ትማሊ 24 ጉንቦት፡ ምሕራር ሃገርና ኤርትራ ንመበል 29 ዓመት ዘኽበርናሉ ዕለት እዩ። እዚ ባዓል'ዚ ብህዝቢ ትግራይ፡ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ዕለት እዩ። ስለዝኾነ'ውን ሚድያታት ትግራይ፡ ንማዓልቲ ሓርነት ሃገርና፡ ጽቡቕ ሽፋን ክህቦኦ ተኸታቲልና። ናይ ብሓቂ ዘሐጉሰ እዩ። ህዝቢ ትግራይ፡ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ኣብ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርና ዘለዎም ነቕ  ዘይብል መርገጽ ብምዃኑ ዘኹርዕ እዩ። ንመጻኢ ጸኒዖም ክቕጽሉዎ ተስፋና እዩ።

ብኣንጻሩ ሚድያታት ፌደራልን ሓይልታት ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ዚ ክቡር ዕለትና 24 ጉንቦት፡ ማዓልቲ ምሕራር ሃገርና፡ እናተቐባበላ፡ "ኣብ ትግራይ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ተኻይዱ። ዘይምርግጋእ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ፡ ፊደራል መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ጸዊዑ"(ነቲ መረጻ እንተካይድካ ብወታሃደራዊ ሓይሊ ክንድህከካ ኢየ ዝበሎ ፌደራል) ዝብል፡ ፈጺሙ ኣብ ባይታ ዘየለ ዉጹእ ሓሶት ክዝርጋሓ ውዒለን። ክነልዕሎ ዘሎና ዓብይ ሕቶ፡ እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዚ፡ ንምንታይ ኣብ'ዛ ዕለት'ዚኣ ክፍኖ ተመሪጹ ዝብል  እዩ።

ከምእንርደኦ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ጀሚሮም፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይሊ ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ልዑላውነትን ናጽነትን ክምንዝዑ፡ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሽርሕታት ክኣልሙ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ሸርሒ'ዚ ኣብ ምትግባር፡  ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑዎም ዝጸንሐ፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዩ። ስለዚ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምንብርኻኽ ክጽዕሩ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ምስ'ዚ ብዝተታሓሓዘ፡ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተሻሪኹ፡ ብሓደ ወገን፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ካምፕታት ትግራይ ንምብታን  ላዕልን ታሕትን ክብል ጸኒሑ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ነቶም ብግዕዙይ ስርዓተ ምሕደራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሰኪሖም፡ ናብ ትግራይ ዝሰገሩ ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ብምንፋግ፡ ኣብ ሽራሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከጽልሉ፡ ካብ ወገናቶምን ፈተውትን መዓልታዊ ደገፍ፡ ተጸበይቲ ክኾኑ ኣገዲዱዎም ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታትና ንምብታን፡ ነቲ ማዓስከር ንምዕጻው ወሲኑ ንምትግባሩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ ኣሎ።  እዚ ድማ፡ ክኹነን ዘሎዎ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትና ዝፍጸም ዘሎ፡ ሰብኣውን ማሕበራውን ወንጀል እዩ።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ዝፍጸም ዘሎ ወንጀል፡ በብእዋኑ ብሚድያታቱ ዘቃልዖ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጆኻ ብምባል ዘተባብዕ፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ደገፍ ክረኽቡ ዝጽዕር ዘሎ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ምዃኖም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ካብ ወጋሕትኡ ኣብ ጎድኒ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ጎድኒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ደው ብምባሎም፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ሕማም ርእሲ ኮይኑዎም ምህላዉ ንከታተሎ ኣሎና። ኣብ ኩፉኡ'ምበር፡ ኣብ ሰናዩ ክዉዕሉ ኣይክእሉን።

ካልእ ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ፡ 24 ጉንቦት ምሕራር ኤርትራ ዝተበሰረሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ን29 ዓመታት ዝወርደና፡  ግፍዕን ጭቆናን እናሃለወ፡ ህዝብና ነዛ ታሪኻዊት ዕለት የኽብራን ይዝክራን እዩ። ነዛ ታሪኻዊት ዕለት'ዚኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና፡ ብድምቀት የኽብራ እዩ። ካብ ከባቢ ሃገራት ድማ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ። ኣብ'ዛ  ሃገር'ዚኣ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክነብር ዝጸንሐን ድሕሪ ኲናት ዶብ፡ ብስደት ናብ'ዛ ሃገር ዝሰገረ ህዝብና ብድምር፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር እዩ። ህዝብና፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለቱ፡ 24 ጉንቦት  ተረጋጊኡ ከኽብራን ክዝክራን ፈጺሞም ኣይደልዩን። እኳ ደኣስ፡ እቲ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝነብር፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወገኑ እናተጨነቐን እናተሻቐለን ክውዕል፡ ደሃዮም ክፈልጥ፡ ተሌፎን ኣብ ምጥዋቕ  ክውዕል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነብር ዘሎ ድማ፡ እንታይ ዘይፈለጥናዮ ሽግር ኣጋጢሙ ኢሉ፡ ነታ ብሰላም ረጊጹዋ ዘሎ ምድሪ፡ ምእማን ክስእና ንምግባር፡ ኮነ ኢሎም ሸርሒ ክኣልሙሉ ናይ ግድን እዩ። ኣይድቅሱልናን።

እምባኣርከስ፡ እዚ ብሚድያታት ፌደራልን ሓይልታት ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ዛ ታሪኻዊት ዕለትና፡ 24 ጉንቦት፡ ብዛዕባ ክልል ትግራይ(ሽረን ከባቢኣን ከምኡ'ውን መቐለን ከባቢኣን) ክንፋሕ ዝዋዓለ ናይ ፈጠራ ሓሶት፡ ካብ'ቶም ዝሓዞም ዓበይቲ ዕላማታት  ሓደ፡  ኣብ ልዕሊ'ዛ ታሪኻዊት ማዓልቲ ሓርነትና፡ ካብ ዘለዎም መሪር ጽልኢ ዝነቅል፡ መጋረጃ ጸልማት ንምኽዳና ዝተዋደደ፡ ኣካል ኣምሳል ናይ'ቲ፡ ኣንጻር ልዑላውነትናን ናጽነትናን ዘካይዱዎ ዘለዉ ወፈራ እዩ። ሚድያታት ፌደራልን ሓይልታት ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ዛ ታሪኻት ዕለት'ዚኣ፡ እዚ ናይ ፈጠራ ሓሶት ክፍኑዉ ዝዋዓሉ፡ ትም ኢሎም ብኣጋጣሚ ዝተዋፈሩሉ ከምዘይኮነ፡ ኩሎም ዉጹዓት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ብፍላይ ክንግንዘቦ ይግባእ። እዚ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ሸርሒ፡ ንመጻኢ'ውን ብዝተፈላለዩ ስልትታት ክቕጽል ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

Full Website