብገስ፤ ኩሉ ተጋዳላይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ መከራ ጉና ቀጥ ክብልን ዕድመ ደርጊ ከሕፅርን ዝገበሮ “ኣዶ ጅግና ኣይትሕረድን” ዝብል ጭርሖ ነይሩ። ደርጊ ዝሓርዳ ወላዲቱ ካብ ዝሰምዕ ሞቱ መሪፁ ፈንጂ ከም ዓኾር ረጊፁ፤ ኣብ ጉና ሓደ ተጋዳላይ ን50 ወታደር ደርጊ ገጢሙ ስዒሩ ታሪክ ዝሰርሐ ። ክብሪ ትግራዋይነት ካብ ኩሉ ስለዝዓብዮ ዘይከኣእል ክኢሉ፤ ታሪኽ ባዕላ ትዛረብ እምበር ምእንቲ ህልውና ትግራይ፤ እቶም ጉድኣት-ኣካል እንብሎም ኣያታትና እንታይ ዘይገበርዎ ተኣምር ኣሎ!!! ተጋዳላይ ህወሓት ተወጊኡ ኣይበክን፤ ስኑ ነኺሱ “ኣየኹም ብፆት ቀልጢፍና ሓዊና ክነርክበልኩም ኢና ሓደራ ብኣና ከይትሓዝኑ ቀልጢፍና ክንሓዊ ኢና” እናበሉ ኣካላቶም ፍቓዶ ጎቦታት ትግራይን ኢትዮጵያ ዘሪኦምወን።

ትግራዋይ ቅድሚ ሰበይቱን መሬቱን ይመውት !!! ትግራወይቲ ድማ ድሕሪ ኣሜና፤ ደቃ ተዕቢ ቐፂላ ትምንን ። ፍቕሪ ሓዳር ኣብ ደሞም እዩ። እዙይ እዩ ባህልን ክብርን ወለድና። እንትጠቓለል ትግራዋይ ልዕሊ ኩሉ መንነቱ የኽብር። መንነቱ ከኽብር ካብ ፀሓይ ንታሕቲ ዘሎ ኩለመንኡ ስለዝጥቀም፤ ኣብዛ ምድሪ ፍሉይ ጅግና ብሄር እዩ እዚኣ ሓቂ እያ “ዒም ዝበለ ይተሓጎም”!!! ግን ጀግንነት ትግራዋይ ከዘንትው ኣይተበገስኩን፤ ዓቕሚ’ውን የብለይን።

ናብ ዘበገሰኒ ክምለስ ከለኹ ግን፤ ትግራወይቲ መዓስ ትበኪ? ዝብል ሕቶ ካብ ታሪኽና ንመልሶ።

ትግራወይቲ እትበኪ፤ ክብራ እንቲገሃስ ጥራሕ እዩ ። ናይ ትግራወይቲ ክብራ መንነታ ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ከርኢ ፈቲነ እየ። ትግራወይቲ እቲበኪ ከምቲ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ዕሱባት ተጋሩ ብዘርእዩዎ መገዲ ሚኒሊክ ናብ ትግራይ ኣትዩ፤ ኣንስቲ ራያ፣ እንደርታ፣ክፋል ክልተ ኣውላዕሎ ሰብ ብዝመስሉ እንስሳት ሽዋ ኣብ ቅድሚ ስድርአን ብብተራ እናተደፈራ እንትሞታን፤ ኣሚነን ዕርቂ ኾይኑ ተባሂሉ ኢዱ ወስ ከየበለ ብዕስለ ተኣሲሩ ዕርቃኑ ኣውፂኦም እንትስልብ እንትትርኢ፤ ሻቡ እያ ትግራወይቲ ዝበኸየት። ኣብቲ እዋን ሓንቲ ነዚ ኩነታት ተዓዚባ ከምዝዕብ ኢላ ኣልቂሳ ይበሃል ። (እንተዛቢዐያ ኣርሙኒ ቅድሚ 25ዓመት እየ ሰሚዐያ ነይረ)።

“ወ የ ወየ ወየ

ከመይ ኢኹም ሚኒሊክ በዓል ሽዋ

ዓይበትን እንተላምን’ዶ ተምፅኡ ኣይበርኩምን ብኣዘዛ

መዓር ጠስምን’ዶ ተምፅኡ ኣይነበርኩምን ብኣዘዛ

ምክትን ስቡሕን’ዶ ተምፅኡ ኣይነበርኩምን ብኣዘዛ

ሎሚ’ዶ ረኸብኩምዋ ስብኣይ ዘይብላ ገዛ።” ኢላ ኣልቂሳ ይበሃል።

እወ ትግራወይቲ ኣሚናን ውላዳን ኣብ መረቤታ እንትንበሳበሱ ኣምሪራ ብሕሱም ትበኪ፣ ትሓዝን፤ ወጮ ተኸዲና ትሕረም እያ። ውላዳን ኣሚናን ክብሮም ሓሊዮም መንነቶም ኣብ ምኽባር ገጢሞም እንትወድቁን እንተውድቑን ግን፤ ትግራወይቲ ኣይትበክንን፤ የግዳስ ትዕልል፣ ትጫድር!!! ብሱሩ’ኸባ ትግራወይቲ ወዲ ተባዕታይ ናብ ዂናተ ኸይዱ ንሳ ኣበይ ምስተረፈት፤ ኣብ ጎኑ ኾይና ንሙኩሓት ትቕንጥሶም፤ ኩናት ኢድ ብኢድ ኾይኑ መሬት ዕንፅራር እንትትኾን፤ ብጡሽ ቡንቧን ባሩድን መሬት እንትዕጠን፤ ትግራወይቲ መርዓዊ ከምእትቕበል ካብቲ ዕሙር ተኹሲ ንላዕሊ ድምፃ ኣብሊፃ ትዕልል ትዕልል ትዕልል ትግራወይቲ ሓራስ ነብሪ፤ እምበር ናይ መን ብኽያት።

ነዚኣ ወታደራት ደርጊ ዝነበርኩም ተጋሩ’ውን መስክሩለን፤ እተን ኣሓትኩም ተጋደልቲ ተጋሩ  ኣብ ሓዝ ክሕዝ ዕሙር ኹናት፤ ብሬን፣ ድሽቃ፣ ሞርታር ወይስ ዕልልታ ንደርጊ የፃሕፅሖ ነይሩ? መስክሩ ታሪኸን!!!

ብፆተን’ከ? መስክሩ ብፆት ሰብ ታሪኽ ሰርዶ፣ ብመገዲ ገሃነም ሰጊርኩም ዓወት ዘበሰርኩም፤ እታ ትግራወይቲ ጎርዞ ዓፀባ በዚሑ ተሸኒፋ’ዶ ወይስ ካብ ማህፀና ማይ ኣፈለፊላ ትንፋስ ብፆታ ተዋሒሳ ዓንዲ ዓወት ኾይና? ወይስ ብተፈጥሮ ሃሩር ተሸኒፋ በኸየት’ዶ ወይስ ብዓወት ዓለለት? ብፆት ዝወዓልኩም ኣብ ምጉልላት፣ ስንቃጣ፣ ውቕሮ፣ ገለበዳ ዓንዶ ንገሩና በኸየት’ዶ ወይስ ዓለለት? መስክሩ ሽረ፣ ኣላጀ፣ ግራት ኻሕሱ ዝወዓልኩም፤ መስክሩ’ባ ብፆት ኣብ ጎልጎል ቆቦ ስጋ ለቢስኩም ምስ ታንኪ ዝገጠምኩም? መስክሩ’ባ ብፆት ከመይ ነይሩ ውዕሎኣ ኣብ መራኛ ክትትሓናነቕ ከላ ምስቲ ምኩሕ 3ኛ? ክፋእ ተፈጥሮ ጉና ምስ ዝናብ ቁምብላታት ራሻ ሓንቲ ኾይና እንትትገጥም ንሓምሳ?

እንታይ’ባ በለት? በኸየት’ዶ ወይስ ዓለለት? እታ ጎርዞ ቐጣን መዓንጣ በኽያ’ዶ ወይስ ዓሊላ?

መስክሩባ ወረታ፣ ሃሞሲት፣ ባህርዳር፣ ኣማኑአል ዝወዓልኩም ? ሰጥሕ ጎልጎል ጎጃም ምስ ዕሱብ ኣብ ዝነብረ ናይ ቁጭ ግጥም፣ ሓዝ  ክሕዝ እንትኾን ኣብ ኣጋምሳ ላዕላይ፣ ጉቱን ሜዳ ኣልቦ መኸውሎ ዘራእቲ እንትነድድ ብቑምብላታት መሬት እንትርዕድ እንታይ በለት ንገሩና ዝወዕልኩም ኣብ ጎና ዝነበርኩም? ብደባዳብ ነፈርቲ ኣካላታ እንትሕንዘፍ ኣምዑታ እንትዝርገፍ፤ እንታይ በለት ሓራስ ነብሪ በኸየት’ዶ ወይስ ዓለለት?

ኣነ ክምስክር ብፆተይ እንትትዕልላ ደርጊ እንትርዕድ ብዓይነይ ዝረአኹ። ወታደራት ደርጊ ካብ መድፍዕን ታንክን ንላዕሊ ዕልልታ ብፆኦትና የርዕዶም ነይሩ ። ኹናት ዓሚሩ “ሃጅም” እንትበሃል ብፆት እንትዕልላ፤ ድፋዕ ደርጊ ይናጋዕ ነይሩ። ደርጊ ኩናት ተወዲኡ ዝተሸነፈ ምዃኑ ተአምሮ ደወል “ዕልልታ” ብፆት ነይራ። ድሕሪ ዕልልታ ወታደራት ደርጊ ውልቀ ህይወቶም ከድሕኑ ካብ ድፍዖም ወፂኦም ይሃድሙ ። ደምሳሲት ትበሃል ሓይሊ ድማ ትድምስሶም ነይራ። ኣነ ብውልቀይ ኣብ ሃሞሲት ኣብ ዘነበረ ውግእ ዝማረኽናዮም ብዙሕ ልምዲ ውግእ ዝነበሮም ናይ ነብሮ 2ኛ ሞተራይዝድ ኽ/ጦር ወታደራት” ካብ ብረታትና ኣየናይ ትፀልኡ? ድሽቃ ወይስ ብሬን” ኢለ ሓቲተዮም? ብሓንቲ ድምፂ “ዕልልታ” ኢሎምኒ ።  እወ ብፆት እንትዕልላ ደርጊ ይደሃልን ይዛባዕን ነይሩ!!!

እሞ ድኣ እዚ ዘመናይ ጠ/ሚ/ር ካበይ ኣምፅኦ ተጋሩ “ኣዴታት ከይትበኽያ ዝበለ?” ሓው ኣቦታቱ ኣይነገርዎን ድዮም? ንሱስ ታሪኽ ኣይንብብን ድዩ ??? ለካ ንጉስ ይዛረብ እምበር ኣየንብብን ኣይሰምዕን!!!

እሞ ደኣ ኣዴታትናን ኣሓትናን ዘይባህለን፤ ዘይልምደን ካበይ ኣምፂአን ክበኽያ? ትግራወይቲ ምስ ፀላኢ ገጢማ ኣይትበክን!!! ትግራወይቲ ክትበኪ እንተኾይና ከምታ ኣብ ዘመን ሃፀይ ዮሃንስ ዕሱባት ተጋሩ በዚሖም ሓድነትና ሸርሺሮም በብባዕልና ክንዋዳእ እንተገሮምና ጥራሕ እያ ኣደ ትግራይ ትበኪ!!!

ተጋሩ መናእሰይ

ካሊእ ጊዘን ሎሚን በበይኑ እዩ። ትማሊ ደርጊ  ተጋሩ ካብ ምድረ ገፅ ምጥፋእ ትብል ፕሮጀክት ትምክሕቲ ጀሚሩዋ ዘይተፈፀመት ነገርእያ። ካልእ ጊዘ ናይ ኢሊት (ዓንተራት ፖለቲካ) ምጥፍፋእ እዩ ነይሩ። ተጋሩ ከም ህዝቢ ከብርስ ዝሞከረ ሚኒሊክ እዩ። ካብኡ ሃ/ስላሰ ኣብ ራያ፣ እንደርታን ክልተ ኣውላዕሎን፤ ደርጊ ድማ ብሓውዜን ፈሊሙ ካብኡ ብፀሓይ ቀትሪ “ወያኔ ለማጥፋት ትግሬ ማጥፋት” ኢሉ ኣዊጁ እዩ። ድሕሪ እዚ ኣዋጅ “ኩሉ ብዓቕሙ የወፊ እጃሙ” ተባሂሉ ሓደ ተጋዳላይ ንሓምሳ ወታደር ገጢምና ስዒርናዮ፤ ህልውና ተጋሩ ኣቐፂልና። ሓዚ ግን እንተተጋጊና ምንም ካልኣይ ዕድል ኣይህቡናን ከም ሩዋንዳ ከብሩሱና ክሙክሩ እዮም። ስለዚ መንእሰይ ህልውና ኣዴኻን ዓድኻን ባዕልኻን ኣብ ትግራዋይነትካ ኣብ ምፅናዕን ዘይምፅናዕን ኢያ። ብዙሓት ዓለቕቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ወለድኻ ዝኾነ ውድብን ኣብ ውሽጢ ህዝብናን ኣለው እዮም። ግን ዋና ፀላእትና ምስ ኣሕፈርና ን ፋሕ ጭንግራሕ ምስኣእተናሎም፤ ሓደ ብሓደ ክንፀባፀብ ኢና። ኣንበጣን ንህብን ክንፈሊ ኢና። ድሕሪኡ ዝሽለም ክሽለም ዝፍንፈን ድማ ክፍንፈን እዩ።

Full Website