ወይ ዳግም- ጌም ኦቨር! እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ!!

ብሰሎሞን ሃይሉ

03 ሕዳር 2020 ዓ.ም.

ከዳዕ ኢሳያስ፡ ንወይጦታቱ መቃነዩ ዝኸውን ቃል ምድርባይ ኣይሓምቕን። ብ20 ሰነ 2018 ኣብ መድረኽ ዝሰማዕናያ ቃል፡ "ጌም-ኦቨር" ትብል ነይራ።  ንሕና'ኳ፡ ኢሳያስ መዓልቲ ሓልዩ ድርብይ ዘብሎም ቃላት፡ ወይጦታቱ ከም ኣቡነ-ዘሰማያት እናደጋገሙ ዘኳማስዑዋ፡ መቃነዪ እንተኾኖም'ምበር፡ ኣብ ባይታ ዝትግበሮ ከምዘይኮነ ካብ ወጋሕትኡ ንፈልጦ ኢና።  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ "ካብ ባድመ ወጻና ማለት፡ ጸሓይ ሞይታ ማለት እዩ። ተመሊሳ ኣይትበርቕን'ያ ማለት እዩ" ክብል ምስ ሰማዕናዮ፡ እዚ ኹሉ ጉራን ፈኸራን እንታይ ኣምጸኦ? " ዝገብር ነዲኡ ነይነግር " ኢልና። ከም ግብረ መልሲ፡ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ዝበላ፡ ንስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን ዓበድበድ ዘበለት ብሂል ድማ ኣጸቢቐ እዝክር። "ሰራዊት ሻዕብያ፡ ጉድጓድ ኲዒቱ ምክልኻል ይኽእል ይኸውን እዩ። ንሕና ድማ፡ ካብ ጉድጓድ ኣውጺእና ምቕባር ንኽእል ኢና " ኢሉ።

ናይ መን ብሂል ኣብ ተግባር ውዒሉ ዝብል፡ ኣብ ጽባሕ ኲናት ባድመ (ለካቲት 1999) መላኺ ኢሳያስ ዝበላ ምጥቃስ ጥራሕ እኽልቲ እያ። ኢሳያስ . . . .   "ኣርባዕተ ታንክታት ሓሊፈን ተባሂለን። ደሓን ነርክበለን ኢና ተባሂሉ። ጊዜ ከይዱ። ዋእ! ናይ ባድመ ነገር ክትዝክሮ እንከሎኻ፡ ማዓንጣኻ እዩ ዝቐርጽ" ብምባል'ዩ፡ ስዕረቱ ዝተቐበለ። ነብሱ ዝከላኸል ህዝቢ ክዕወት፡ ዝወርር መንግስትን ሰራዊቱን ድማ፡  ክሳዓር ግድን እዩ። ናይ ዝፈከርካ ኣይኮነን። እዚ ታሪኽ'ዚ ንዝፈልጥ፡ "ጌም ኦቨር"፡ ናብ ውርደት ከም እትቕየር ኣይጠፍኦን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ድማ፡ 'ጌም-ኦቨር' ተሓዲሳ ክትቃላሕ ንሰምዓ ኣሎና። እዛ ቃል'ዚኣ፡ በቶም ድምጺ ሚሳይል ኣብ ዘይሰምዑሉ ቦታ እናተቐመጡ፡ ብሂወት ድኻታት ምልጋጽ ዝለመዱ ወይጦታት ኢሳያስ ምዃና ክተስተውዕል እንከሎኻ፡ ብኣራዊታዊ ባህርያቶም ኣዚኻ ትሓዝን።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ምምራሕን ምምሕዳርን ከምዝፈሸለ፡ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ እያ። ኣብ መበል 21 ክ/ዘበን፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም ብህዝቢ ከይተመረጸ፡ ዝገዝእ መራሒ ምርኣይ፡ ንባዕሉ ትንግርቲ እዩ። እሞ ኸኣ ብቃልሲ ህዝብን መስዋእትን ናብ ስልጣን ዝበቕዐ "መራሒ"። ጉድድድድ ዘብል እዩ።

ኢሳያስ፡ ነታ ዝገዝኣ ዘሎ ሃገር እናዕነወ፡ ናብ ነበር እናቐየረ፡ ዶብ ሰጊሩ፡ ምስ ከምኡ ዝመሰለ መንእሰይ ውልቀ መላኺ ተሻሪኹ፡ ተስፋ ዝነበራ ኢትዮጵያ፡ ናብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚሙ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት እናሳጥሓ እንከሎ፡ ሓላዪ ዞባዊ ሰላም፡ ምዕባለን ምትሕብባርን መሲሉ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣፉ ክኸፍት ምድፋሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፉ፡ ኣብ ዓውደ ተግባር ዘየሎ ጽውጽዋይ እዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮነረል ኣብይን፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪሞም ዘይኮነስ፡ ንውልቀ ስልጣኖም ቃለ መሓላ ተኣታትዮም ክባሃሉ ይቐልል።  ንሶም ዝገበሩዎ ስምምዕ እንተሃልዩ፡ ምእንቲ ነባሪ ስልጣኖም፡ ነዚ ከባቢ'ዚ ምሕማስን  ናብ ክወጾ ዘይክእል ቅልውላው ምንቋትን እዩ። ኮነረል ኣብይ፡ ምስ ኣረጊት ጋኔን ኢሳያስ ካብ ዝተዓራረኽ ካብ ምባል፡ መምርሕታትን ፖሊሲታትን ኢሳያስ፡ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ክፍጽመን ካብ ዝጅምር፡ ኢትዮጵያ ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ትሽመም ኣላ። ዜጋታታ፡ ወረ ሞትን ዕንወትን ማዓልታዊ ሂወቶም ኮይኑ፡ ውሕስነት ስኢኖም ብስግኣት ክሕቆኑ ንዕዘብ ኣሎና።

ብኤርትራ ሸነኽ እንተርኢና፡ ናይ ኢሳያስን ኮነረል ኣብይ ኣሕመድን ዕርክነት፡ በብእዋኑ መዘዝ ከስዕበልና ጸኒሑ ኣሎ። ህዝብና ዝተጸበዮ ምሕንጻጽ ዶብ፡ ተጎስዩ፡ መጣልዒ ካርታ ክኸውን፡ ኣብ ካዝና ኣቐሚጦሞ ጸኒሖም። ጉዳይ ዶብ ኣርቲፊሻል እዩ ብምባል፡ ብሕሳባት መደመር፡ ዓሰብ ክካፈል ከምዝጽበ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡  ኣብ መድረኽ ክምድር ሰሚዕናዮ ኢና። ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ብኢሳያስ ከምዝተሸመ ሓቢሩ'ዩ። ኢሳያስ ድማ፡ በዚ መደረ'ዚ፡ ኣፉ ከፊቱ ክስሕቕ ተዓዚብናዮ ኢና። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ሃዋሳ ምስ ገሸ ድማ፡ ኮነረል ኣብይ ኣሕመድ፡ ወጻኢ ጉዳይ ያኢ ውሑዱዎስ፡ "ብዘይ ቃልዓለም፡ ንስኻ  ክትመርሓና፡ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ" ክብሎ ብእዝንና ሰሚዕና ኢና። "ሰለስተ ወለዶ ብዘይምኽንያት ተራሓሒቕና ጸኒሕና" ኢሉ ክንሳሕ'ውን ሰሚዕናዮ። ኮነረል ኣብይ ኣሕመድ ድማ፡ ዋዛ ኣይኮነን፡ ነዛ ቃል ኣብ ስኑ ቀርቂሩ ጸኒሑ፡ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢሳያስ፡ ተስፋ ዘይብላ ዝዓነወት ሃገር ምዃና ስለዘረጋገጸ፡ ኣብ ሳዋ መመረቕታ መበል 33 ዙር "ኣገልግሎት" ተሳቲፉ፡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ፡ "እቲ ን30 ዓመታት ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ቃልስን ዝኸፈልናዮ መስዋእን፡ 'ክሳራ እዩ ነይሩ። ኣብ ጎቦታት ዝፈሰሰ ደም ድማ የሕዝነኒ" ብምባል፡ ሓላዪ መሲሉ ከንቁረና ብእዝንና ሰሚዕናዮ ኢና።  ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ድማ፡ ፍሽለት ምሕደርኦም፡ ብኮነረል ኣብይ እናተቖናጸበ፡ ተቓውሞ ኣየስምዑን። ሓቆም! ዘይ ነቲ ዝበሉዎ እዩ ኣጠናኺሩዎ'ምበር፡ ሓድሽ ዘይበለ።

ኢሳያስ፡ ምስ ኮነረል ኣብይ ምስ ተዓራረኸ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሕልውልው እናበለ ዘዕበድብዶ ሓይሊ፡ መሪሕነት ወያነ እዩ። ኣፍ ደገ ዶብ ክኸፍቶ እንከሎ፡ ነታ ካብ ኣራት ኪሎ "ተባሪራ" ኣብ መቐለ "ተወሺባ ኣላ"  ዝበሉዋ ወያነ፡ ካብ ህዝቢ ትግራይ ብምንጻል፡ ንምድምሳሳ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ'ሞ፡ ነተን ኣብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ዝዓስከራ ውድባትን መራሕተንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ዝሰፈረ ስደተኛ ኤርትራዊ ለቓቒምካ፡ ኣብ ናኹራ ምድጓን፡  ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ ንምሕቃቖም ዝዓለመ  ስልቲ እዩ ነይሩ። እቲ ካልእ ጥሙሕ ኢሳያስ፡  ዘርዚርካ ስለዘይውዳእ ይጽናሓልና። እንተኾነ ግን፡ ምኽፋት ዶብ፡ ንኢሳያስን ኣብይን ዘደንገጸ፡ ከም ማዕበል ለኪሙዎም ከይምርቀፍ፡ ዘጃጀዎም ነበረ።  እቲ ኣዳሚናዮ፡ ኣቃሓሒርናዮ፡  ብጎቦ ዓይኑ ክረአአ ገይርናዮ ኢና ዝበሉዎ ህዝቢ፡ ብምሒር ናፍቖት፡ ተሓቛቚፉ፡ እናነብዐ ክሳዓዓም ርእዮሞ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ተገሪሙ።  ህዝቢ ናብ እግሩ ዝመርሖ፡ ኣዝማዱ ክሓትት ተዓዚሩ። ክልቲኡ ህዝቢ፡ ኣብ ጉዕዙኡ ተጻራሪ ትርኢት ተዓዚቡ። እግሩ ናብ ዝመርሖ፡ ናብ  ከተማታት ትግራይን ማእከል ኢትዮጵያን ዘምረሐ ኤርትራዊ፡ ንምእማኑ ዘጸገሞ ምዕባለ ተዓዚቡ። ወያ፡ ብድኽነትን ድሕረትን ዝፈልጣ ትግራይ'ኳ፡ ተቐይራ ጸንሓቶ። ብኣንጻሩ እታ ን20 ዓመታት፡ ኣብ ድፋዕ ዓሪዱ፡ ደሃያ ዝረሳዓ ሃገሩ፡ ናብ ሓመድ ድበ ከምዝተቐራረበት ኣስተንቲኑ፡ ብውሽጡ ንኢሳያስን ጉጅልኡን ተራገመ። ናብ ዓዱ ዝተመለሰ ህዝብና ድማ፡ ኣፉ ከፊቱ ከማርር ተራእዩ። እቲ እግሩ ናብ ዝመርሖ ናብ ከተማታትን ገጠራትን  ኤርትራ ዘምረሐ ድማ፡ ኣምሪሩ ሓዘነ። ብፍላይ ንኣስመራ ጻዕዳ ዝፈልጥ፡ ህንጻታታን ጎደናታታን ደሃይ ዝገብረሉ ስኢኑ፡ ቀልባ ተገፊፋ ምስ ረኣያ፡ ንውሽጡ ደም ነቢዑ፡፡ ከይዋዓለ ከይሓደረ ናብ ዝመጸሉ ቀልጢፉ ዝተመለሰ ብዙሕ ሰብ እዩ።

እዚ ሓቂ'ዚ፡ ንኢሳያስን ጉጅልኡን ዘቕስን ኣይነበረን። ን20 ዓመታት ሓቢኦሞ ዝጸንሑ ጉዳ-ጉድ ኣፉ ከፊቱ ከምዝውሕጦም ተረድኡ። ጉዳይ ስልጣን ድማ፡ ንኢሳያሳውያን ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ እዩ። ንልዕሊ 27 ዓመታት፡ ንኤርትራ ብዘይ ቅዋም፡ ከም ናይ ብሕቶም ንብረት ገቢቶማ፡ ከይተመረጹ ክገዝኡዋን ከዕንዉዋን ዝጸንሑ፡ ልዕሊ ስልጣኖም ዝርእዩዎ ነገር ስለዘይብሎም ጥራሕ እዩ።  ዎዮ፡ " ጌም ኦቨር ወያነ "፡ መተግበሪ ዝተሓሰበ፡ ስልቲ መጥፍኢኦም ምዃኑ ምስ ተገንዘቡ፡ ህዝብና ናብ'ታ ዝነበራ ጸልማት ሂወት እንተተመለሰ፡ ጉዳዮም ኣይነበረን። ስለዚ ድማ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ጊዜ ከይወሰደ፡ ብሃንደበት፡  ብቀጢን ትእዛዙ፡ ኣፍደገ ዶባት ተዓጽዩ፡ ህዝብና ኣብ ጋሃነብ ጸልማት ካብ ዝዕሸግ እኖሆ ከባቢ ክልተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።  ኮነረል ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ ብሒም ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ'ውን፡  ክልቲኦም ገዛእቲ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብሓደ ወገን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፡ በቲ ካልእ ወገን፡ መጻኢኦም ዘጸልምት ሸርሕታት ክኣልሙ'ምበር፡ ዘመዝገቡዎ ዞባዊ ሰላም ይኹን ልምዓት የልቦን። ክህሉ'ውን ኣይክእልን።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተደኲና ዘላ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ ገመዳት ዝተኣሳሰረት ጎረቤትና፡ ክልል ትግራይ፡ ብሰላም ይኹን ዕብየት፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ጸኒሓ ኣላ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት፡ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ክወረዶም ዝጸንሐ  ኣደራዕ፡ ዓለም-ብዓለሙ ዝፈልጦ እዩ። ኢዶም ግን ኣይሃቡን። ንምንታይ ግን፡ ንህዝቢ ትግራይ፡ ህወሓትን   ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ብፌደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብስርዓት ኢሳያስን፡ ግዳይ ክኾኑ ዘይተኣደነ ሸርሒ ኣብ ልዕሊኦም ተፈጺሙ?  እተን ምኽንያታት፡ ዘጋጊ ዘይብለን፡ ክልተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት እየን።

1. ናይ'ቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተተኺሉ ዝጸንሐ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሕገ መንግስትን፡ ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ብምዃኖም።

2. ኣብ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና፡ ካብ ወጋሕትኡ ዘይዕጸፍ መርገጺ ሒዞም ዝመጹን፡ ዝቕጽሉ ዘሎዉን ብምዃኖም እዩ።

ካልእ ዝተሓብአ ምስጢር የልቦን። ስለዚ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን  ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምፍራስ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ብምዕጻፍ፡ ናብ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምጽንባር፡ ነዚ ነቒሑን ተወዲቡን ዝምክት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፡  መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ክልላዊ መንግስቱን፡ ብቐዳምነት ዓንዲ ሕቖኦም ክሰብሩዎም ኣሎዎም። እዚኣ  እንተዘይገይሮም ሕልሞም ከንቶ ኮይኑ ከምዝተርፍ ሕርሕራይ ገይሮም ተገንዚቦም እዮም። ስለዚ'ምበኣር፡ ነቲ ወጢኖሞ ዝጸንሑን ዘለዉን ሓደገኛ ዕላማ ንምዕዋት፡ ዘይፍብርኹዎ ሓሶት የልቦን። ህዝቢ ንህዝቢ ዘጋጩዉ ስልቲታት ካብ ምምሃዝ ኣይቁጠቡን። እቶም ኣብ ባይታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወግሐ ጸብሐ ዝፍጸሙ ዘሎዉ ሸርሕታት፡ እኹላት ምስክራት እዮም።

ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት፡ እዞም ውዲተኛታት ገዛእቲ፡ ነዘን ሃገራት'ዚአን ዘዕኑ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዝዘርግ'ምበር፡ ንልምዓትን ምዕባለን ዝዕድም ፖሊሲታት ክሕንጽጹ ይኹን ከተግብሩ፡ ብፍጹም ተራእዮም ኣይፈልጡን። ይኹን'ምበር፡ ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ሕፍር-ሕንኽ ከይበሉ፡ ንሶም ንዞባዊ ሰላምን ልምዓትን እናሰርሑ፡ መራሕቲ ወያነን ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳ ሕብረትን(ሆላንድን ስዊደንን) ዕንቅፋት ይኾናና ኣሎዋ። ግን ከኣ ዝተለምናዮ ካብ ምዕዋት ዝዓግተና ሓይሊ የልቦን ብምባል ክገልጹ ንከታተል ኣሎና። እዚ መግለጺ'ዚ ዝወጸሉ ጻዕዳ  ሓሶት እዩ።  እዚ ጥበብ'ዚ "ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጉምባሕሲ፡ ዛግራ እያ" ምባል  ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ጸረ ህዝቢ መንግስታት፡ እናሓሰዉ ሓቂ ዝዛረቡ፡ ህዝብታት እናናቖቱ፡ ዘታዓርቑ፡ ሃገር እናዕነዉ ከም ዝሃንጹ ዘለዉ መሲሎም ምቕራቦም፡ ክሳብ ዕለተ ግብኣተ መሬቶም ዘይሓድጎም ኣመል እዩ።

Full Website