ማሌሊታውያንን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን።

ብርሃን ንርአ

08/09/2012ዓ/ም

brhannrae@gmail.com

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ማሌሊታውያን ዝብል ቃል ከም መውቅዒ በትሪ  ህወሓት እንትጥቀምሉ ንዕዘብ ኢና።ከም መንግስቲ ድማ ንህወሓት ንምውቃዕ ዓሊሙ ማሌሊታውያን ዝብል ቃል ኣዘውቲሩ ዝጥቀመሉ ድማ መንግስቲ ኤርትራ (ህግደፍ)እዩ።ማሌለታውያን ታዎት እዮም?ምስ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ርክቦም? ንምንታይከ እዮም ከም መውቀዒ በትሪ ህወሓት ዝጥቀምሉ?ማሌታውያውያን ዝብል ቃል ከም መውቅዒ በትሪ ህወሓት ዝጥቀምሉ ዘለዉ ኣካላትከ ታዎት እዮም?ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም መልሲ ክረኽቡ እንተለዉ እውን ኣይንዕዘብን።ካብዚ ትዕዝብቲ ብምብጋስ እየ ብዛዕባ ማሌሊታውያንን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ዘለኒ ርድእት ሕፅር ዝበለት ፅሕፍቲ ክፅሕፍ ዝተለዓዓልኩ።ኣብዚ ዘቕርቦ ናይ ውልቀይ ርድኢት ሪኢቶ እንተሃሊዩኩም ንምዝታይ ድልው ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ እፈቱ። ታሪኽ ማሌሊታውያንን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ምትእስሳር ዝጀመረ ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ እዩ።ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንፃር ዘውዳዊ ስርዓት ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ብወሳናይ መልክዑ ብማርክሰ ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ዝተፀለወ እዩ ነይሩ።እዙ ምንቅስቓስ ንተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ  እውን ካብ ማርክሳዊ ሌኒናዊ ፅልዋ ከምልጡ ኣይካኣሉን።ብዛዕባ ወፅዓ ህዝቢ ትግራይን ኣግባብ ኣፈታትሑኡን እንትዝትዩ ወሓደ በዝሐ ዝርኢሉ መነፅር ማርክስነት እዩ።ካብ መስረቲ ማገብት ጀሚሩ ክሳዕ ናብ ናይ ምጅማር ዕጥቂ ቃልሲ ናብ ደደቢት ዝወረዱን ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝኸዱን ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ማርክሰ ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ነፃ ኣይነበሩን።እዞም ንምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንዝወፈሩ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓብዪ ተፅዕኖ ዝፈጠሩ ሰባትከ ታዎት እዮም?ምባል ኣይተርፍን።ሕፅር ብዝበለ ቋንቋ ውፅዕ ህዝቢ ብገዛእቲ ደርብታት ከመይ ከምዝውፃዕ ከመይ ካብ ገዛእቲ ደርብታት መግዛእቲ ሓራ ከም ዝወፅእ ዝፀሓፉን ብተግባር ውፁዕ ህዝቢ ሓራ ንምውፃእ ዝተቓለሱን እዮም ማርክስን ሌኒን።ናይ ሽዑ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብናይ ማርክሰ ሌኒንነት ኣተሓሳስባ ተፅዕኖ ምውዳቖም ዘግርም ኣይኮነን።ዓለም ብዓለማ ማርክሰ ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ፋሽን ገይራቶ ነይራ እያ። እዞም ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ብማርክሰ ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ሓያል ተፅዕኖ ምኽ ንያት ክሳዕ ማሌሊት ዝባሃል ውድብ መስርቶም እዮም።እዞም ማሌሊታውያንን ደሓር ድማ ማሌሊት ዝባሃል ውድብ ክሳዕ ምምስራት ዝበፅሑ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፃወትዎ ግደ እንታይ እዩ? ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።እዞም ማሌሊታውያን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ትኽክለኛ መንገዲ ሒዙ ክውላዕን ናብ ዓወት ክበፅሕን ገይሮም እዮም።ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብፅንዓት ዝተደገፈ መፍትሒ ዘምፅኡ ዝነበሩ እዞም ማሌሊታውያን ኢልና እንፅወዖም ዘለና ኣካላት እዮም።ኣብ ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ክፍታሕ ዘለዎ ጎነፂ ብሄራዊ ጎነፂ ኣገባብ ኣፈታትሕኡ ድማ ብዝተናወሓ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኮይኑ ናብ ደርባዊ ንቕሓት ብዘሰጋግር መንገዲ ክፍፀም ከምዘለዎ ዘነፀሩ እዮም።ህወሓት መስመር ወያናይ ዲሞክራሲ ተኸቲላ ክትቃለስን ንህንፀት ርእሰማላዊ ስርዓት ዕንቅፋት ዝኾኑ ሓይልታት ማለት እውን መስፍንነት፣ቢሮክራስያዊ ርእሰማልነትን ሃፀይነትን ክድምሰሱ ከምዘለዎም ዘነፀሩ እዮም እዞም ማሌትውያን እናበልና እንፅወዖም።ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስከምኡ ዝመሰሉ ማሐዙት ደርብታት ከገብሮ ዝግባእ ቃልሲ ዘነፀሩ እዮም።ኩሉ ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነ ፀላእቱ ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ ከም ዝኾኑ ህዝቢ ኣምሓራ እቲ ሓረስታይ እቲ ሸቃላይ እቲ ጭቁን ናይ ከተማ ነባሪ ህዝቢ ፈታዊኡ ከም ዝኾነ ኣብ ኣተሓስባ ህዝቢ ትግራይ ክቕረፅ ዝገበሩ እውን እዮም።ህዝቢ ትግራይ ንሓርነቱ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ መሳፍንቲ ተጋሩ ልክዕ ከም ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ ማዕረ ፀላእቱ ምዃኖም ቀሪፆም ኣንፃር ኢድህ ገጢሙ ክዕወት ዝገበሩ እውን እዚኦም እዮም።ካብዙይ ሓሊፎም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ብርዥዋ ውድብ ምዃኑ ከይዱ ከይዱ ገዛኢ ደርቢ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዝጭቁኖ ቁልጭ ኣቢሎም ዘቐመጡ እቶም ሐዚ ሻዕብያ ጃንዳ ማሌሊት እናበለ ዝፅውዖም ማሌሊታውያን እዮም። ውድብ ህወሓት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝመርሐሉ እዋን ንዘጋጠሞ ደውታን ምንቁልቋልን ብፅንዓት ዝተደገፈ መፍትሒ ኣምፂኦም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ስዕረት ዘድሐኑ እውን  ማሌሊታውያን እዮም።ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ወታደራዊ ዶክትሪን (ተጋዳላይ ቆረፃ እናበለ ዝፅውዖ) ዝሓንፀፁ ሐዚ እን ኽተሎ ዘለና ምክልኻል ማእኸል ዝገበረ ናይ ጥዕና ፖሊሲ ዝቐረፁ እቶም ማሌሊታውያን ኢልና እንፅውዖም እዮም ኩነታት ዓለም ብፋላይ ዝሑል ኵናት ብዓወት ምዕራባውያን ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ከምእውን ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምኽንያት ደርግ ብዘሰጎሞ ብሽም ዴስነት ዝተጎልበበ ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዴስነት ዝፀውር ኩነታት ዘይምህላዉ ብብቕዓት ብምግምጋም ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ክህነፅ ዝግበኦ ስርዓት ፃዕዳ ርእሰማልነት እዩ፤ምህናፅ መድብለ ፓርቲ እዩ ኢሎም ኣነፂሮም ምልኣተ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ዝተቓለሱን ዘቃለሱን እዞም ማሌሊታውያን እንብሎም ዘለና እዮም። ብድምር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዘያቋርፅ ናህሪ ክዕወት ዝመርሑን ዘቃለሱን እዮም ማሌሊታውያን።ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ምህዋር ክትአቱ ዝገበሮ እዮም ማሌሊታውያን።

ማሌሊታውያን ብመን እዮም ዝፅልኡ ? ማሌሊታውያን ዝፅልኡ ንፁር ደርባዊ ቃልሲ ከይህሉ ብዝደልዩ ሓይልታት እዮም።ህዝቢ ብንቕሓት ክቃለስ ክሳተፍ ብዘይደልዩ እዮም ዝፅልኡ።ብስም ፍቅሪን ምድማርን፣ ብስም ትግራዋይነት፣ብስም ኢትዮጵያውነት ቃልሲ ህዝብታት ክጭጥፍለቕ ረብሓ ፅግዕተኛ ርእሰማላውያን ክርጋገፅ ብዝደልዩ እዮም ዝፅልኡ።

እዞም ኣሃዳውያን ናይ ዓደይ ዝብኢ ይብለዐኒ በሃልትን ህዝቢ ደርባዊ ንቕሓት እንተወኒኑ ከምድላዮም ክጭቁንዎ ስለዘይኽእሉ እዮም መሪር ፅልኣት ኣብ ማሌሊታውያን ዘሕደሩ።ህዝቢ ሓቀኛ ተቓላሳይን ባንዳን ብንፁር ክርኢን ንባንዳታት ክቃለሶምን ስለ ዝገበሩ እዮም ንማሌሊታውያን ዝፀልእዎም።ካብዚ ሓሊፎም እውን ናይ ማሌሊትን ማሌሊታውያን ኣመራርሓ እናረኸበት ዝተዓወተት ውድብ ህወሓት እናሰበቡ ዝወቕዕሉ ዘለዉ ምኽንያት እውን ህወሓት ንውፅዕ ህዝብታት ወጊና ስለ እትቃለስ ሕልምን ድልየት ባንዳታትን ኣሃዳውያውያንን ብምፍሻል ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ስለዘረጋገፀት እዩ ብስም ማሌሊታውያ እትውቃዕ ዘላ።
Full Website