Back to Front Page
ዓለምለኸ ማሕበረ ሰብ ኣብ ኣብይን ኢሳያስን ንምንታይ ስጉምቲ ዘይወስድ?

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ

28 ለካቲት 2021 . . ;

ሃገረ ስዊድን

ከምዚ ዝበለ ሕቶ ካብ ብዙሓት ወገናት ይሰማዕ እዩ። ዋላ መልሱ ዝርድኦ ሰብውን ናቲ ሽግር ክብደት እናራኣየ ዓለም ከመይ ኣኽኢሉዎ ሱቕ ይብል ናበለ ምሕታቱን ምስትንታኑን ኣይተረፈን። እሞ እምበኣር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናት ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኢትዮጵያ እየ ዝብል ናይ ብልፅግና ዑሱብ፣ እቲ ድሑር ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ፣ ዓረብ ኤምሬትስን ምስኦም ተሓዚሉ* ናብ ትግራይ ዝኣተወ ኣጎዛ ተኸዳኒ ናይ ኣምሓራ ሁቱን እኳ እንተኾኑ ኣብዚ ጉዳይ ከም ሃገር ሓላፍነት ወሲዶም ተሓተቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያን ኤርትራን እዮም። እዙይ ማለት ግን እቶም ኣጎዛ ተኸደንቲን ኤምሬትስን ኣይሕተቱን ማለት ኣይኮነን። ንዙይ ርዱእ ገይርና እስቲ እተን ብክልተ ኣምባገነናት ዝምርሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንርኣየን፡ : - ከም ናተይ ኣረዳድኣ ዓለም ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ እያ ትጎዓዝ ዝብል ፅንሰ ሓሳብ ፖለቲካል ሪያሊዝም ዝገልጽ ኩነታት እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ኣብይ ኣህመድ ሃገር ኣሕሊፈ ክህበኩም (ሪፎርም ይብሉዎ) ፣ ዝበልኩምዎ ክገብረልኩም ናበሎም፡ እሞ ብሪፎርምን ሊብራላዜሽን ሽም መንግስታዊ ትካላት ክሸይጥ ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለሉ ኩነታት ንብሄራዊ ረብሕኦም ከመቻችዉ እምበር ብስልጣኑ ክፈታተኑዎ ድሌት የለን። ብዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ኩናት ወንጀል ዓለም ምልእቲ ናተዛረበት ኣብ ዘላትሉ ኩነታት ናስመዑውን ጥቕሉል መገለፂ ካብ ምውፃእ ሓሊፎም ንዚ ሰብ ብቐጥታ ክነቕፉ ኣይሰማዕናዮምን። ብፍላይ ድማ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ። እዙይ ጥራይ ግን ኣይኮነን፤ ብስሩዉን ንሶም (እቶም ጎይቶቱ) ዝዝውሩዎን ካብ ናይ ቻይና ተፅዕኖ ነፃ ዝኾነ ፖለቲካ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዚ ዕሱብ ኣብይ ኣህመድ ኣብ ስልጣን እንተጸንሐ ድሌቶም ዘማልእ ሰብ ኮይኑ ስለዝረኸብዎ እውን እዩ። - ኢሳያስ ዓርሰ እምነት ዘይብሉ፣ ፈራሕ፣ በለጸኛ፣ ሓሳድን ጨካንን ፍጥረት ከምዝኾነ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሰለስተ ሚሊዮን ህዝቢ ከመሓድር ዘይከኣለ ሰላሳ ዓመታት ንኸንቱ ዘባኸነን ወለዶውን ዝለከመን ሱሱዕ ገበነኛ እዩ። ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ በላዒ ሰብን ፈራሕን ዝኾነ ኢሳያስ ስጉምቲ ከይትወስድ ግና ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝበፅሕ ዘሎ ሽግር ንላዕሊ ዘገድሶም ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታቶም ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፤ ምዕራባውያን ብቲ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ኩነታት ተገዲዶም ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ተጽዕኖታት እንተገይሮምሉ እሞ ስግኣት እንተሓዲሩዎ ወደብ ወይ ናይ ባሕሪ ወሰን ንቻይና ብምሃብ ኣብ ኮሪዶር ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ከየኽርረሎም ስግኣት ክህሉዎም ከምዝኽእል ጥርጥር የብሉን። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣቲዩ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ናተፈለጠ እሞ ካብ ትግራይ ይውፃእ ዝብል ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ መርገፂ ደጊፎም ኣንዳሃለዉ ኣውሮፓ ሕብረት ንኤርትራ ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ሀዚውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ብጀካ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውፃእ ምባል ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወረደ ቀጥታዊ ተፅዕኖውን የለን። ብኣንፃሩ ድማ እዘን እቲ ኩነታት ክሪኢኦ ትፅቢት ንገብረለን ዘለና ሓያላት ሃገራት ካብ ትግራይ ዝረኽብኦ ስትራቴጂካዊ ረብሓ የለን ወይ ድማ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ኣብዞም ገበነኛ መንግስታት ስጉምቲ ዘይምውሳደን ካብ ትግራይ ዝስእንኦ ወይ ድማ ዝጉዳእ ቀጥታዊ ዝኾነ ብሄራዊ ረብሓ የለን። ኣሎ እንተተባሂሉ ድማ ምስ ዞባዊ ጸጥታን ምምዝባልን ዝተተሓዘ ጥራይ እዪ ዝኸውን። እዚ ማለት እቲ ውግእ ካብ ትግራይ ሃሊፉ ንኢትዮጵያን ንቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ቅልውላው ኣእቲዩ 110 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ስደትን ምብትታን ዝዳርጎ እንተኾይኑ፣ እሞ ድማ እዘን ሃገራት ኣብዚ ዞባ ዝለዎም ቁጠባዊ፣ ፀጥታዊን ጂኦፖለቲካዊን ምንቅስቓስ ዝጎድእ ኮይኑ እንተረኺቦምዎ ዘይሩ ዘይሩ ናይዞም ሃገራት ብሄራዊ ረብሓ'ውን ስለዝትንክፍ ንቲ ጉዳይ መዕለቢ ክገብሩሉ ዝግደዱሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር። ስለዚህ ብቲ ዝፍጸም ዘሎ መንግስታዊ ወንጀል ሕጉሳት ኣይኹኑ እምበር ብሓደ ወገን ሪኦተዓለማዊን ቁጠባዊን ብቲ ካልእ ድማ ጂኦፖለቲካዊ ረብሕኦም ንምርግጋፅ ዝገብሩዎ ተዋስኦ ቅድሚ ኩሉ ስለዝስራዕ ዘገድዶም ነገር እስካብ ዝርከብ ንቲ ኩነታት ንምቕያር ዝገብሩዎ ፃዕሪ ውሱን እዩ ዝኸውን። እሞ ብሓደ ወገን ሪኦተዓለማዊን ቁጠባዊን ጂኦፖለቲካዊን ሚዛኑ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ብልዑል ጥንቃቐ ስለዝሕዙዎን፡ ብቲ ካልእ ድማ ዓለምለኻዊ ቢሮክራሲ እውን ባህሪያቱ ዝተናውሐ ስለዝኾነ ንቲ ሽግር ዝመጣጠን ቅላጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኣይተኽኣለን፡ ዓለም ሱቕ ኢላ ከይትሓልፎም ድማ እዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ደቂ ሰብ ዝወርዶ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ከም ዘሎ ኮይኑ ዞባዊ ቅልውላውን ኣጋዲዱ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝበታተነሉ ኩነታት ስለዝፍጠር ኣውሮፓ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ከይመጽኡዎም ስግኣት ኣለዎም። እዙይ ንኣውሮፓ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ስለዝኾነ ብተነፃፃሪ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝሓሸ ኣብ ኣብይ ኣህመድ ጸቕጢ ክገብሩሉ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ ደቂ ሰባት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ጨፍጫፍን እውን ባዕሉ ዝኸኣለ ገዚፍ ጉዳይ ስለዝኾነ ብቐሊሉ ኣይሪኡዎን። ንዙይ ሓያላት ናይ ምዕራባዊያን መራኸብቲ ሓፋሽን ገለ ዓይኖም ዝኽፈተሎም ንፍትሒ ደው ዝበሉ ደቂ ወፃኢን ዝገብሩዎ ወፍሪ እውን ተወሲኹዎ ንቲ ጉዳይ ሸለል ኢልካ ዘይሕለፈሉ ኩነታት በፂሕና ኣለና። እዚውን ግን ንቲ ኩነታት ካብ መሰረቱ ንምቕያር ዘኽእሎ ኣይኮነን።

ንዚ ኩነታት እንታይን መንን ይቕይሮ?

ዓለም ምስ ረብሓኣ እያ ትጎዓዝ ዝብል ፅንሰ ሓሳብ ካብ ኣመናሉ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሽግር ቀንዲ መዋጽእቲ ገይርና ክንወስዶም ዝግባእ ሰለስተ ነገራት እዮም። 1ይ) ኣብ መሬት ወታደራዊ ጸብለልታ ብምርኣይ መንግስቲን መሻርኽቱን ብሓይሊ ክሰብሩና ከም ዘይኽእሉ ምርግጋፅ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ዞባ ናይ ነዊሕን ሓፂርን ኩለመድያዊ ፀቕጢ ዝገብር ምንቅስቓስ ከምዘለና፣ እሞ ሸልል ኢልካ ንሕለፍ ህዝቢ ከምዘይኮና ዓለም ለኸ ማሕብረሰብ ክግንዘብ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ መዳይ ንረኽቦ ዓወት ናይ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም መርገፂ ክቕይር ስለዝገብር ወታደራዊ ቅልፅምና ወሳኒ ጉዳይ ገይርና ክንሪኦ ኣለና። ንኣብነት እቲ ፋሺሽት ኣብይ ኣህመድ ውግእ ኣብ ቁሩብ መዓልቲታት ክዛዝሞ እየ ስለዝበሎም ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ኣሚኖምዎ ''Let's give the war a chance'' ከምዝበሉ ሰሚዕና ነይርና። እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ምስተረድኡ ግን ንኣምባሳደር ማይክ ራይነርን ረዳት ጉዳያት ወፃኢ ቲቦር ናዥን ሓዊሱ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዘካይዱዎ ዘለዉ ጉዳይ ከም ዘተሓሳስቦውም ምግላፆም ይዝከር። 2ይ) ህወሓት ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲን ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ውድባቱን ኣብዛ እዋን ዘካይዱዎ ዘለዉ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝውዳእ ቃልሲ መሰል ዓርሰ ውሳነ እምበር ንኣራት ኪሎ ንምማስ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ዓለም ክፈልጦ ምግባር ግድን እዩ። ህወሓት ዝቃለስ ዘሎ ናብ ኣራት ኪሎ ስልጣን ንምምላስ ስለዝደሊ እዩ ዝብል ክሲ ጠቐነ ምዃኑ ግልፂ ምግባር ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ዝመጽእ ተፅዕኖ ምቕናስ ከምዝከኣል ርዱእ ምግባር የድሊ። ምዕራባውያን ሃገራት ከምቲ ዝገብሩኦ ህወሓት እውን ናብ ኣራት ኪሎ ቤተ መነግስት ምስ ኣተወ ቅድሚ ኩሉ ሃገራዊ ረብሓይ፣ ናይ ፖሊሲ ናፅነተይ ኣይትንከፍን፣ ናይ ሓያላት ትእዛዝ ኣይቅበልን ወዘተ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸተሎ ኣተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ቁጣባን ሓፈሻዊ ልምዓትን፣ ሰላምን ርግዓትን እዛ ሃገር ርኡይ ለውጢ ብምምፅኡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ቀልቢ ስሒቡ ነይሩ እዩ። ከም ውፂኢቱ ድማ ኣተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ክኽተላ ዝደለያ ናይ 12 ሃገራት ገዛእቲ ውድባት ምስ ኢህወዴግ ናይ ምኽክር መድረኽ ፈጢረን ምንባረንውን ዝፍለጥ እዩ። እዙይ ንቲ ምዕራባውያን ከም ውሁብ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ናይ ዓብላልነት ወይ ድማ ኣዛዚን ተኣዛዚን ኩነታት ኣብ ምሽርሻር ናይ ባዕሉ እወንታዊ ተራ ተፃዊቱ እዩ። እዙይ ዝገብር ውድብ ይኹን መንግስቲ ግና ኣይድለን። ናይ ዓዲ ውሽጢ ፖለቲካዊ ሕያሊታትውን እንተኾነ ካብ ዘለዎም ፀቢብ ናይ ስልጣን ህርፋንን ንሕንሕን ተበጊሶም ከምታ ሀዚ ዝገብሩዎ ዘለዉ ሃገር ዘዐኑ ተግባር ስለዝፍፅሙ ኣብ ናቶም ሓሸዌ ዘይምእታው ረብሓ ከምዘለዎ ተረዲእኻ ንኣራት ኪሎ ዘምርሕ መገዲ ዕጹው ምግባርካ ፀላኢን ፈታውን ክፈልጦ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
Full Website